|
||
|
|
||
|
መልእክቲ ንሐው ገብሩ ሐጎስ አብ መርበብ ሐበሪታ ቶጎርባ ዝጽሓፍካዮ መልእክቲ መሰረት ብምግባር እዛ ሕጽር ዝበለት ትዕዝብተይ ከካፍለካ ሕልናይ ገዲድኒ ኩቡር ሓው ገብሩ ሕቶካ ዋላ አድላይነት እንተ ሃለዎ ቦታን ግዜን አይመረጽካሉን ምክንያቱ መሰረታት አብ ሃገረ ጀርመን ይኹን አብ ካልእ ክፍሊ ዓለም ደሎ ካብ ህዝቢ ፈልካ ከተቅርቦ አይትፈትን አካል ናይትህዝቢ ምካኑ እመን እዜ ምስ እታምአን ካአ ሰፊሒን ሃናጽን መድረካዊ ጠለባት ናይ ሃገርን ህዝብን ክራአየካ ምካኑ አይጣራጠርን ሕጂ ግን አብቲ ቀንዲ ከጽሕፈኒ ዝገደደ ካአቱ 1. እቲ ገባር ቅያ ዝኮነ መሰረት ምእንቲ ሓድነትን ድሕነት ህዝብን ኢሉ ዝላዓለ ዋጋ ዝኸፈለ መጋበርያ ናይ መሪሒነታት ከምዘይኾነ ዘጠራጥር አይኮነን 2. ሐው ገብሩ ሐጎስ ድሕሪ መስመሪ ጉባኤ ናብ መሰረትካ ከይወርድካ ምስ ህዝቢ ምርካብ ዝበልካዮ ብወገነይ ቁብል ኮይኑ አይረከብኩዎን ምክንያቱ ካአ እዚ ዝስዕብ እዩ 3. መሰረታት መሰሉ አብቲ ዝጠቀስካዮ ቦታ አይኮነን ተነፍግዎ መሰል ዝተጋህሰሉ አብቲ ዝዋዓልካሉ ጉባኤ እዩ ሐው ገብሩ ብሐቂ መሰሉ እዩ ኢልካ ትአምን እንተ ኮይንካ ንምታይ ዳአ ርእስካ አድኒንካ ይርሓሰና ኢልካ ወጽካ? 4. ሐው ገብሩ ሐጎስ አብ መንጎ ናይ 2ውድባት መሰረታት ዓቢ ጽልኢ ከምዘሎ ከተብርህ ፈቲንካ ዓገብ አይኮሙኡን ገብሩ ሐጎስ ብድሕሪት ዳአ ገለ ሓዘል ከይህልዎ? 5. ንሐድነት ህዝቢ ንምቅዋምካ ግን ከየገረመኒ ኣይተረፈን 6. አኺባ ናይ ህዝቢ ናይ 3 ውድባት ብሐባር ደስ ዘብል እዩ እንተ ተካኢሉ ኩለን ውድባት ብሓባር ሰሚናር ክገብራ ከነታባብዓን ይግባእ እዚ ካብኾነ እምባአር ነቲ ብመትከል ይአምነሉ እየ ዝበልካዮ ጹሑፉካ ብስሪዒታዊ መንገዲ ነቲ ዝምልከቶ አካል ዘይኮነን ዝሕተት? ዶስ ተስካር ዝለመደት ከብዲስ ሑሙም ሪእያ ተንባሁቅ ከምዝባሃል ወይ ድማ ዶርሆስ ሽሕ እንተጻሕተረት መሕረዲአስ ካራ እዩ እሞ ዕላማና ምእንቲ ድሕነት ህዚቢ ዳአ ይኩን ።
አማንኤል ሐያሉ
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|