|
||
|
|
||
|
ትብጻሕ ናብ መንእሰይ ኤርትራ
ካልኣይ ክፋል
ብሓበራ ከምይ ቀኒኹም፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳምይ መልእከተይ፡ ብዛዕባ ኤርትራውያን መንእያትን ከባቢኡን፡ ኣተዓባብይኡን ከዘንትወልኩም መብጽዓ ኣትየ ነበርኩ፡ ሕጂ’ውን ኣብ’ቲ መብጽዓይ’የ ዘለኹ። ግን ቅሩብ ድሕር’ለ ክጅምር ፍቃድ እንተሃብኩምንስ ደስ ምበለኒ።
ተስፋ ዝብል ቃል ተዛሪበ ነይረ። ግን ሰባት ብተስፋ ምንባር ክሳብ መዓስ’ዩ ይብሉ ይዀኑ ? ግን ካብ ብዘይስፋ ምንባር ምስ ተስፋ ምንባር ስለ ዝሓይሽ ተስፋ ከም ምርጫ ንውሰዶ ። ብተስፋ ምንባር ምልክት ናይ ሓደ ከባቢኡን ክውንነቱን ክቅይር ናይ ዝደሊ ሰብ’ዩ። ተስፋ ዘለዎ ሰብ ካብ ሓደ መድረኽ ናብ ካልእ መድረኽ ንምስግጋር ዘቋምቶ መጻኢ መደብ ክሓስብ ዝኽእል ፍሉይ ሓይሊን ተውህቦን’ዩ። እዚ ተውሁቦ ከኣ ኩሉ ኣሎ። ግን እቲ ፍልልይ ተጸዋርነትን፡ ተስፋ ሒዝካ ምጓዕዝን ገገለ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ገገለ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት እዩ’ምበር ኩሉ ተስፋ ዘይብሉ ኣይኮነን።
እቶም ብተስፋ ዝነብሩን ወይ ንነብር ግን፡ ተዓሚትና ኣብ ተስፋ ንነብር ማለት ኣይኮነን። ነቲ ቅድሜና ዘሎ ኩነታት ብዝግባእ ብምጽናዕ ኣበይ ከብጽሓና ወይ ከሰጋግርና ይኽእል ብማለት ብእንሰርሖ ስርሓት ተሳኒዩ ዝኸይድ እዩ። ኮፍ ቢልካ ተዀርሚኻ ግን ዝመጽእ ትጽበዮ ተስፋ የልቦን።
ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ትስፉው ህዝቢ፡ ሓደ ዕግሱን፡ ተመስገን ዝፈልጥ ህዝቢ’ዩ። በቲ ዝሓለፎ ኩነታት መግዛእቲ፡ ባህሪያዊ ሓደጋ ጥሜትን ሕማምን፡ ብትዕግስትን ተስፋን’ዩ ሓሊፍዎ።
ኣቦታትን ኣደታትን ከዘንትዉ 1888 ዓ.ም.ፈ ፡ ግዜ ኣካሒዳ ዝተባህለሉ እዋን፡ ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ጥሜትን ስዒቡ ሕማም ዝተራእየሉ ግዜ ዝነበረ’ዩ። ኣብ’ዚ እዋን ድሮ መግዛእቲ ጣልያን ኣትዩስ፡ ኣብ 1887 ዓ.ም.ፈ መንገዲ ምድሪ ባቡር ክረበብ ጀሚሩ ነበረ።
ቅድሚ መግዛእቲ ጣልያን ከኣ ኣብ ኤርትራ ዘይዕረፈ ኵናትን ዝምታታትን ይካየድ ብምንባሩ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ማሕረስ ኣዝዩ ተዳኺሙ ነብረ። እንተረኸበ ብቀረጽ ራእስታትን፡ ብቀለብ ሰራዊት ራእስታት ከም በዓል ኣሉላ ኣባ ነጋ ዝነበሮ ነጊፉ’ዩ።
ብግዜ ጣልያን ከምኡ፡ ድሕሪ 60 ዓመት መግዛእቲ ዓባይ ብርጣኒያ ምስ ኣተወ ከኣ ካብኡ ዝሓሸ ኣይነብረን፡ ህዝቢ ሓሰርንፋይ በሊዑ ክኸይድ ገብርዎ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ነቲ ክበጽሖ ዝደለየ ነጻነት ተስፋ ክይቆረጸ፡ እንዳተቃለሰ ክኸይድ ጸኒሑ።
ሎሚ’ውን እንተዀነ እዚ ውርሻ ሓቦን ኒሕን ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ገዛእን ተገዛእን ዘይብሉ ሓደ ምዕሩይ ዝዀነ ሕብረተ ሰብ ክሳብ መንግስቱ ብርትዓውን ዲሞክራስያውን ኣገባብ ዝትክል ቃልስና ቀጻሊ’ዩ።
እዚ ሎሚ መንእሰያት፡ ኣብ ምድረ በዳታት ሊቢያ ትኸድዎ ዘለኹም፡ ቅድሚ ቅድሚ 71 ዓመት ብኣቋጻጽራ ፈረንጂ 1935 ዓ.ም፡ ኣቦ ኣቦሓጎታትኩም፡ ማለት ቅድሚ ራብዓይ ወለዶ፡ ብመንግስቲ ጣልያን ብኣስገዳድ ተዓስኪሮም ንኵናት ዝወፈሩ ነበሩ። ጣልያን ንዕስክርና ንሰሜን ንሊብያ፡ ንምብራቕ ንሶማልያ፡ ንደቡብ ከኣ ንኢትዮጵያ ዘዋፈሮም’ዮም ነቢሮም።
ካብ እዞም ኩሎም፡ ኣቶም ሕማቕ ዕድል ዘጋጠሞም እቶም ንሊብያ ዝወፈሩ ዓስከራት ጣልያን ነብሩ። ብቀዳምነት እቲ ቦታ ኣዝዩ ብጸሓይን፡ ንፋስን ኣጻምእን ዝተጸልወ’ዩ። እቲ ኣቃማምጣ መሬት ከኣ ካብ ሃገርና ኣዝዩ ስለ ዝፍለ፡ እቲ ባህሪያዊ ኩነታት ንባዕሉ ኵናት’ዩ ዝነበረ ክብሉ ከዘንትዉ ሰሚዔ።
ነዚ ዘዘንትዉ ኣቦሓጎታት ረኺብና፡ ክንደይ ጸገምን መከራን ከም ዝሕለፉን ይዛረቡ። ከምኡ’ውን ሓንቲ ዛንታ ትብል ብኣባ ማቴዎስ ሓጎስ ዝተጻሕፈት መጽሕፍ፡ ነዚ ኩነታት ኣጸቢቓ ተብርሆን ትገልጾን’ያ። እዛ መጽሓፍ ዝረኸበ ሰብ ከንብባ ይግባእ። ኣገዳሲት መጽሓፍ’ያ።
እዞም ሎሚ ዘለዉ ዓቢዮም ንእሽቶም ወለዶ ኤርትራውያን፡ ሰንሰለት ናይ’ቲ ዝሓለፈ ዝመጽእን ወለዶን’ዮም። እቲ ዝምድና ክብተኽ የብሉን፡ ከም’ቲ ቅድም ክብል ዝገለጽክዎ ኣብ ኣዝዩ ዝተፈላልየ መግዛእቲ ንስለ ዝዓበናን፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ከኣ ስርዓት ህ.ግ.ዲፍ. ብዝገበቶ ስልጣን ንኩሉ ዓፊንዎ ብምዃዱ መንእሰያትና ኣብ ምርጫ ዘይብሉ ዕጽዉ መንገዲ በጺሖም ዝርከብሉ፡ ንግዜኡ ከጸግም’ኳ እንተኻኣለ ኣብ መወዳእትኡ ግን ሓቂ ኣይክጠፍእን’ዩ። ነዚ ሓቂ ከኣ ዓቢይ ሓላፍነት ክትስከምሉ ጸዋዒት ይቀርበልኩም።
ኣብ’ቲ ቀንዲ ዕላል ክኣቱ። ቀንዲ ዕላል ከኣ እቲ ቅድሜኹም ዝነብረ ወለዶ፡ ሂወቱ፡ ኣተሓሳስብኡ፡ ማሕበራዊ፡ ዝምድንኡ፡ ከመይ ነይሩ ?
መንእሰያት ኤርትራ ኣብ 60 ታት ብፍላይ እቶም ኣብ ከተማታት ዝተወልዱን ዝዓበዩን፡ ቀዳማይ ወለዶ ካብ’ቲ ኣብ ዓድታትን ኣብ ማሕረስ ዝተመርዀሰ ናብራ ዝሕለፈ፡ ግን ከኣ ብዕስክርናን፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንከተማ ካብ ዝጓዕዙ ስድራ ቤት’ዩ።
ኣብ’ቲ ግዜ ገና እቲ ኣብ ብማሕረስ ዝናበር ህዝቢ ቁጽሩ ዘየነከየ ኣዝዩ ልዑል ቁጽሪ ዝነበሮ’ዩ። እቲ ኣብ ከተማታት ዝናበር ዝነብረ’ውን እቲ ኣብ ከተማታት ኣብ ዝተፈላለየ ስርሓት ዝኽፈሎ ደሞዝ ስለ ዘይኣክሎ፡ ግድነት ኣብ ክረምቲ ንዓዲ ከይዱ ክሓርስ ይግደድ ነብረ። ግራቱ ንፍርቒ እንተሃበ ከኣ ምቕሊቱ ከምጽእ ኩሉ ግዜ ኣብ ዓዲ ምስ ዝርከቡ ቤተ ሰብ ቀረባ ዘመድን ምትእስሳር ነበረ።
ቐስ ብቐስ ግን እቲ ኣብ ከተማታት ዝነብረ ስርሓት እንዳተመሓየሸ፡ ብገዛእ ርእሱ ሸቐጥ ክነብር ምስ ጀመረ፡ ከም’ቲ ልሙድ፡ እቲ ማሕረስ፡ ምስ’ቲ ኣብ ዓዲ ዝነብር ህዝቢ ዝተኣሳሰረ ኮይኑ ተሪፉ።
ከተማታትን ዓድን ደረጃ ኣገባብ ናብራ ክፈናታት ጀመረ፡ ግን ህዝቢ ኤርትራ ደረጃ ብዘየገድስ ናብርኡ ከመሓይሽ ኩሉ ግዜ ይጽዕር ነበረ። ልዕሊ ኩሉ ድማ እቶም ደቁ ኣብ ድንቁርና ጸልማት ከይነብሩ ንትምህርቲ ክሰዶም ጀመረ።
ኣብ ኤርትራዊ መንእሰይ ምስ’ቲ ኩሉ፡ ጽቕጠ ፖለቲካዊ ምምሕዳር ትምህርቲ ልዕሊ ኩሉ ቀዳምነት ሰሪዑ፡ ይኸድ ነበረ። መንእሰያት ኣብ ትምህርቲ ፍልጠን ዕብየት ገዛእ ርእሶምን ስድራ ቤታቶምን፡ ህዝቦም ሃገሮምን ስለ ዘገድሶም ብኣትክሮ ይከታተሉን ይጽዕሩን ነበሩ።
ኣብ መንእሰያት ኤርትራ ሓደ ዓብይ ባህሊ ተፈጥረ፡ እቲ ባህሊ ከኣ ናይ ሓደ መጻኢ ዘመናዊ ህዝቢ ባህሊ’ዩ። መንእሰያት ኣብ ትምህርቲ ከይዶም በብዝምባሌኦም ዝቀሰምዎ ፍልጠት ኣብ ምዝውታር ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ኣካይዳን፡ ኣከዳድናን፡ ኣዘራርባን ብዙሕ ለውጢ ኣርኣየ።
እዚ ኣብ መንእሰያት ዝርአ ዝነብረ ለውጢ ብክልተ መንገዲ ክግለጽ ይከኣል። እቲ ዘገድስን ባህሊ ሓደ ብመጀመሪያ እቲ ቤት ትምህርትታት ኣብ ሞራላዊ ተግባራት ብዝUህ ጸቕጥታት ስለ ዝነብሮ፡ መብዛሕትኦም ተመሃሮ ነቲ ዝመሃርዎ ንጽቡቕን ንዕብየት’ምበር ንካልእ ከም ዘይኮነ ተሪዲኦም ኣብ ክሊ’ቲ ሕብረተ ሰቦም፡ ንህዝቦም መሲሎም ዝኸዱ ብስነ ስርዓት ዝመላለሱ’ዩ።
እቲ ካልኣይ ምስ’ቲ ኣብ ከትማታት ምዕባይ፡ ምስ ካልእ ኣሉታዊ ጠባያት ዝርአ ዝነብረ ሳሕቲ ሕማቕ ጠባያት’ዩ። ግን እዚ ሕማቕ ዓይነት ጠባያት ደገፍ ስለ ዘይረኽበ ኣይቐጸለን። መብዛሕትኡ ጉዳይ ትምህርቱ ክገብርን፡ ከጽንዕ ይጽዕር ብማንባሩ፡ እቲ ኮነ ተባሂሉ ብገዛእቲ ስርዓታት ኣብ መንእሰያት ክልመድን ዝዝውተር ዝድለ ዝነብረ ድሑር ባህሊ ተነጸገ።
ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ኣብ ኤርትራውያን፡ ኣብ ትምህርቲ ዓለም ውድድር ተራእየ። ትምህርቲ ናይ ምቕጻል ድሌት፡ ጽቡቕ ስራሕ ናይ ምርካብ ድሌት፡ ስድራ ቤት ናይ ምሕጋዝ ድሌት፡ እዚ ኩሉ ተደማሚሩ መንእሰይ ኤርትራ ነቲ ጻዕራም ባህሊ ስራሕ ወለዱ ኣብ ትምህርቲ ኣርኣዮ።
ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ዓመታት፡ እቶም ብጣልያን ይኹን፡ ኣብ ግዜ ምምሕዳር እንግሊዝ ተማህሩ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ በጺሖም ንህዝቦም ክምህሩ ጀምሩ። እቶም ኣብ ኣርባዓታትን፡ ሓምሳታትን ዝተወልዱ ከኣ ናይ’ዚ ፍረ ኮይኑም ተረኽቡ።
ንሳቶም’ውን ከይሓመቑ ብስነ ስርዓት ተማሂሮም ኣብ ዝብጻሕ በጽሑ። ብዝሓት ካብ ኤርትራውያን ኣብ ዩኒቪሪስቲ ኣተወኡ፡ ላዕለይ ደረጃ ትምህርቲ ወዲኦም ኣብ ስራሓት ባንክን፡ ቤት ዕዮታትን ንግድን፡ ዝበዝሑ ድማ መምህራን ኮኑ። ኣብ መጀጀምሪያ ሰብዓታት እቶም ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ 90% መምህራን ኤርትራውያን ነብሩ ክበሃል ይከኣል። እቶም መምህራን ከኣ ካብ ዩኒቨርሲቲ፡ ካልኣይ ደረጃ፡ ማእከላይን፡ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዝምህሩ ዝነብሩ’ዮም። ኣብ ባህሊ መንእሰያት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳተፈላለየ’ኳ እንተመጸ፡ መንእሰይ ካብ’ቲ ቀዳማይ ዓብይ ሓዉ ስለ ዝመሃር ካብ’ቲ ድሌት መስመር ትምህርቲ ይወጽእ ኣይነበረን።
ይቕጽል
30 መስክረም 2006
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|