|
||
|
|
||
|
ትብጻሕ ናብ መንእሰይ ኤርትራ ቀዳማይ ክፋል መእተዊ
ሎሚ፡ ጽሑፈይ ናብ መንእሰያት ኤርትራ ወድኹም ጓልኩም ፍልይ ዝበለ መልእክቲ ክሰድድ እንከለኹ ፡ ኣብ’ዚ ምእተዊ ስለምንታይ’ዚ ኣርእስቲ ኣልዒለ ይጽሕፍ ኣለኹ፡ ንምግላጽ ዘተዀረ’ዩ ቀጥታዊ ናይ መእተዊ ደብዳበ’ዩ።
ኣቐዲመ ሕውነታዊ ሰላምታይ ይብጻሕኩም እብል፡ ኣብ ዘዘለኽምዎ ቦታ ከኣ ጥዕናን ቅሳነት እምነየልኩም። ምስ ከባቢኹም ተወሃሂድኩም፡ ኣብ ልብኹም ተሰፋ፡ ሰላም፡ ቅሳነት፡ ሕውነት ኣዕቢኹም፡ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ ሂወትኩም፡ ኣለሊኩም ክትረግጹ ቅሳነት እምነየልኩም። መንእሰያት ትሓልፍዎ ዘለኹም ሃለዋት ኣልፋን ኦሜጋን ካብ ዝግባእ ንላዕሊ እፈልጦ’የ። ብኡ ከኣ ዝሽገሩን፡ ዝሻቐሉን ኣሕዋትኩም፡ ኣሓትኩም፡ ኣያታትኩም፡ ሳንዳታትኩም ኣቦታትኹም ውሑዳት ኣይኮኑን።
እዚ ሎሚ ትሕልፍዎ ዘለኹም ጸልማት ሃለዋት፡ ከም’ዚ ትርእይዎን ትሓልፍዎን ዘልኹም ሂወት ንኸይኸውን ብዝሓት ሂወቶም ክቡር ዋጋ ዝኸፈልሉ ነዊሕ ታሪኽ ቃልሲ ትፈልጥዎ’ኹም። ሕጂ ኣነ ንድሕሪ ክመልሰኩምን ክጓትትኩም ኣይደልን፡ ከመይስ ገገለ ካባኻትኹም፡ ብቀረባ ኣደታትኩም፡ ኣቦታትኹም፡ ብሓፈሽኡ ከኣ ካብ ቀረባ ቤተ ሰብኩም ኣብ’ቲ ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ዝተኻየደ ነዊሕ ናይ 30 ዓመት ተጋድሎን ቃልሲ፡ሂወት ካብ ዝመጽወተት ስድራ ስለ ዝመጻኹም፡ ሙሉእ ጸብጻብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንስለ ዘለኩምን። ብዛይካ እቲ መላኺ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ንረብሑኡን ንስልጣኑ ክብል ዝጠዋወዮ ታሪኽ።
እወ ገገለ መንእሰያት ፡ በዚ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣርሓ ዓዲ ኮይኑ ንካልኦት ደቂ ሃገር ኣፎም ተሓቲሙ ንክዛረቡ ክጽሕፉን፡ ከፍልጡን ዝደለዩ እንዳሰረን እንዳጓሰጠን ፡ ብዘይካ ህ.ግ.ዲ.ፋዊ ካልእ ታሪኽ ከም ዘየልቦ ንምግባርን ፈቲኑ፡ ኣብ እዚ ኩነታት ንስለ ዝዓበኹም ከኣ፡ ካልእ ተቃላሳይ ኤርትራዊ፡ ተጋዳላይ ኤርትራዊ፡ ውድባት፡ ከም ዘለዋ ንኽትፈልጡ ሓጺርኩም፡ እዚ ማለት ከኣ ህ.ግ.ዲ.ፍ ክትበጽሕዎ ዘለኩምን ዝግባኣኩም መጽናዕቲ፡ ክትበጽሕዎ ዘለኩም ዝግበኣኩምን ኣፍልጦ ሓጺርኩም ጸንሑ ማለት’ዩ።
ሰባት ንኸይፈልጡን፡ ዝዓግት፡ ዝነፍግ፡ ኣገባብ ምምሕዳር ዘዘውትር መላኺ’ዩ። ኣብ ልዕሊ ሰባት ምልኪ ዘዘውትር ሰርዓት ከኣ ውዒሉ ሓዲሩ ንህዝቢ ብኣስገዳድ ክፍጸም ኣለዎ ንዝበሎ ስርሓት ይውስን። ኣብ መንጎኡ ገገለ ተቃውሞ እንተተራእዩ ከኣ ይጨውዮም፡ ይኣስሮም፡ ይቐትሎም’ውን።
ነዚ ተርእዮታት ብውሽጡ ውሽጡ ከይስተብሃልሉ ዝጸንሑ መንእሰያት ደቂ ሃገር፡ እቲ ላዕለዋይ መሰሎም፡ ከም ምንቕሳቓስ፡ ምርጫ ትምህርቲ ወ.ዘ.ተ ተሪፉ ኣስገዳድ ዝብልዎ ነገር ልሙድ ምስ ዀነ፡ ክትነጽግዎ ትጅምሩ። ትጸልእዎ። ካብ’ቲ ንሱ ዘመሓድሮ ቦታ ከኣ ክእለዩ ትፍትኑ። ንስደት ተምርሑ።
ንስደት ከተምርሑ እንከለኹም፡ እቲ ስርዓት ንኽይትፈልጡ፡ ንኸይትመራመሩ ንስለ ዝገበረኩም፡ ነቲ ካልኦት ክትላለዩ ኣብ ጸገም የእትወኩም። እዚ ከኣ ሓቂ’ዩ። ግን ነዚ ሓቂ ክንውሽከሉ፡ ነቲ ንስኻትኩም ካብ ኤርትራ ክትወጹ ዝገበረኩም ጉዳይ መሰረቱ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትኩም ስለ ዝዀነ፡ ንቲ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝተነፈጎምኩም መሰል ክትመልስዎ ነጻነትኩም ተጠቒምኩም ክትሓቱን ክትፈልጡ ይግባኣኩም።
ካብ’ታ ትፈትዎዋ ስድራ ቤት ክይፍለዩ ዝገበረኩም ልዕሊ ኩሉ፡ ክትዛረቡ፡ ሂወትኩም ብሰላም ክትምርሑ፡ ክትመሃሩ፡ ክትሰርሑ፡ ብሓፈሽኡ ነቲ ኩሉ ትደልይዎ ነገራት፡ ካልኦት ማለት ህ.ግ.ዲ.ፋውያን ዓቒኖም፡ ደሪቶም፡ ወሲኖም ንስለ ዝህብኹምን፡ ድለይዎ ኣይትድለይዎ ክትፍጽምዎ ስለ ዝግደድኩም’ዩ ? እወ፡ እቲ ጉዳይ ንሱ’ዩ። ጉዳይ ምልካዊ ስርዓት’ዩ።
ነዚ ጽሑፍ ከዳሉ ካብ ዝገደኒ፡ ኣነ ከማኻትኩም ግን ከኣ ምስ ድሩት ነጻነትን፡ ዝዕበኽሉ ኩነታት ኤርትራ ስለ ዝተሓረመኩም ነዚ ንዝምልከት፡ ብዛዕባ መንእሰያት ኤርትራ ከመይ ሓሊፎምዎ፡ ብሕጽር ዝበለ ኣብ’ቲ ዝዓበኽሉ ከባቢ ዝነበረን እንታይ ከም ዝመስልን ከዘንትወልኩም ክፍትን’የ። ኣብ ገገለ ከኣ ተመክሮታት ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ንኣፍልጦኹም ክጽሕፍ ክፍትን’የ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ እቶም ኩሉ ካብ’ቲ ኣነ ዝዓበኽዎ ከባቢ ወጻኢ ዝነበሩ ናታቶም ተመክሮ ታሪኽን ዛንታን ከስንቕኹም ተስፋ እንዳገበርኩ ከተባብዖም እፈቱ።
እዚ ክብል እንከለኹ ግን ካብ’ቶም ካብ ህ.ግ.ዲ.ፋውያን ወጻኢ ብተገዳስነት ህዝብን ሃገርን ዝግደሱ ክቡራት ወለድኹምን ኣህዋትኩም ስድራ ቤትኩምን፡ ድሮ ሰኒቕክምዎ ዘለኹም ታሪኽን ዛንታን ንምንኣእሰን ንምቕላልን ኣይኮንኩን፡ ንዕኡ ክውስኸሉን ከርጉዶን፡ ከስፍሖ ስለ ዝደለኹ ጥራሕ’ዩ።
ብካልኣይ ከኣ እቲ ተምክሮታት ስለ ዝፈላለ፡ ክውስኸልኩ ድለየ እየ። ከም’ቲ ስድራኹም ዝሓለፍዎ ከርተት፡ ኣባኻትኩም ኣርኪቡ ዘሎ ከይድግመን ከይቅጽልን ኣብ’ዚ ዘለዎ ከብቕዕ ደሊየ’የ። እዚ ከኣ ድሌትኩም ምዃኑ እፈልጥ።
ካብ’ዚ ቀጺለ ንዓኻታኩም ኣብ ዝጽሕፎን ዝሰደልኩም መልእክቲ፡ በታ ዘላትኩም ናይ ዕረፍቲ ግዜ ክትከታተሉኒ ብዙሕ ተስፋ እገርብ። ኣብ ዝቕጽል ጽሑፋት ዘሎ ዘበለ ኣብ ዘርከብናሉ ዕድመ መንእሰያት፡ ምስ’ቲ ስድራና ዘዘንተውልና ክጽሕፍ ክፍትን’የ።
ብኡ ከኣ እቲ ኣብ ኤርትራ ክህሉ ዘለዎ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ ጉዳያት ንዕኡ ክመስል፡ ክንቅይር ክንፍትንን ክንቃለስን ማለት’ዩ።
ከም’ቲ ኣበዋት ክምስሉ “ ጽቡቕ ግበር ፡ ንመን ? ንማንም ’’ ዝብልዎ ንስኻትኩም ከኣ ነዚ ኣብነት ተኸቲልኩም ትገብርዎን ትፍጽምዎን ስራሓት ኣብ ቅድመኹም ክጸንሓኩም ንስለ ዝዀነ፡ ናይ ጽቡቕ ኣብነት ወለዶ፡ ዜጋታት ኮይንኩም ክትቅጽሉ፡ ሓበን ሃገርኩምን ህዝብኹምን ክትዀኑ’ዩ።
ይቕጽል..........
28 መስከረም 2006 ኣንቶንዮ ተስፋይ |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|