|
ፕረሲደንት
ዑመር ሓሰን ኣል በሺር ንመንግስቲ ኤርትራ ከሲሱ
ቤት ጽሕፈት
ዜና
ኤርትራዊ
ዲሞክራስያዊ ኪዳን
26.09.2006
ፕረሲደንት ሱዳን፡ ዑመር ሓሰን
ኣልበሺር፡ ብዕለት 25.09.2006 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኤርትራ ኣብ ቅልውላው ዳርፉር ኢድ ኣለዋ ክብል
ከሲሱ። ከምኡ ውን፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት (National Redemption Front)
እተባህለ ምሕዝነት ናይ ሰለስተ ተቓወምቲ ውድባት ሱዳን ካብ ኤርትራ ክባረር ጠሊቡ።
ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ኤርትራ ድማ፡
“እዚ ክሲ’ዚ መሰረት ዘይብሉን ዘይሃናጽን’ዩ” ብምባል ኣሉታ ሂቡሉ።
|