|
||
|
|
||
|
መግለጺ ብኣጋጣሚ መበል 45 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ
መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ንሰማእታቱን ኣብ ማእሰርቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንዝሳቐዩ ዘለዉ ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራትን ዘለዋ መጐስን ኣድናቖትን ኣኽብሮትን ይገልጽ። ከምኡ ውን ንኣዕሩኽን ደገፍትን ቃልስታት ህዝብና ዝዀኑ ኣህዛብን መንግስታት ምስጋናኡን ሰላምታኡን የመሓላልፍ።
ውፉይ ተቓላሳይ ህዝብና!
ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ብጅግና ስውእ ሓምድ ኢድሪስ ዓወተን ገዳይም ተጋደልቲ ብጾቱን ኣብ ትሕቲ ጽላል ተሓኤ ዝተኣወጀ ብረታዊ ተጋድሎ፡ ንህዝብና ኣብ ጕዕዚ ቃልስታቱ ናይ ሓድሽ ምዕራፍ ምኽፋት ኣዋጅ’ዩ ነይሩ። ባሕቲ መስከረም፡ ከም መቐጸልታን መመላእታን ናይ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ፖለቲካዊ ባእታ ካብ እተፈልጥሉ እዋን ኣትሒዙ ምእንቲ ናጽነቱ ከካይዶ ዝጸንሐ ቃልስታትን፤ ከም ባህርያውን ሰውራውን ተጻይ መልሲ፡ ነቲ ንድሌትን ትጽቢታትን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ከየእተወ፡ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሃጸያዊ መግዛእቱ ዝጸንበረ ውሳኔን ትዕቢተኛን ተዅታኹን ተግባራት ንጉሳዊ ስርዓት ሃይለስላሴን ኰይኑ’ዩ መጺኡ።
ስርዓት ደርግ ውን፡ ኣሰር ንጉሳዊ ስርዓት ሃይለስላሴ’ዩ ተኸቲሉ። እንተዀነ ግን፡ ህዝባዊ ሰውራና ንዘጋጥሞ ዝነበረ ቦታውን ዞናውን ኣህጕራውን ብድሆታት መኪቱ ነቲ እተበገሰሉ ዕላማታት ናይ ናጽነት ንምርግጋጽ ብንጽዓት ስለዝቐጸለ፡ ጽልዋታቱ ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ናይ ኤርትራ ከሕድርን፤ ንዅሉ’ቲ ኣንጻር ድሌት ህዝብና ዝፍሓስ ዝነበረ ውዲት ከፍሽልን፤ ድምጹን ህላዌኡን ከስምዕን በቕዐ። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ጅግንነታዊ ተጋድሎ’ዚ ድማ፡ ብ24 ግንቦት 1991 መግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መላእ መሬትና ተጸሪጉ ክወጽእ ተቐሰበን፤ ኤርትራ ድማ፡ በቲ ህዝብና ኣብ 1993 ዘካየዶ እወ ንናጽነት ዝብል ሕጋዊ ሪፈረንደም ድማ፡ ናጽነታ ክትጐናጸፍ በቕዐት።
ኦ፡ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ፈተውትን ኣዕሩኽን!
ህዝብና ንዘካየዶ ናይ 30 ዓመታት ጅግንነታዊ ናይ ቃልሲ መድረኽ ክንዝክር እንከሎና፡ ትርጕም ናይ ባሕቲ መስከረም ኣብ ግምትና ከነእቱ ይግባኣና። ባሕቲ መስከረም፡ ነዚ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ሕጋውነት ዘይብሉን፡ ንተሳትፎ ናይ ህዝቢ ዘየፍቅድን፡ ንትርጉም ናይ ባሕቲ መስከረምን ናጽነትን ዘንጊዑ፡ ንፍረ ናጽነትና ንበይኑ ዝበሓተ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ክፍጸም እንርእዮ ዘሎና በደልን ጭቆናን ንምቅዋም ዝተበገሰ ቃልሲ’ዩ። ናጽነት ካብ እተረጋገጸሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ሓይሊ፡ ስልጣን ንኻልኦት ከካፍል ዘይደሊ፤ በይናውን ጨቋንን ፖሊሲታት ብምኽታል ናይ ልምዓትን ርግኣትን ዕድላት ዘምከነ ስርዓት ኢዩ። ስለ’ዚ ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ ብርእይቶ ናይ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ናይ ሓደ ውልቀሰብ ዝወደቐ ሓደ ሰልፊ፡ ወይ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኢሳያስ ዝወደቐ ሰልፊ ህግዲፍ፡ እትምሓደር ሃገር ኰይና ኣላ። እዚ “ፈላሊኻ ግዛእ” ዝብል ፖሊሲታት’ዚ ከኣ’ዩ ንሃገርና ናብ ድኽነት ዘውደቐን፤ ትሕቲ ሃገራዊ ዝዀነ ስምዒታት ብምልዕዓል ንርግኣት ሃገርናን ህዝብናን ንሓደጋ ዘቃልዐን። ቀንዲ ዕማም ናይ’ዚ ስርዓት’ዚ ከኣ፡ ኣብያተ-ማእሰርቲ ምህናጽን፡ መንእሰያት ንባርነት ዝሳጥሕሉ ናይ ኣስገዳድ ዕስክርና መደበራት ምኽፋትን ህዝብና ንሃገሩ ራሕሪሑ ንስደት ከምዘምርሕን ምግባር ኰይኑ ኣሎ። ስለ’ዚ፡ እዚ ስርዓት’ዚ፡ ናይ ውዲት ምፍሓስ ክለሳ-ሓሳብ ኣብ ኣእሙሮኡ ዝሰረጸ፡ ለይቲ ይኹን ቀትሪ ኣብ ሕልሚ ዝነብር ስርዓት ኰይኑ’ዩ ተሪፉ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብና ብጥሜት ክሳቐ ይርከብን፣ ኵሉ ናይ ልምዓት ጐደናታት ስለዝተዓጽዎ፡ እንደገና ናብ ጐረባብቲ ሃገራትን ካልኦት ሃገራት ዓለምን ከም ብሓድሽ ክስደድ ይርአ ኣሎ። ከምኡ ውን፡ ቀዋሚ ፖሊሲታት ንምኽታል ዘኽእሉ ሃገራውን ዲሞክራስያውን ትካላት ከይህነጹ ብምኽልካል፤ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ንዘለዎም ዜጋታት፡ ብዘይካ ኢሳያስን ናይ ጸጥታ መሓውሩን ካልኦት ኣብ ዘይፈልጥዎ ኣብያተ-ማእሰርቲ ክዳጕኖም ይርከብ ኣሎ። ስለ’ዚ፡ ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ ብዙሓት ክቡራት ዜጋታት ዝተሓተ ደረጃ ናይ ሰብኣዊ መሰላቶም ኣብ ዘይሕለወሉ፡ እቲ ስርዓት ዝዀነ ይኹን ኣቓልቦ ዘይህበሎም ማእለያ ዘይብሎም ኣብያተ-ማእሰርቲ ተዳጕኖም ዝርከቡላን፣ መንእሰያታ ድማ፡ ኣብ መደበራት ናይ ኣስገዳድ ዕስክርና ተቖሪኖም፡ ናይ ትምህርትን ሰላምን መሰል ተሓሪምዎም ዝነብሩላ ሃገር’ያ ኰይና ዘላ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ እቲ ስርዓት፡ ንኤርትራ ምስ ኵለን ጐረባብታ ሃገራት ኣብ ውግእ ምንቋት ጥራሕ ዘይኰነስ፤ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ናይ ካልኦት ጣልቃ ብምእታው፡ ንሰራዊት ኤርትራ ኣብ ወጥሪ ዘለወን ሃገራት ዞናና ክልእኮም ይርአ ኣሎ።
ውፉይ ህዝቢ ኤርትራ
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ንህዝብና ካብ’ዚ ስቓይ’ዚ ንምንጋፍ ካብ ዘለዎ እምነት ተበጊሱ፡ ሓድነቱን ድሌታቱን ዕግበታቱን ኣተሓባቢሩ ነዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት’ዚ ብጽንዓት ክምክቶ ምዃኑ መብጽዓ ይኣቱ። ኣብ ኵሉ መዳያት ናይ ቃልሲ፡ ብኵሉ ናይ ቃልሲ ኣገባባት፡ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ክትምክቱን ንተግባራቱ ክትነጽጉን ድማ ጻውዒቱ የቕርብ። በዚ ኣገባብ’ዚ ጥራሕ ከኣ ኢና፡ ንሃገርና ካብ’ቲ ትምርሾ ዘላ መወዳእታ ዘይብሉ ናብ ብርሰት ጐደና ከነድሕናን፤ ነቲ እንምነዮ ዕላማታት ናጽነትን ዲሞክራስን ልምዓትን ፍትሕን ፖለቲካዊ ብዙሕነትን ከነረጋግጽን፤ ንሃገርና ኤርትራ ኣብ ዞናናን ኣብ ዓለምን ኣብ መስርሕ ዲሞክራስን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ምርግጋጽ ልምዓትን ሰላምን ኣወንታዊ ግደ እትጻወት ተወሳኺት ሃገር ክንገብራን እንኽእል።
ናጻን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር! ሕፍረትን ውድቀትን ንጸላእቲ ኣህዛብን ዲክታቶርያውንን! ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስውኣትና!
ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
1 መስከረም 2006
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|