|
||
|
|
||
|
መሰረት ሓወልቲ ናይ ሓደ ህዝቢ ሕግን- መሰልን- ፍትሕን እዩ።
ብክፍላይ - ተኪኤ ዕለት 23.09.2006
ዝኸበርካ ኣንባቢ መሰረት ሓወልቲ ናይ ሓደ ህዝቢ ሕግን-መሰልን-ፍትሕን እዩ፡ ዝብል ኣርእስቲ ተሞርኪሰ ክጽሕፍ እንከለኹ ሕጊ ክሳብ ክንደይ ክብርትን ክብሪ ናይ ወዲ-ሰብ ቅድሚ ልዕሊ ኩሉ ክብሪ እትሕሉን እትህብን መወዳድርቲ ዘይብላ ሂወታዊት ኣምር ፍሉይ ምዕራፍ ዘለዋ ኮይና ኩሉ ነገር ከኣ ካብ ዓንቀጻታ ተበጊሱ ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ ኩሉ ስርሓት ከም ፖለቲካዊ ቁጠባዊ ማሕበራዊ ምምሕደራዊ መሓድሮ ትምህርቲ ሕክምና ምርምር መስርዑ ሒዙ ብኣምራት ሕጊ ስለዝምራሕ ኣዕጋቢ ውጺኢታዊ ኮይኑ ይርከብ፡ ህዝቢ ከኣ ዕጉብ ኮይኑ ይርከብ። ኣብዚ ሓደ ነገር ክርዳኣና ዘለዎ ወዲ-ሰብ ነጻ ናይ ሓሳባት ምሃብ ዕድል እንተድኣ ኣለዎ ምስ ባህልካን ምስ ምዕባሌ ህዝብካን እናተማሓየሸ ዝከይድ ዲሞክርስያውን(democracy) ሰብኣውን(Human right) ፍትሕን(Justice) ሕግን(Law) እንተደኣ ኣረጋጊጹ ህዝቢ ንኽምዕብል ግዜ ዝወስድ ኣይኮነን። ነዚ ከኣ ቅልጡፍ ናይ ምዕባሌ ዲፊኢት ዝያዳ ዝገብሮ ስሩዕ ኣካይዳን ኣምራት ቁዋም ሕጊ ፍትሕን ነጻ ኣተሓሳስባ መሰልን እዮም። ዝኸበርካ ኣንባቢ ወዲ-ሰብ ኣብዛ ዓለም ብሰላም ክነብር ሕግን- ፍትሕን የድልዮ፡ ምክንያቱ ኩሉ ነገር ምእንቲ ብስርዓት ሕጊ ክኸይድ፡ ሕጊ እንተድኣ ሃልዩ ከኣ እቲ ኣሉታውን- ኣወንታውን(negativ and positiv) ዝርከብ ብሕግን- ፍትሕን -ብመሰልን- ንማዕርነትን ፍታሕ ይርከብን ይህልዎን፡ ኣብ ደቂ-ሰባት ከኣ ሂወታዊ ዝኾነ ሕግን-ፍትሓውን-መሰላውን ብኽብሪ ሰፊኑ ዝርኤ። እዚ ግን ንህዝቢ ግልጻዊ መባእታዊ ቁዋም ሕጊ ምስ ዝህልወካ ጥራሕ እዩ። ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ ከም መተሓሳሰቢ ኣብ ሓሳብ ጽሑፈይ ከስፍሮ እንከለኹ ኣብ ካልእ ክፍለ ዓለም ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ከይከድኩ ብናህና ክዛረብ እንተድኣ ኮይነ ዘሕብን ታሪኽ ስለ ዘሎኒ እየ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሕጉን-መሰሉን-መንነቱን-ቃንቁኡን-ሃገሩን-ዓዱን- ሃይማነቱን ገዛእቲ ክድምስሱሉ ኣብ ዝተበገስሉ እዋን ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ሃገሩ ክብረቱ-ክብሪ መንነቱን-ሕጉን መሰሉን ብኣጋ ክብሪ መርየቱን መንነቱን ሕጉን መሰሉን እንታይ ምኻኑ ስለዝፈልጥ ግዜ ክይወሰደ ንሕጉን-መሰሉን- ንመርየቱን ብሓፈሻ ንሰብኣዊ ክብሩ ልዕሊ ዘመናት ክቃለስ ከሎ ብመስዋእቲ ከምጽኦ ተገደደ፡ዝለዓለ መስዋእቲ ከፊሉ ከኣ መሬት ሃገሩን ሰብኣዊ ክብሩን ናጽነቱን ብሓባር ሓቢሩ ኣምጽኤ። እወ ህዝቢ ኤርትራ ንኣመጻጽኣ ናጽነቱ ሰብኣዊ ክብሩን ንዓለም ዘዛረበ መዘና ዘይብሉ ታሪኽ ሰሪሑ እዩ፡ እዚ ሂወታዊ ሓቂ እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ክብርን-ሓበንን ዝሃበን ከምኡ ኢሉ ንቀጻሊ ወለዶታት ዘሕብን ሂወት ዘለዎ ታሪኽ ኮይኑ ኣብ ሰነዳትና ቀዳማይ ምዕራፍ ናይ ክብሪ ቦታ ንዘልኣለም ዘለዎ እዩ። ንሰማእታትና ድማ ደጋጊመ ክብሪ ይሃብኩም እብል። ኣነ ከም ሓሳብ ኣቕራብን- ጸሓፍን ስለ ዝኮንኩ ሓሳባተይ ከኣ እገልጽ ስለዘለኹ፡ ልክዕ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ትጽቢቱ ናጽነት(freedom) ብልክዕ ከኣ ናጽነቱን- ኣብ ዓለም ከቢሩን ኩርዓት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓለም ኣመስኪሩን።ኣብዚ ግን ሓደ ሓቃዊ ኣምር ኣሎ ንኹሉ ዝሓቁፍን- ዘማዓራርን ዝመርሕን- ዘራጋግጽን ኣካል ናይ ሕዋሳትና ሕግን-ፍትሕን-መሰልን ናይ መጀመርያን መወዳእታን ኣምራት ምዕራፍ ዝኮና ኣብ ናይ ሂወታዊ ግዕዞ ኣብ መዓልታዊ ስርሓት ብሓደ ዝጋዓዛ ኣደን-ጋልን ኮይነን መሪሕ ናይ ህዝብን መንግስትን ዝኮና ሕጊ ኣደ መሰል- መሰል ኣደ ነጻ ኣተሓሳስባ- ፍትሒ ኣደ ሓቂ ተባሂለን ብክብሪ ብወዲ- ሰብ ይጽውዓ። ቀንዲ ከኣ ምስ ሕዋሳት ደቂ- ሰባት ተጸንቢረን ፍትሕን- ሰላምን ስለ ዘንግሳ፡ ደቂ-ሰባት ከኣ ንመትንታት ኣምራቱ ሕገይ- ፍትሔይ- መሰለይ ካብ ምባል ድሕር ኣይብልን፡ መስዋእቲ ኣሕዋትናን- ኣሓትናን ከኣ ንሱ እዩ ኣምራት ድምጾም፡ ንዕኡ ንምንጋስ እዮም ድርብ መስዋእቲ ዝሃቡ። ልክዕ እዩ ንሕና ኤርትራውያን ዕድለኛታት ኢና፡ ምክንያቱ ኣባሓጎታትና ንሕግን መሰልን ንፍትሕን ንማዕርነትን ንሰላምን ንፍቕርን ዘንግስ ንባይቶ ዓደቦ ዝመርሕን ለባም ስርዓተ ሕጊ ዝነበሮም ዝነበረና ኢና፡ ናቱ ሓረግ ድማ ንሕና ኤርትራዊያን ከኣ ኣብ ሕግን(Law) ኣብ መሰልን(Human Reight) ኣብ ፍትሕን እንኣምን ስል ዝኾና ካብ ንግሆ- ንምሸት(from Mornig to the Night) ንሕግን- መሰልን- ንፍርሕን እንሃርፈን ዘሎና። እዚ ከኣ ኣብ ሓደ ህዝብን ሕብረተ- ሰብን ሃገርን መሪሕን ኮይኑ ናይ ዝኮነ ይኹን ፍታሕ(Solution) ዘምጽእ ናይ መጀመርያን ናይ መወዳእታን ንቀጻሊ ወሎደታት መሪሕ ቁዋም ሕጊ እዩ። እዚ ዘየማጉት ናይ ሓቂ- ሓቂ እዩ። ኣብዚ ንኣንባቢ ብሩህ ምእንቲ ክኾነሉ ካልእ ኣረዳድኣ ከኣ ከይመጽእ ወዲ- ሰብ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባን- ኣረኣእያን ክህልዎ ባህርያዊ እዩ፡ ኣተሓሳስባታት ግን ብማእከልነት ቁዋም ሕጊ ኮይኑ ንህዝብን- ሃገርን ዝጠቅም ህዝቢ ብማዕርነት ዝዋሳኣሉ ክኸውን ኣለዎ፡ ምክንያቱ ወዲ- ሰብ ብፍጥረቱ ስሱዕ ንዓይ በሃሊ ካብዚ ሰጊሩውን ጽቕጢ ምልኪ ስለ ዘምልኽ፡ እዚ ንኸይመጽእ ግን ሕግን- መሰልን- ፍትሕን ናይ ግድን ክህሉ ዝብል ዘለኩ ካልኦት ደቂ-ሰባትውን ከማይ፡ ምክንያቱ ሕጊ ልዕሊ ኩሉ ዝኣልይ ዘማዓራርይን ስለ ዝኮነ፡ ወዲ- ሰብ ከኣ ህዝብን- ሃገርን- መንግስትን- መራሕን- ተመራሕን ኣብነሕድሕዱ ስለዝኾነ ነዘን ሰለስተ ኣምራት ጽንብራት ምስ ሕዋሳትና ኣብ ግብሪ ክትርጉመን ክሰርሓለን እንተዘይ ኪኢሉ ኣብ ህዝብን- መንግስትን ብዘይ ዕግበታት እንዶ እንዶ እናተባሃሃለ ይነብር፡ እዚ ኩሉ ግን ንምንታይ ይርኤይ? እንታይ ኮይንና ኢና ንመጻኢ ወሎዶታት ታሪኽ ዘይንሓድግ፡ ፍትሕን ሕግን መሰልን ንኩሉ ዝሓቁፍ ዘይንገብር? ስለምንታይ ህዝቢ ዝኣልዮ ዘይንገብር? ህዝቢ መንግስቲ- መንግስቲ ህዝቢዶ ኣይኮነን? ኩሉ ነገር ብውሳኔ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ሕግን ፍትሕን መሰልን ዘይድምደም? እወ ሕጂውን ደጊመ ደጋጊመ ህዝቢ ዝኣልዮ ከመይ ዘይኸውን ናይ ግድን እዩ ክኸውን ህዝቢ እዩ ንኩሉ ወሳኒ እቲ ሓቂ እዚ ስለዝኾነ እምበኣር
ኣብ መወዳእታ ሓሳብ ጽሑፈይ ክብሎ ዝደልይ መልእኽቲ ሓሳብ ጽሑፈይ ከተሓላልፍ እንከለኹ ኣብ ቅድሚ ሕብረተ- ሰበይ ባህታ ሕልናዊ ዕረፍቲ ይህበኒ፡ ደረስቲ ክም ዝብልዎ ሓደ ሓሳብ ኣቕራቢ ብዛዕባ ክኸውን ዘለዎ ሓሳብ ምስ ዘቕርብ ጽሑፉ ነባሪ ንታሪኻዊ ወሎደታት ከኣተነባቢ ወትሩ ከኣ ክብሪ ኣለዎ ይብሉ።
ፍትሕን- ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ
ክፍላይ ተኪኤ ጀርመን።
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|