Nharnet Articles/Opinions

     

       ጸብጻብ ኣኼባታት ኣብ ኣውስትራልያ

ብቀዳም 23/9/06 ብጨንፈር መልቦርን ዝተወደበ ኩፉት ኣኼባ ህዝቢ ተኻይዱ። ንኣኼባ ዝመርሑ ወኪል ውድብ ኣብ ኣውስትራልያን ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ሃይለ ገብሩን ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ዓብደልቃድር ህብትየስን መራሕ ጨንፈር መልቦርን ሃይለሱስ ገብራይን እዮም። ኣቲ ቀንዲ ዕላማ ኣኼባ ንውሳኔታት 6ይ ጉባኤ ምግላጽን መብርህታት ምሃብን ሕቶታት ምምላስን’ዩ ነይሩ። እኼበኛታት ንውሳኔታት ጉባኤ ኣድናቖቶም እናገለጹ ኣብ ተግባር ክዕወት ምንዮቶም ምዃኑ ጠቐሱ። ምስኡ ነቲ ኣብ ተግባር ንምትርጓሙ ንተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝጽበዮ ዘሎ ብድሆታት ቀሊል ከምዘይከውን ብሓላፍነታዊ መንገዲ ሓበሩ።

ድሕሪ’ዚ ብዕለት 24/9/06 ዝተኻየደ ኣኼባ ጨንፈር መልቦርን ውን ዕውት ነበረ። በቶም ካብ ኣውስትራልያ ኣብ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣባላት መብርህታት ብዛዕባ 6ይ ሃገራዊ ጉባኤ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ኣባላት ደገፎም ንውሳኔታት ጉባኤ ድሕሪ ገሊጾም፡ ንምዕዋቱ ብዝለዓለ ደረጃ ከምዝሰርሑ ውን ኣፍሊጦም ኣለው።  

ወኪል ንሓርነት ኮም ኣብ ኣውስትራልያ


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com