|
||
|
|
||
|
ቶንኮል ኢሳአስ ኣፎርቂ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎናን ድሕሪ ናጽነትን
ብ1961 ዓም.ፈ ሰዉራ ኤርትራ ብ መሪሕ እድሪስ ዓወተ ብረታዊ ቃልሲ ምስ ተጀመረ አብ ዉሽጥን ኣብ ደገን ዝርከቡ ኤርትራዊ ብኣካል ዝካፈልን፣ ብንዋትን ክትሓጋገዝ ጀመረ፣ እንተኾነ ኣብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ብዙሕ ገጋታት ይራኤ እዃ እንተነበረ፣ ናይዚ ሳዕቤን ኣብ ገድሊ ኤርትራ ምፍንጫል ኣስዓበ፣ ንምእራሙ ገለ ምንቅስቃስ ይግበር ኔይሩ እዩ፣ እዚ ግን ኣብ ሓጺር ጊዜ ክዕመም ኣይተኻእለን፣ ጊዜ ምምጣጥ ኣስዓበ ድሕሪ ነዊሕ ቃልሲ ግን ኩለን ተሳማሚዔን 1969 ወታሃደራዊ ጉባኤ ኣብ ኣዶብሓ ተገብረ፣ መሪሕነተን እዉን መረጸ “ቅያዳ ኣል ዓማ“ ዝብል ስም’ዉን ወጸ፣ ዓመት ከይገበራ ዘይምርድዳእ ስለ ዘስዓበ ፣ዳግማይ ምፍንጫል ተራእየ፣ እዚክብል ከለኹ ድሕሪ 1972 ክልተ ዉድብ ኣብ መዳ ኤርትራ ከም ዝኾነ ተራጋገጸ፣ ነዚ ተጋድሎ ሓርነት ንኸይዓቢ ብዙሕ ተቃሊሳ እያ፣ ይዝከረኒ ኣብ 1974 ዉግ ሕድሕድ ምስ ተጀመረ ኣብ ከበሳ ኩሉ ሰራዊት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዑነላላይ ዝባሃል ቦታ ታኣ ኪቡ መዳ ኤርትራ ሓደ ዉድብ እዩ ዝጸዉር ኢሉ ንዉግእ ሕድሕድ ኣምረሔ ኣብቲ ጊዜ እቲ ህ.ሐ.ኤ. ንእሽቶ ዝለ ዝነበረ ይማጻደቅ እዩ ነይሩ፣ በንጻሩ ህ.ሓ.ኤ. ጎብለል ምስ ኮነ፣ ነታ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ቅዲ ሒዙ ንተጋድሎ ሓርነት ንምጥፋእ ቀሊል ጻዕሪ ኣየካየደን፣ትንቢት ኢሳያስ ንጀብሃ ከም ጨዉ ክትሓቅቅ ዝብል እዃ እንተነበረ ምስ ወያነ ትግራይ ብምሽራኽ ንተ.ሓ.ኤ ካብ መዳ ብዉጻእ ተግበሮ፣ ኢሳያስ በይኑ ኣብ መዳ ኤርትራ ተሓምበለ በለ፣ ኩቡራት ኣንበብቲ ኣብዚ፣ መን መሬት ኤርትራ ተቛጻጸረ ዝብል መርሆ ዝጠፍኡ መንእሰያትና እዚ ኢልካ ክትቆጽሮም ዘይካኤል እዩ፣
ብሓጺሩ ድሕሪ ጉባኤ ኣዶብሓ ዝተፈጥረ ዘይምቅዳዉ ገለ ንሱዳን ዝሃድ ሙ ገለ ንኸበሳ ከም ባዓል አብርሃም ተወልደ ክፍለዩ ተራእዩ፣ ከም’ዉን ኢሳያስ ገለ ብጾቱን ሒዙ ናብ ኣብርሃም ተወልደ ተጸንበረ ኣብዚ ጊዜ እዚ ንሕናን ዕላማናን ትብል መጸሄት ኣዳልዩም ከም’ዉን ሰልፈ ናጽነት ትብል ጉጅለ ኣቆሙ፣ ኣብዚ መስርሕ እዚ እዉን ኣብ ሓጺር ግዜ ብኸብዲ ቅርጸት ኣብርሃም ተወልደ ከም ዝዓረፈ ይንገር እዩ፣ ብሕማም ዘይኮነ፣ እንታይ ዳአ ቢኢደ-ሰብ ቢኢደዙር ኢሳያስ ምኻኑ ይሕመየሉ እዩ፣ ምክንያቱ ኣብዚ ተሕቲ ዝጠቀስክዎ ሓደ ካብተ ዘየሳማመዖም ነጥቢ ይባሃል እዩ፣
እዚ ጉጅለ’ዚ ንኢትዮጽያዉያን ከም’ዉን ኣመሪካን ብዙሕ እዩ ኣሰንቢድወን ምኸንያቱ ሓደ ገዛኢ ስርዓት ክገዝእ እንተኾይኑ ቀንዲ መሳሬሑኡ ከፋፊልካ ግዛእ እዩ፣ ስለ ዝኾነ ብመንግስቲ ኢትዮጽያን ብኢስራኤልን ዝተወጠነ ኣብ ሞንጎ ኣስላምን ክርስትያን እሕዋት ኤርትራ ፈላሊኻ ዓቢ ጋግ ፈጢርካ፣ ነቲ ሐደ ዓለት ኣቶኪርካ መላ ተጠቂምካ ኒቲ ህዝቢ ምብርካኽ ዝብል መረሆ፣ ካብዚ ነቂሎም መብዛሕትኦም ደቂ ከበሳ ወታሃደራት ከቲብካ ስም ( ኮማንዶስ) ዝብል ኣጠሚይካ፣ ነቲ ቆላ ዝኾነ ቦታ ማለት ብሃይማኖት ኣስላም ዝፍለጥ ሕብረተሰብና ፈሊኻ ንምጥፋእ ዝዓለመ ነበረ፣ እዚ እዉን ኣብ ብረታዊ ተገድሎና ብግዜ እናተማሓየሸ መጺኡ እንበር ጽልዋ’ዉን ፈጢሩ ነይሩ እዩ፣
ካብዚ ብምብጋስ ኢትዩጽያ ነቲ ሓደ ጎኒ ኣስላም እናበለ ይሃድኖ ስለ ዝነበረ፣ ነዚ ስም ሰልፈ ናጽነት ዝለበሰ ጉጅለ፣ ብሙሉኦም ክርስትያን ስለ ዝኾኑ፣ ኢትዮጽያ እንታይ ከም ዘጠምቆ ጠፍኦ፣ ካብዚ ተበጊሱ ምስ እዚኦም ርክብ ገርካ፣ በቲ ሓደ ወገን፣ ምሁራት ስለ ዝኾኑ፣ ናብ ኢትዮጽያ አእቲኻ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመርጸ ቦታ ሂብካ፣ ማለት ስራሕ፣ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጉጅለ ንምጥፋእ፣ በቲ ሓደ ወገን እዚ እንተደይሰሊጡ ናይቲ ጊዜ እቲ ኣማሓዳሪ ዝነበረ ኣስራተ ካሳ ኣብ ኢትዮጽያ ኣብ ለዉጢ ይኣምን ስለ ዝነበረ፣ ናዓባይ ኢትዮጽያ ኣእሚንካ ንሱ ዝዝዉሮ ምፍጣር ዝብል ሓሳብ ነበረ፣
ናይ ሽዑ ናይ ጦር ሓላፊ ጀነራል ቶሸመ እርገቱ ምስ ኣማሓዳሪ ኣስራተካሳ ስምምዕ ከም ዘይነበሮም ይንገረሎም እዩ፣ ጀነራል ቶሸመ እርገቱ ናብ ከረን እናኸደ ከሎ ብድብያ ተ.ሓ.ኤ ተቀትለ፣
ብወገን ኣመሪካ’ዉን ነዚ ናይዓላ ጉጅለ ማለት ሰልፊ ናጽነት ጠሊቆም ክፈልጥዎ ደለዩ፣ ምኸንያቱ ኣብቲ ጊዜ ቲ ኣብ ዓለምና ገኒኑ ዝርኤ ዝነበረ ምንቅስቃስ ፍሊስጠም ብብላክ ሰተምበር ዝስመ ዝነበረ፣ ኣብ ምዕረባዉያን ሃገራት እናኽደ ዕንወት ስለ ዝገብር ዝነበረ፣ እሞ ኻአ ብሩስያን፣ ሃገራት ዓረብን፣ ዝድገፍ ስለ ዝነበረ፣ ኣመሪካዉያን ኣብ ኤርትራ ዓቢ መደበር ስልያ ስለ ዝነበሮም፣ ብገድሊ ሽልዃ ከይአትዎም ስለ ዝፈርሑ ጉጅለ ዓላ እዉን ዕላሙኡ ንኽፈልጥዎ ተገደዱ፣
ብመጽናዕቲ ብኤርትራዊያን ምስ ግጅለ ዓላ ክራኸቡ ተገብረ፣ ናይዚ ተዋሳኢ እዃ ዝነበረ ብስዉር ብጥይት ዝተቀትለ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኣዲስ አበባ ተስፋንኪኤል ጆርጆ ነበረ፣ ተስፋንኪኤል ጆርጆን ኢሳያስን ምስ ኢትዮጽያን ኣመሪካን ብሕቡእ እናኣተዉ ዝራኸብ ዝነበሩ ሰብ እዩም፣ ኢሳያስ ቀዳማይ ምስ ኢትዮጽያ ኣብ ቃልሲ ዝገበሮ ርክቡ ሓደ እዚ እዩ
ድሕሪ ቡዙሕ ርክባት ሓደ ጊዜ ኮማንዶ ኣብቲ ሰልፊ ናጽነት ዝነበርዎ ብመጽናዕቲ ይሃጅምዎ እሞ፣ ካብኦም ሃብተስላሴ ገረመድሂን ይማረኽ፣ ሃብተስላሴ ገረመድሂን ንምፍላጡ ድሕሪ እስሪቤት ምስ ተፈትሔ ፣ እንደገና ናብ መዳ ይወጽእ እሞ፣ ምስቶም መንካዕ ኢሉ ዝሰምዮም ኢሳያስ ዝተረሸነ ተጋዳላይ ሓደ እዩ፣ ድሕሪ ምህጃሞም ኮማንድስ ፣ሰልፊ ናጽነት ናብ ባሕሪ ሓመሴን ይልዉጡ፣ ኣብዚ ሓንቲ ፍጻሜ ይገብሩ ምስ ገለ ገባራት ተሓባቢሮም ካብ ዓዲ ንፋስ ከባቢ ኣስመራ፣ ናብ ኣስመራ አትዩም ብረት ካብ ፍላንሳ ይወስዱ፣
ድሕሪ ብረት ምዉሳድ ካብ እንዳ ፍላንሳን፣ ንቅሎ ካብ ባሕሪ ባራን፣ ንሳሕል ኮነ ኣብ ሞወዳእታ 1972 ድማ ስም“ ሰልፊ ናጽነት“ ብ’ካላአይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ይትካእ,፣
ድሕሪኡ ዝነበረ መዋእል ክገርመኩም ኣብ ሀ.ሓ.ኤ. ኣብ ፓለቲካ ትምህርቲ ብዛዕባ ሰልፊ ናጽነት ዝዋሃብ መብሪሂ ወይ እዉን ከም ዝነበረት ሰልፊ ናጽነት ኣይጥቀስን ነይሩ፣ በንጻሩ ግን ተ.ሓ.ኤ. ንምትንካፍ ምንቅስቃስ ሓረካ እናበልካ ይግለጽ ነይሩ እዩ፣ ድሕሪኡ ገጋ ኣማራርሓ ኣብ ዉግ ገረግርን ኣመጻጽአ መሪሕነትን ህ.ሓ.ኤ. ብወግዓዊ ዘይተመርጽ ማለት ብጉባኤ ዘይመጹ ስለ ዝኾኑ፣ ጉባኤ ይገበር፣ ብጉዳይ ሳበ አብ ወጻኢ ዝብል፣ ብዙሕ ምንቅስቃስ ሕቶታት ምስ ተላዕለ፣ ልክዕ ከምዛ ትማሊ 2001 ዝተረኽበ ተረኽቦ፣ እዚ ናይ 1973 ምንቅስቃስ ኢድ ጸላኢ ዝነበሮ፣ ኣዕናዊ ምንቅስቃስ ኢልካ ምሁራት ዝተረሸንሉ፣ ገለ ዝተረፈቱላ፣ ገለ እዉን ታኣሪምና ኢሎም ርእሶም ዘደነኑሉ ዕለት እያ፣ ድሕሪዚ ምልኪ ኢሳያስ ህ.ሓ.ኤ. ዘራጋገጸሉ፣ እቲ ሕልሚ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ስኢንዎ ዝነበረ ናቱ ዉድብ መስሪቱ እፎይ ዝበለላ ዕለት ድህሪ ናይ 1973 ምንቅስቃስ እዩ፣
ነዚ መብሪሂ ክኾነና ሕቶ ተጋደልቲ ጉባኤ ህ.ሓ.ኤ. ይገበር ኣብ ዝበልሉ ዕለት 1973 ዓም.ፈ ከም ዝኾነ ሪኢና፣ እዛ ጊዝያዊ መሪሕነት ግን፣ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ቀዳማይ ጉባኤ ህ.ሐ.ኤ. 1977 መደበት፣
ነዛ ጉባኤ እዉን ኢሳያስ ባይታ ከንጽፍ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ንዕኡ ወይ ብናቱ ሓሳባት ዝሳማምዑ ኣቃራራቢት ጉባኤ ብምምራጽ ነዚ ንድፊ ኣዉጸኤት. ካብቲ ዝዝክሮ፣ 1)ኣብ ምንቅስቃስ ማለት ኣብቲ ንሳቶም(ይዕናዊ ምንቅስቃስ) ዝብልዎ ዝጸንሔ ኣካል ከይመርጽ ከይምረጽ፣ 2) ክልተ ዓመት ኣብ ዉድብ ዘይመልኤ ይመርጽ ኣይምረጽን 3) መራሕ ቦጦሎኒ ካብ ቦጦሎንኡ ከይተመርጸ ናብ ጉባኤ ይኸይድ
ኩቡራት ኣንበብቲ እዚ እንተሪኢናዮ በረቂቅ መጽናዕቲ ዝተገብረ እዩ፣ ንምሳሌ ኣብቲ ጊዜ እቲ ብብዝሒ ናብ መዳ ዝወርር ዝነበረ ተጋዳላይ ማአስ ተሰሊፉ እንተበልኩምኒ ኣብ መወዳእታ 1975 እዩ፣ እድመ ናይዚ ተሰለፈ ተጋዳላይ ንጉባኤ ክካፈል ኣይክእልን እዩ ምኽንአቱ ክልተ ዓመት ስለ ዘይመልኤ፣ እዚ ሐደ ኮይኑ፣ እቲ ካላአይ መሰሉ ተገፊፉ ኣብ ሓለዋ ሰዉራ ዝነበረ ታአሪመ ኢሉ ዝወጸ ርእሱ ኣድኒኑ ዝጛኣዝ ዝነበረ ስጋዕ እታ ማዓልቲ መስዋእቱ ዝጽበ፣ ኣብ ጉባኤ እንተተኻፊሉ ብገለ ሸሊኹ ስልጣን እንተሒዙ ንኢሳያስን ብጾቱን ኣየዋጽኦም እዩ፣ እቲ ሳልሳይ ካአ እሞ፣ ብቀጥታ በቲ መሪሕነት ሓለፍቲ ስለ ዝኾኑ፣ ነቲ ዝነበረ መሪሕነት ክድግፉ ናይ ግድን እዩ፣ ልክእ ክምታ ዝተደልይት ተፈጺማ፣ አብ ገድልና ብዙሓት ንጹሃት ዝቃለሱ እንተነበሩ፣እዛ ግበረለይ ክገብረልካ’ዉን ነይሩ እዩ፣
ንምንታይ ኣብቲ ጊዜ ኢሳያስ አቦ ወንወበር ዉድብ ዘይኮነ፣ ዝብል ሓታታይ ምስ ተረኽበ፣ ካብቲ ጉባኤ ቀጥታ ዝመጽ፣ ሓቂ እዩ መሪሕ ናይዉድብና ዳአ፣ ባዓል ኢሳያስ እንድዮም፣ ግን እዚ ኣካባቢና ኣስላም ዝለ ዝኾኑ ንምጽላዉ ዝተገብረ ሜላ እዩ፣ በዚ መሰረት ካአ ሮመዳን ሓመኑር ተመሪጽ ዝብል መልሲ ተዋህበ፣
ድሕሪ 1977 ኢሳያስ ኣፎርቂ ኣጸቢቁ ታአማመነ እታ ምጽራይ ዝብላ እዉን ዓትዒቱ ሓዛ፣ ናይ መንካዕ ተሪፉ፣ የማን ምንቅስቃስ ዝብል ቃነየ፣ በበሓደ ንዝራኤ ዝበሎ፣ ናይ ምጽናት ተግባሩ ቀጸለ፣ ተጋዳላይ ተስፋ ቆሪጽ ኣቱም ሰባት እታ ሐንቲ ተዋጻኣና ነዛ ናጽነት ትባሃል ንህዝብና ነረክቦ፣ ብድሕሪኡ ኣብ ህዝብና ምስ ኣተና ህዝቢ ይቅጽሎ ዝዓይነቱ ገለ መኪቱ ገለ ኻአ ዉድብ ገዲፉ ናብ ስደት ኣምረሔ፣ እቲ ዓቢ ሕቶ ዝነበረ ዉግ ህድሕድ እዩ እዚ ማንም ተጋዳላይ ዋላ’ዉን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ዝፈልጦ ኣይነበሮን፣ እቲ ሰራዊት ዉግእ ታኣጉዱ ይጸንሖ እሞ ዉግእ ጠጠዉ ምስ በለ ኻአ ናብ ቦታኻ ተመለስ ይባሃል፣ ነዚ ዘሳዉሩ ዝነበሩ ኻአ ከምዚ ሕጂ እቶም ፍሉያት ብዉሽጢ ዉሽቲ ዝተሰርዑ ልኡኻት ኢሳያስ ኣፎርቂ እዮም፣ ሳላ ኩቡራት ጀጛኑና ኻአ ናጽነት ኤርትራ ኩዉን ኮነ፣
ናጽነት ምስ መጸት ኻኣ ኹሉ ወዲ ሃገር ምእንቲ መገጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ ዝዓይነቱ ክስጉም ፈተነ እንተኾነ’ ዉን ኣይተኻእለን ፣፣ እታ ቀንዲ መጽሓፍየይ ኣብ ሰልፊ ናጽነት ክምለስ ምኽንያቱ ኢሳያስ ኣብቲጊዜ ሰልፊ ናጽነት ምስ ኢትዮጽያ ከም ዝተራኸበ ተመልኪትና፣ ድሕሪ ናጽነት ካአ ኢሳያስ እቲ ሕልሙ ዓባይ ኢትዮጽያ ክቅጽል ስለ ዝደለየ ንሕና ኪኖዉ ዶብ ኢና ንሓስብ ዝበሎ ክጠቅስ ይፈቱ፣ ክስራሓሉ እዉን ተንቃሳቀሰ ስጋዕ ናይ ሓባር ወታሃደራት ምግባር ወዘተ… ብሓጺሩ ዘይተባህለ ኣይነበረን፣ ግን ክልተ ጎራሓት ሓሙኹሽቲ ስንቆም ከም ዝባሃል ወያነ ንኢሳያስ ሓሊፎም ስለ ዝጸንሕዎ፣ ናይዚ ኣንጸርጹሮት ክንደይ ቀያሕቲን ትሕቲ 30 እድመ ዝኾኑ መንእሳያትና ጠፊኦምና፣ በዚ እዉን ኣይተሓጽረን እታ ናይ ሰዉራ ሓለንጊ ቀጸለት ምርሻን ኣካለስንኩላት፣ ምእሳር ተማሃሮ ቪንቨርስቲ፣ ምርሻን ዓዲ ኣበይቶ፣ ምእሳር መቃልስቱን ኣማኸርቱን ፣ ምእሳር ዉልቃዉያን ጋዘጠኛታትን ወዘተ……ኾነ፣ ባዕሉ ዝመስረቶ ባይቶ’ዉን ካብ 2000 ዓም. ስጋዕ ሕጂ ታኣኪቡ ኣይፈልጥን ባሓጺሩ እቲ አብ ብረታዊ ቃልስና ዝነበረ ዉድብ ኢሳያስ፣ ሕጂ’ዉን መንግስቲ ኢሳአስ እንተበልና ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኣይኮነን፣
እዚ ምኻን ምስ ኣበየ ሕጂ’ዉን ሳልሳይ ጊዜ ሕልሚ ዓባይ ኢትዮጽያ ንኸተግብር ይጛየይ ኣሎ፣ ንሱ ኻአ እዚ ንሪኦን ዘለና ዳንከራ እዩ፣ ዓቅሉ ዝጸበቦ ዓረበታይ መቃብር ኣብኡ ይፍሕር ከምዝባሃል፣ ብወያነ ምኻን ምስ ኣበዮ፣ ጉዳይ ሃገር ረሲዑ ሓላይ ዉጽዓት ንኽመስል ቅንጅት እባ: ኦሮሞ: ከም’ዉን ሶማል እናበለ ከጽንተና ስለ ዝኮነ ቶንኮል ኢሳያስ ኣፎርቂ ክዉዳእ ኢልካ ስለ ዘይሕሰብ፣ እሞ ነዛ ሃገር ኣብ ጸልማት ሸሚሙዋ ንርእን ንዕዘብን ስለ ዘሎና፣ እሞ ካን እዚ ድዩ ክኸዉን ኤርትራዉያን ዕጫና፣ ሃየ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ካብዚ ሽግርን መካራን ነዛ ምእንታና ኢሎም በሻሓት ዝተሰዉኡላ ሓርበኛታት ኤርትራ ነድሕና፣
ዓወት ንህዝብና!!! ዝኽርን ሞጎስን ንስዉኣትና!!!
ሚካኤል ኣጎስቲኖ(ጅርመን) 27.09.06
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|