Nharnet Articles/Opinions

     

  

ወዲ ጎብየ መን ይባሃል?

        ብ ሚካኤል ኣጎስቲኖ( ቱቢንገን ጀርመን)

                    14/ 09/ 2006

እዚአ ምስ’ዛ ትስዕብ  ሕንቅል ሕንቅሊተይ ትኸይድ  እያ።

ሕንቅል ሕንቅሊተይ? መሰነይተይ። ወዲ ጎብየ እንታይ ይባሃል ፍለጡለይ?

መልሳ ከይትጽግመኩም። ወዲ ላም ምራኽ፤ ወዲ ኣድጊ ዒሉ፤ ወዲ ጠል ማሕስእ፤ ወዲ በጊዕ ዕየት፤ወዲ ድሙ ዕኛዉ፤ ስለ ዝኾነ ወዲ ጎብየ ኸ መን? ንኽትሐስቡ ጊዜ ይህበኩም። ዝኾነ ኾይኑ ኩሉ ጉዳይና ቀልብናን ብጉዳይ ብሃገርና እንድዩ፤ ሎሚ ሃገርና  ናበይ መንገዲ እያ ተምርሕ ዘላ?

 

እዛ ሃገርና ኣይግድን መንገዳ ኣይጸበቀን። ክንዲ ንቂድምቲ ንድሕሪት(ማርቻ ኢንደትሮ) ።እንታይ ጉዱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንድሕሪት ተመሊስካ ክትሓትትን ክትዝክርን ትግደድ።ገለ ገለ እዃ ሃገርና ላዕሊ ወይ ጽቡቅ ኣላ ዝብሉ ናይቲ ስርዓት መጋበርያታቱ ኣለዉ።ወይ ጉድ….. ንሕና ሃገርና ክትለምዓልናን ክትጽብቀልናን ንደሊ ።ጽቡቅ ሕማቅ ናይ ዝበልካ ኣይኮነን፡ እንታይ ዳአ አቲ ባይታ እዩ መግለጺ ናይ ህልዊ ኩነታታ: እሞ እስከ ንመልከታ ሃገርና። ሎሚ ኤርትራ ኣበይ ኩነታት ትርከብ።ኣነ ከም ዝርዳኣኒ ኣብ ሕማቅ ኩነታት ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት እያ ዘላ ሃገርና። መንገዳ ኣይጸበቀን ።

 

ኣብ ጊዜ ቃልሲ መንእሰይ ኤርትራ ካብ ስድርኡ ወጺኡ ናብ ይሕዋቱ እዩ ዝጽንበር ዝነበረ ። ሎሚ ግን ናብ ስደት እሞ ኻአ ቁጽሪ ዘይብሉ ዓዲ ገዲፉ ገለ ንሱዳን፡ ንኢትዮጵያ፤ ንኤዉሮጳ፡ ንኣመሪካ፡ ኮታ ናብ ዝሰለጦ፤ ናብ ሙሉእ ዓለም ይባረር ኣሎ፡ ዕድል ዘይገበረ ኻአ ክሃድም ከሎ ዓረር ይሕዋቱ ረኺብዎ ዝተርፍ ዉሕድ ኣይኮነን። ኣብ ምድርባዳ ዝቅበርን፡ ኣብ ባሕሪ ዉቅያኖስ ዝጥሕል ካአ: ማእለያ ብሉን። ካል እ ይትረፍ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሐሰ 2006 ኣብ ባሕሪ ዉቅያኖስ ልዕሊ 80 ኤርትራዊያን ኣብ ባሕሪ ጢሒሎም ሰሚዕና፤ እሞ ኣቱም ሰባት እዚ  ሃየንታ ዶ ኣይኮነን?

 

 ነዚ ምንቀሊ ዝኾኖ ጠንቂ ኻኣ ስርዓት ህግደፍ እዩ፡ ስለምንታይ እንተበልና፡   ዘይዉዳእ ብስም ጉልባብ ሃገራዊ ኣገልጋሎት እናበልካ ንመንእሰያት እናጋፋዕካን፤ እናሓየርካን ፤ ኣገልገልቲ ጀነራላት ከም ዝኾኑ እናገበርካ፤ ስለ ዝኮነ ምንእሰያትና እታ ሃገር ተስፋ ስለ ዝሳኣኑላ ፤ አይ ካብ ስራሕ፤ ኣይ ካብ ትምህርቲ፤ እንትርፊ ሓሶት ዉግን ወረ ዉግን ስለ ዝኾነ፤  ዓይኒ ዝኸፈተ ሃገሩ ምግዳፍ ኮይኑ: ንሰምዕን ንርእን ኣሎና።

 

ብመጠኑ ኣብ ጊዜ መግዛእቲ ተማሃራይ ፍናንን፡ ድልየትን ፡ ትምነቲ፡ ነይርዎ ንምሳሌ<< አይ ላይክ ቱ ቢ ኤ ዶክተር>> ኣይ ላይክ ቱ ቢ ኤ ቲቸር>> ኣይ ላይክ ቱ ቢ ኤ ፓይሎት….ወዘተ፡ ዝብል ዝነበረ. ሎሚ<< ኣይ ላይክ ቱ ቢ ደራፋይ>>  <<አየ ላይክ ቱቢ ነጋዳይ ወዘተ ክብል ትሰምዕ።እዚ ኻአ ተማሂርካ ትረኽቦ ፍረ ትሑት እንተኾይኑ፡ ንኽትማሃር ዘገድሰካ ነገር ብዙሕ ኣይኮነን።

 

መጀመርያ ብዶሞዝ ይኹን: ኩሉ መዳያዊ ኣተሓሕዛ: ኣብ ልዕሊ መማህራን ክዓዝዝ ክኽእል ነይርዎ፡ መምህር እንተ ዓጊቡ፡ ንተማህሮኡ፡ ሞራል፤ ፍናን፤ብዝመልኦ መንፈስ፡ ፍልጠቱን ኣለልዩ ምስ ወለዲ እናተሓባበረ ድኽመቶም ኣብ ምዉጋድ ይጽዕር፡ ትምህርቲ ከም እምነ ኩርናዕ ኮይኑ ማእዝን ተማሃሮ ኣብ ምስትኽኻል ኣበርክቶ ይግበር።ብሓፈሽኡ ሓነጽቲ ዝኾኑ መንእሰያት ኣብ ሙኹስዃስ ዓቢ እጃም ከበርኽቱ ይኽእሉ። ሎሚ ግን ከምኡ ዝባሃል የለን፡ በንጻሩ መማህራን ካበየ ቤት ትምህርቲ  ይሳናበቱ ወይ ይንጽልጸሉ እዮም። ኣብ  መስከረም 15 1993፡ ንምሳሌ፡ 6( ሽዱሽተ) ዶክተርስ፡ 9 (ትጭዓተ) ባችለር ዲግሪ፡ ዘለዎም፡ 16 (ዓሰርተ ሹድሽተ) መሰተርስ ዘለዎም መማህራንን፤ 3 ሰራሕተኛታት ምምሕዳርን ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብቅዓት የብሎምን ተባሂሎም ከምዝተሰናበቱ ዝዝከር እዩ።

ተዓዘቡ እሞ ኩቡራት ኣንበብቲ፡ ኣብ’ዛ እግሪ ዘይተኸለት ሃገር ክንዲዚኦም ዝኣኽሉ ምሁራት ኣብ ሓንቲ ማዓልቲ ክባረሩ ከለዉ እዚ ስርዓት እዚ ንሓልዮት ህዝቢ ዝነቀለ ዶ ይመስለኩም?

 

በብግዚኡ ዝተሰናበቱ ኻኣ ብዙሓት ከምዝኾኑ ይንገረሎም፤ ኣብ መወዳእታ ኻአ እታ እንኮ ዩኒቨርሲቲ ኣስ መራ ተረጊጣ ሰሚዕና ፡፤ እሞኸ ከዳ መጻኢ እድል ትምህርቲ ኣብ እርትራ እንተሪኢና ተስፋ ዝባሃል የለን፡ ብዙሓት ተማሃሮ’ዉን ኣብ ሻባዓይን ሻሙናይን ትማህርቶም ኣቛሪጾም፡ ንቤት ሳዕሲዒትን ዲስኮ፡ ምንዝርናን፡ ኣበየ ኩርናዕ ባራትን ሆተላትን ገርካ ኣብ ዘይ ማእዝኖም ከም ዝሕዙ ምግባር እዩ እቲ መደብ፡ ካብ ኩሉ ዘገርም እቲ ለይታዊ ትልሂት ኣብ ምንጎ ቆልኣን ሰበይቲ ዘለዉ መንበሪ ስድርቤት ኮይኑ፡ ክንድቅስ ኣይካአልናን፡ ትሕቲ ዕድመ ደቅና ይባላሸዉ ኣለዉ፡ ኢሎም ንዝጠርዑ ስድራቤት፡ ኣፍኩም ሓዙ ናይ ህግደፍ እዩ ዝብል መልሲ ተዋሕቦም፡ከም ኣብነት ንምጥቃስ  አብ ገጀረት ዓቢ ዝርከብ ዋርሳይ ለይታዊ ትልሂት  እዩ። ሳዕቤን ናይዚ ኻአ ኣደዳ ሕማም ኤይድስን ካልእን ኮይኖም ኣብ  ሸዊት ዕድማኦም ይቅዘፉ ንሪኢ ኣሎና። ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት’ዉን ንኽትሰምዖ ዘስደምም ክዝረብ ንሰምዕ ኣሎና፡ መንእሰያትና እዚ ስርዓት ዓቅሎም ስለ ዘጽበበሎም ናይቲ ቀዛፊ ሕማም ኤይድስ ግዳይ ኢና እናበሉ ከም መመኽነታ ተጠቂሞም  ዘይ ሕጋዊ ምስክር ወረቀት እናምጽኡ ካብቲ  ንሳዋ ዝግፈፍሉ ማዓልቲ ንምድሐን ከም ሜላ ይጥቀምሉ ከምዘለዉ  ንሰምዕ ኣሎና።ወይ ጉድ!!! ኣይገርመኩምን ዶ? እዚ ስርዓት እዚ እኮ ምዝኾነ ይኹን ካብ እዝጊሔር ዝርከብ ድዩ ካብ ስርዓት ጸገም ዘይዋዳደር  ከም ዝኾነ እዩ ዘረድእ።

 

 

ብወገን ማሕበረ/ሰብአዊ ጉዳይ እንተሪኢና ኤርትራ ብዘይ ቅዋምን፤ ሕግን፤ ፍትሕን፤ ብድሌት ዊንታን ዓያሹን ዝንቡላትን ወተሃደራት ኣብ ትመሓደረሉ ዘላ ጊዜ፤ ህዝባና’ዉን ንለዉጥን ፍትሕን ድምጹ ኣብ ዘስማዓሉ ኣብ ፈቀዶ ጎቦታትን ጎዳጉድን ትሕቲ መሬት ቤት ማእሰርትታትን ማእለያ ዘይብሉ ህዝብና ታሲሩ ይርከብ፡ ኤርትራና ኣብ ዓለም ከም ዘይምዕብልትን ናይ ድንቑርና ብዓል ቤትን ናይ ዲክታተርነት መራሒትን እትፍለጠሉ እዋን እዩ። ህዝብና ኣብ’ዚ ጊዜ እዚ ኣብ ታሪኽ ዝኸፍኤ ህሞትን ዘሕልፎ ዘሎ እዋን፤ ስድራቤታት ተበታቲነን ኣብ ፍርሕን ራዕድን ዝሰቓይሉ፡ ባህልና፤ ሃይማኖትናን፤ መራሕቲ ሃይማኖትናን፤ብማግፋዕን ብምህሳስን ዝገብሮ ዘሎ ብርቱዕ ኣልታዊ ኣሰር ዝሓድግ ንያታና ዝህስስ፤ ንባህልና ዘርምስ፤ ዝስርሓሉ እዋን ዶ ኣይኮነን ዘሎ። ብሓጺሩ “ ዓሳ ንምጥፋእ ማይ ኣንቕጽ ወይ ኣንጽፍ“ ዝዓይነቱ እዩ እቲ መስርሕ።

 

ትማሊ ትማሊ ናይ ዶብ ዉግእ ኣመኽኒኻ ንክንደይ ንጹሃት መንእሰያትና ኣብሪስካ ከይኣክልስ፤ ሎሚ ናብ እንዳማትካ ሃገር ከትካ፡ ማለት ንሶማል ንዝተረፉ መንእሰያትና ንኽተጸንት ምብጋስ ሓልዮት ሃገር፡ ወይ ምድሓን ሃገር ዶ ይስምዕ? ኣይፋልን ህዝቢ እርትራ ኢዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ በብሓደ እንተታዓዚብካዮ ብዘይጥርጥር እዚ ስርዓት እዚ ንሃገር ንምጽናት እዩ ተበጉሱ ዘሎ፤ ሃገር ኣጽኒትካ ንዝተረፈ ኣብ ትሕተኻ ቆሪንካ ሕልሚ ኣባ ጎብየ ንምትር ጛ ም እዩ፡ ንሱ ኻአ ንወዱ ምርካብ እዩ እቲ ጻዕሪ።  ወዲ ኣባ ጎብየ ኻአ አብርሃም ወዲ ፕረስደንት ሃገር እርትራ እዩ።    ኦ ህዝቢ ኤርትራ ሃገርና  ኣብ ኣፈርኩቡ ብርቱዕ ሕማም ኣብ ኣፍደገ ሞት ክትጻዓር ትርከብ ኣላ እሞ፡ ትፈትዉዋ ደቃ ካብ ሞት ከተናግፍዋ ኣፈይ ኣርኩቡ ትብል ኣላ።

ዝኽርን ሞጎስን ንስዉኣትና

  ዓወት ንህዝብና!!

      


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com