Nharnet Articles/Opinions

     

        

መስራቲ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ - ጨንፈር ዓዲ እንግሊዝ ብዓወት ተዛዚሙ

 

 

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ዓዲ እንግሊዝ ብዕለት 27 ነሓሰ 2006 ( 3 ሻዕባን 1427 ህጅሪያ) ወከልቲ ሰልፊ ናህዳ ጨናፍርን ፈተውቲ ሰላምን ዲሞክራሲን ዝተኻፈልዎ ዕዉት መስራቲ ጉባኤ ኣካይዱ።

 

ጉባኤ ብሓው ሙሳ በሺር ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ተኸፊቱ።

 

ብድሕሪኡ፡ ናይ ዞባ ኣውሮፓ ናይ ስርርዕ ሓላፊ ሓው መሓመድ ሓቀዲን ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡ ዝምልከት ሕጽር ዝበለ መግለጺ ሂቡ።

 

ጉባኤኛታት ደሕሪ ነዊሕ ዘተ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዝርከቡ ለበዋታታትን ውሳኔታትን ኣሕሊፎም

 

·        ጨናፍር ኣብሙሉእ ዓዲ እንግሊዝ ኸኽፋት፤

·        ናይ ደቂኣ ንስቲዬን መእሰያትን ማሕበራት ምፍጣር፤

·        ናይ ግብ ይ ንጥፈታት ምያድን ንኹሎም ምዝኽኻር፤

·        ምስኩለን ፖሎቲካውን ህዝባውን ማሕበራት ኤርትራ ጨንፈር ዓዲ እንግሊዝ ሓቢሩ ምከ ዝርሰርሕ የረጋግጽ

 

 

ከምኡ እውን ነቲ ዝወጸ መደባት ንምዕዋት ኣርባዕተ ዝኣባላታ ክልተ ድማ ተጠባበቅቲ ድሕሪ ምምራጽ ጉባኤኡ ብዓወት ደምዲሙ።

 

ኣብ መጨርስታ ንኹሎም ኣብ መኽፈትን መደምደምን ጉብኤና ዝተረኽቡ ብሕልፊ ድማ ወከልቲ ሰልፊ ናህዳ ጨናፍር ሆላንድን ሽወደንን ልዑል ምስጋነና ነቕርብ።

 

ፍትሕን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ

 

መስራቲ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ - ጨንፈር ዓዲ እንግሊዝ


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com