Nharnet Articles/Opinions

     

    

ንሕሉፍ ከተካፈኦ ኮነ ከተጸባብቖ ኣይከኣልን . . .

ክትመሃረሉን ክትምረሓሉን ግን ናይ ግድን እዩ !!

 “ብጉዳይ ጎረቤት ጥራሕ እተዕልል፡ ከም በለጡ የልቦን ገዝኣ እተዘልል

ድምጻዊ ሓርበኛ - ነጋሽ ተኪኤ

 

እወ ንሕሉፍ ታሪኽና፡ ቃሕ ስለ ዘይበለና ናትና ኣይኮነን ብማለት ክንድምስሶ ወይ ከኣ ሓሓሪና ክንቀናጀወሎም ዝከኣል ኣይኮነን። እንተ ተሓሊኑ ኸኣ ምስ ንባዕልኻን ሕልናኻን ምድማይ እዩ። ንዘሰክፉና ተመክሮታት ‘ዉን ክንዓባብጦም ኮነ ነቲ መስርሕ ናይ ታሪኽ ቆራሪምካ ከተጸባብቖ ኣየኽእለካን ጥራሕ ዘይኮነስ ብዘይካ ምልኣተ ትሕዝቶኡ - ግስጋሰ የልቦን፣ ትርምስምስ ይበዝሕ፣ ጌጋታት ምድግጋም ‘ዉን ወትሩ መላፍንትኻን ሕላገትካን ‘ዩ ዝኸዉን። ልዕሊ ኹሉ ምርዳእ ዘድልየ ኸኣ፡ ታሪኽ ብኣወንታን ኣሉታን ተረኽቦታት ዝግለጽ ንግስጋሰ ዝዕድም ፍረ ዉጽኢት ጻማ ናይ ሰራሕቱ ምዃኑ እዩ። ካብ ታሪኽ ዘዘየድልዩኻ ሓሓሪኻን ተመጣጢርካን እትካሰሰሎም ዘይኮኑስ፣ ኣብ ኤእዋኑ ዝፍጠሩ ሕጽረታት ብነቐፌታ ይኹን ብኻልእ ናይ ኣላዝቦ ፈተነታት ተነጺሮም ብዝማዕበሉ መደባት ክትክኡ ምግባር ጥራሕ እዩ። ሓቂ ‘ዩ፡ ኣብ ሕሉፍ ኣይንበርን፣ ክትቁዝመሎም እዉን ኣገዳሲ ኣይኮነን፣ የግዳስ ንሓዋሩ ክዕበጡ ኣለዎም ኢልካ ምምጓት ግን ናይ ጥዕና ምልክት ኣይኮነን።

 

ንነጻ ርእይቶና ኮነ ሕሉፍ ናይ ተመክሮና ምቁር ንእስነታዊ ፍቕሪ፡ ከነድግመሎም ብኡኡ ኣቢልና ኸኣ ንዝስዕብ ወለዶ ምልክታት ክንህብ ኣብ ክንገብሮ ዝጸናሕና ክፉት ልዝብ፡ ብዙሓት ዜጋታት ዝተፈላለዩ ናይ መተባብዒ መልእኽትታት ከመሓላልፉልና ጸኒሖም። ብኣንጻሩ ኸኣ፡ ወዮ ደኣ ወዲ ዱሙ ከም ቀደሙ ኮይኑ ‘ምበር፡ ቁዉም-ነገር መልእኽትና ብዘየገድስ፡ ብሕሹኽሹኽ ልሙድ ናይ ቅንጸላ ወፍሪ ፈተነ ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮ ይመጽእ ከም ዝበሃል፡ ብሓደ ‘ሎና መድረኽ ክፋተነና እዩ። እዚ ክንብል ከሎና ንስለ ሓበሬታ ምሃብ ደኣ ’ምበር ካብቲ ናይ ቁዉም-ነገር ተዘክሮታትና ምክፋል ኣይክንዕገትን ኢና።

 

ተስፋ፡- ታሪኽ ብግቡእ መጽናዕቲ ተሰሪዑ ነቶም ነዉሪ ወይ ከኣ ኣይዝረበሎምን ተባሂሎም ብፍርሂ ዝስገሩ ኮኑ ገለ-ገለ እናሓረዩ ከም ናይ መጥቃዕቲ መሳርያ ንታሪኽ ናይ ሓደ ህዝቢ ዝተዃኹቡን ዘመራስሑን ንምዕጋስ ኮነ ንምንጻር - ኣገልግሎት ስለ ዝህብ ‘ዩ። 

 

ተሃድሶ፡- በየመኣዝናቱ ንፋሳት ፈሽ ፈሽ ክብል ናይ ጠሊ ብሽራት፣ ኣብ ክንዳኡ ግን ቄናን ባህጊ፡ ምስቲ ናይ ክሊማት ለዉጢ ንምዉህሃድ ዝገላበጥ ሃፈጽታ ረስኒ ተመሪጹ። ክንድ ‘ዚ ሃጸፍጸፍ፡ ረብሓታትካ ኣበይ ኣሎ ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ዉጥናትካ ብዘይ ምንጻር ናብ ዝበረቐልካ ምስጓም። እዝስ ምስ ምንታይ ይቑጸር? ካን ኣብዛ ዓለም ሸፊትካ መዋጽኦ ዘይብሉ ፈንጣሕጣሕ። ወረ ኣብ ምንታይ ንምብጻሕ ‘ዩ?

 

ቆላሕታ፡- ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተሓማመስ ዘሎ ህጹጽን ተኣፋፍን ፖሊቲካዊ ምዕብልናታት፡ ኣብ ሰዓቱ ጥንቁቕን ቅልጡፍን ሚዛናት ዘድልዮ ተረኽቦ እናኾነ ከይዱ። ኣብ ዞናና ዝዕምብብ ዘሎ ተርእዮታት፡ ለብዘበን ዝመጸ፡ ኣሰራት ዘይብሉ ደበኽ - ተኣምራታዊ ተረኽቦ ኣይኮነን። እሞ “ግዜን ህግደፍን ዘርዮምና” ጥራሕ ዶ ክበሃል ይከኣል ‘ዩ? ኣይፋሉን። ኣይሰኣና ናይ “ተቓዉሞ ዉድባትና” ኸዳኣ። መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ሽግራት የንበድብዶ፡ ተወሳኺ ቄናን መልእኽቲ ‘ዉን የሳልጥ እንተ ተባህለ ኣይበዝሖን። ስልጣን ዘዕወሮ፡ ልቡ ተደፊኑ ዝብላዕ ስነ-ሞጎታዊ ራኢ ዘይብሉ ክንድ’ዚ ዝሃጸጸ ስርዓት። ክትረክብ ክትስእን ዘይትጣላዕ ዝዓይነቱ፡ ኣብ ዕጹዉ መንደቕ በጺሑ፡ ንባዕሉ ኣብቲ ተዋስኦ ቀንዲ ኣክተር ኮይኑ፡ ቁልፍታት ሓድሽ ዞናዊ ስርርዕ ዝወነነ ኮይኑ እዩ ዝስመዖ ዘሎ። ብርግጽ ከኣ ኣይኮነን። ኣሻኹ ናይ ሞሮር ቅንፍዝ፡ ድሎ ብድሎ ንጥፍኣት ዝምእርር ልጓመ-ኣልቦ፡ ጠላም ዘራሪጋ፤ ወትሩ ንበደልን ቅትለትን ንጹህ ህዝቢ ዘተኮረ ሕኑን ርግሒት፡ ስረሔይ ኢሉዎ።  

ተስፋ፡- ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ተቐሪጾም ናይ ምንባርናን ኣመሓዳድራናን ቅዲ ዘማእከሉ ክብርትታና ኮኑ ልምድታትናን ኣረዳድኣናን ዝፋተን ነዓቒ ደገ ‘ምጸኦ ጢሒራ ባህልታት ምጽንዑን ምግጣሙን ካብ ቀደም ሎሚ ብዝያዳ ተደላዩ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። ኩሉ ብድልየትን ዉሽጣዊ ስምዒታትን ጥራሕ ዝምለስ፣ ግሩህ ዝምባሌታት ዝፈትሖ ዘይተግባራዊ ሃንቀዉታታት ወጊንካ፡ ጭቡጥ ቀላዕለም ዘይብሉ ንጹር ዴሞክራስያዊ ዕላማታት ንምርግጋጽ ምግስጋስ። እዚኦም ጥራሕ ከኣ ‘ዮም ናይ ፍታሕ ዋልታታት ‘ምበር። ናይ ትንኩልናታት ጭርጭር ዓበደ ንነዊሕ ዘሳጸዩና ከም ጥምየት ከብድና ብዝርዝር እንፈልጦም፡ መዓልታዊ ከም ልምዲ ፍሑኽ እና ‘ሉ ንሃገራዊ ጥምረትና ዘቖንቁኑ መድሃኒት ዘይተረኽቦም ባልዕ፡ ቅድሚ ዝኣገረ ምጽራግ ምተገብኤ።

ተሃድሶ፡- ናይ ታሪኽና ቁርባበሻ ዝዓቖሮቶም ከላእ መላእ ፈዘግዘግ ኣቢልና ክሳብ ዘይ ተመሃርናሎም፣ ንትልሞ፡ ንገብሮን እንብሎን ጉዳያት ኩሉ ንመቃነዩ ጥራሕ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ንዉልቀ ዉድባዊ ኮነ ሃገራዊ ረብሓ ዘበርክቶ ዉጽኢት የብሉን። ሓድሽ ሓሳባትን ምህዞታትን ከይነተኣታቱ ኸኣ ናይ ኣእምሮና ዓቕመ-ምዉህላል ብዝበለዩ ኣተሓሳስባታት መሊኡ ምስ ግዜ ምቕያር ስለ ዝኣበየ፡ ኣየኽኣለናን።

 

ቆላሕታ፡- ጠለባት ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮኑ መኻልፋት ኣብ ዓዉዲ ቃልስናን መነባብሮናን ክሳሰዩ ከቶ ኣይነፍቅድን። ፖሊቲካዊ ምምሕዳርን፣ ዝኾነ ይኹን ዓይነታት ሃይማኖታዊ ኣምልኾን ፈላሊኻ ብንጹር ምቕማጦም - ናይ ፍትሕን ዴሞክራስን ማዕርነትን ምርግጋጽ መሰረተ-ተበግሶ እዩ። ብኣንጻሩ ዝኽየድ መስርሕ ግን፡ መሰረተ-ኣልቦ ናይ ኢድካ ምሃብ መትከላዊ ግህሰት እዩ፡ ክበሃል ይከኣል። ብመሰረቱ ኣብ መሪር ቃልሳዊ ጉዕዞ ዝተጠርዩ፣ ማእለያ ዘይብሉ ህይወት መንእሰያትን ገዳይምን ዜጋታት ዝተኸፍሎ መትከላዊ ዕብየት ኣሕሊፍካ ምሃብ፣ ናይ ልቦና ኣሰር ኮነ ናይ ጽንዓት ምልክት ክንዲ ፍረ-ጣፍ ኣኳ ትኹን የብሉን። ጋግ ኣብ መንጎ “መሪሕነታትን” መሰረትን፣ ምርሕሓቕ ኣብ መንጎ “ዉድባትን” ሰፊሕ ህዝብን ብድምቀት በሪሁ፡ ሃገራዊ ተሓላቕነት ዝሓረሞ ናይ ሽርካይ ሽርካኻ ልፍንቲ እንታይ ከይዓብስ።

 

ተስፋ፡- ብተመክሮ ተጠርዮም፡ ከም ናይ ቀጻሊ መምርሒ መትከላዊ ባይታ ተሰሪዖም ዝዓምቁን ዝሰፍሑን ማእከልቲ መምርሒታት፡ ኣብ ዝማእማኣካ፡ ወኸሳ ዘይብሉ ክትቅንጽሎም ዘፍቅዱ እንተ ኮይኖም፤ ናይ ሓባር ስምምዕ ምምእዛዝ ዉዕል ኮነ ንዑዑ ዘረጋግጽ “ጉባኤታት” መዓስ መድለየ። ኣይቀርጽ ኣይነፍሕ፡ ንስለ ጉልባብ ትጉምጎሞ ሻሽ ንሓዋሩ መዓስ ይኽዉለካ።   

 

ተሃድሶ፡- ተዋሳእቲ ናይ ዝሓለፈ ተመክሮ፣ ናይ ሓባር ዘሕለፉወን ቅንያት ዝተረኽበ ዉጽኢታት ናይ ብሓባር ዝተሓፍሰ ፍርያትን ክሳራን ስለ ዝኾነ፣ ጸጽቡቑ ናተይ ሔሕማቑ ኸኣ ናይ ‘ቲኦም እንካብ ተባህለ - ናይ ጽልኢ መሰንቆ ምቕናይ ‘ዩ። ለባም ተበግሶ ኣይኮነን፡ ንኽብደትካ ዘፍኩስ ናይ ሓድሽ ራእይ ስእነተ-ዓቕሚ ከኣ ‘ዩ።  

 

ቆላሕታ፡- ኩሉ ከም ሻሙ እና ‘ልካ ምሕላፍ፡ ትርጉም ናይ ምንባር ኮነ መቐረት ናይ ‘ዛ እንነብራ ዘሎና ዓለም ከይፈለጥካ፣ መዋዳድርትን መዓቀንን ዘይብሉ ጸቢብ ተመክሮ ጥራሕ ኢኻ እተሕልፍ። እኩብ ድምር ናይ’ዚ ዓይነት ኣካይዳታት ከኣ ‘ዩ ነጸብራቕ መግለጺ ናይ’ቲ ዝቕረጽ ዉድብ ወይ ፖርቲ ዝኸዉን።      

 

ተስፋ፡- ኩሉ ሻዕ ምዩቕ እና ‘ልካ፡ ደፊሩ ክበሃል ኣይጭክነለይን እዩ እትብሎ ዘመድ ወይ መሓዛ፡ ብምስጢር ሕሹኽ ክትበሃሃል፡ ክሳብ መዓስ? ሓደ መዓልትስ ካን ደንጽዩኒ ግርም ገይረ ዝፈልጦም ክልተ ሰባት፡ ከዉግዑ እንከለዉ ብሃንደበት፡ ህሩግ በልኩዎም። ብስንባደ ልቦም ተመሊሖም ዕላሎም ከይስማዕ ክሓብኡ፡ በበይኑ ዝኾነ ናይ ፈጠራ ዘረባታት ሃተፍ-መተፍ በሉ። መዓስ’ሞ ጠፊኡኒ፡ ናይ ኤርትራ ነገር ኩሉ ግዜ ማሕቡስ። ካበየ ስምባደኦም ምስ ተላቐቑ ንበሪ፡ በዚኣ ‘ባ በቲኣ ኢሎም እና ተቐባበሉ ኣሰለፉኒ። ካብ ልቢ ምዕባይ እንተ ዘይኮይኑ፡ ገለ-ገለ ካብቲ ዕላላቶምሲ ዳርጋ ሰሚዔዮ ኣለኹ። ቃል-ንቓሉ እንተ ዘኪረዮስ፡ ንስለ ዕላልና ክፈታትኖ - “ሓዲኦም - ኣይረድ ካብዚ ዘሎናዮ ገሃነም መን ኮንዩ ዘገላግለና?” ኢሉ ናይ ዓቕሊ-ጽበት ሕቶ ኣልዓለ። እቲ ሓደ ኸኣ፡ “የማን ጸጋም እንተ ‘ልካ ተስፋ ተሳኢኑ፡ ገለን ናይ “ኪዳን ቻርተር” ጽገና ዶ፡ ናይ ቃላት ምምሕያሽ ዶ ዘይ ተገብሮ እና ‘ሉ ክጣርዑ፣ ገለን ከኣ ፈጺሙ ገሊኡስ ከልግስ ኣለዎ ክብሉ፤ ብዓንዳ ርእሱ ዋናታቱ ሓናጊርካስ ኣብ ጓል ነገር ምዕጥጣይ እንታይ ኣምጸኦ?” ክብል ኣምሪሩ ነቐፌታኡ ሰንዘረ። ኣብቲ ኣርስእስቲ ጋሻ ስለ ዝነበርኩ ኣስጊለ፡ እናሓሰብኩ ‘የ ከም እንደ-ነገሩ ሕዉስ ዘልኩዎም። ሓቃቶም ከኣ፡ ወዮ ደኣ ምጸት በዚሑ ‘ምበር “ንህበይ ኩሑልሕል እንተ ወዓልካያስ፡ ህበይ - ህበይ ምዃና ነይትቕይር” ከም ዝበሃል ምስላ ወለዲ እንድ ’ዩ። እዚ ህዝቢ ‘ዚ ከምቲ ኣብ ማዕዶ ኮይኖም ዝመዝንዎ ዘይኮነስ ለባም፡ መስተዉዓሊ፡ ምኩርን በዓል ዉራይን ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ።

 

ተሃድሶ፡- ልሙድ ኮይኑ ከም ቅቡል ‘ዉን ዝተወስደ፣ ኣግሂድና ብምትሕልላይ ወስ ወስ እንተ ‘በልናዮ እንታይሲ ምበለ። ሱቕ እንተ ‘ልካ ወዮ እንተ ተዛረብካ ‘ዉን ወዮ ደኣ ኮይኑ ‘ምበር፡ ዘይበሊ ናይ ቕንጸላ ጸደፍደፍ  መስረት መሪሕነት ዝብሉ ፖሊቲካዊ ቃላት መዓልታዊ መመዎል ኣፍ ነፍሲ-ወከፍ ኮይነን ንኣእላፋት ግዜ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዝደጋገማ ቆላሕታ ክፋል ተዘክሮን ምፍታግን ዝግበኤን ምልኩዓት መተዓብይቲ ዶ ኣይኮናን። ቅርጻኡ ዝሓዘ፡ ብጽፈት ዝተማእከለ ናይ መመላለሲ መስኖ፡ ኣብ ኤእዋኑ ተትብዖ መሳርሒ-ዕዮ፡ ደሪቑ ከይማጡግ ሰማይ ዝኣፉ ኣንቃዕሪሩ ናብ ሓደ ሸነኽ ዘድሃበ ጥራሕ ከይከዉን፣ ለምሊሙ ‘ዉን ተቖጽዩ ኣይ ንላዕሊ ኣይ ንታሕቲ ከይባኽን ሃየ ‘ባ ሃየ - መሰረተየ። ናይ ‘ዞም ክልተ ሓረጋት ዝምድናታት ናይ ናብ ስራሕ ምዉፋር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ዝያዳ ናይ ምጽብጻብ ዝምድና ምዃኑ ምርዳእ የድሊ።

 

ቆላሕታ፡- ብዘይ-ንሱ፡ “ጥቓ ነባዒት ዓይኒ ትኪ ኣይተቕርብ” እንድዩ፣ ንዝተጠርየ ሃገራዊ ዉህደት ቅድሚ ምዕዃኹ ፈንካሕካሕ ንምባሉ ዝግበር ጸዓታት፡ ነየናይ ዕላማ ንምርግጋጽ ‘ዩ? በዚ ይኹን በቲ እታ እንዛረበላ ዘሎና ሃገርና ኤርትራ ናይ ገዛእ-ርእሳ ዉረድ ደይብ ዝሓለፈቶም ሓጎጽጎጻት ስለ ዘለዉዋ፣ ጥንቃቐን ርትዕታትን ዘሰነዮም ኣላይ ንጹር ፖሊቲካዊ መምርሒ ምኽታል የድሊ።

 

ተስፋ፡- ዓዉ ‘ሉ ዝሕብር ናይ ድምጺ መቓልሕ፡ ወይ ደገፌታ ወይ ከኣ ነቔፌታ እንደኣሉ ዝወልድ። ተሓላሊኻ - ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ - ኮይኑ ክሳብ መዓስ እዩ። እዚ ባህሪ ‘ዚ ናይ ጭንቀት ዓፈና ዝፈጥር ሰበብ ኮይኑ፡ ነቲ ናይ ኣእምሮ ጽሮት ይፈታተኖ ጥራሕ ዘይኮነስ ማዕረ የበርዕኖን ናይ ተዘክሮ ዓቕምታትካ የላሕለሖን’ሞ፡ ብቑዕ ዉሳኔታት ኣብ ምዉሳን ኮነ ንቕድሚት ዘሰጉሙ ስርሒታት ናይ ምትላም ኣኻእሎኻ ይጎድም።

 

ተሃድሶ፡- ኣብ ክንዲ ናይ ጽብጽብ ስረሓት ኣተኣታቲኻ፡ ንሕጽረታትካ መፍትሒ ምንዳይ፣ “ሃየ’ሞ ኣንቱም ትነቕፉና መተካእታ ዉድብ ዘይ ትሰርሑ” እና ‘ልካ ናይ መሕብኢ ጎዳጉዲ ክትሰርሕ ህርድግ ምባል ተመሪጹ። መተካእታ ናይ ዝኾነ ይኹን ዕንቅፋት፡ ህዝብን ህዝባዊ ዕላማን ዶ ኣይኮነን? ጉዳም ናይ ለብዘበን ትያትሮ። ዘዓዉት ዉድብ፡ ብሃዉሪ ጠፋጢፍካ ዘይኮነስ መጽናዕቲ ዘሰነዮ ምስ ህዝብኻን መራሕትኻን ተላዚብካ እዩ። ከምኡ እንተ ዝኸዉን ነይሩ፡ ኣይሰኣና ሻሕ ኢለን ጫጪሔን ግልብጭ ተቖነንኩ ሽርበ ‘ባ ደገምኩ ዝብላ ዉድባት መዓስ ዉሒደን።

 

ቆላሕታ፡- እቲ ቀደምሲ፡ መዓንጣኡ ፈዘግዘግ ኢሉ ንጥፈታት ናይ ዉድብ ክጎድም፣ ኣንታ ‘ዞም መራሕትና መብረ ኣየድልዮምን ድዩ? ተባሂሉ ንኽሕተት ዝግበር ፈተነ ከዳቕቑ፡ “እነሄልኩም ዉሰዱዎ፡ ንሕና ደኣ ዝቕበለና ስኢና ‘ምበር መዓስ ደሊናዮ” ይበሃል ነይሩ። ሎሚ ኸኣ ሓዳስ ምህዞ፡ ንድኽመታትን መትከላዊ ግህሰታትን ክነቅፍ ፍሕትሕት ንዘለ ዜጋ “እሞ መተካእታ ዉድብ ዘይትፈጥር፣ ግበር ‘ሞ ንስዕበካ” እና ተባህለ፡ ማዕረ ‘ዉን ኣስማት እናዓደልካ ሕብርታት ክትለኻኺ ምፍታን ንቡር ናይ ገዛ-ገዛ ሕሹኽሹኽ ፖሊቲካ ኮይኑ ኣሎ።

 

ተስፋ፡- ኣጽደቕቱን ጸሓፍቱን ዘየሰከፎምሲ፡ ነቐፍቲ ክስከፉ ኢልካ ምሕላን ካበይ ዝተወርሰ ዉሕልና ‘ዩ? ኮነ ‘ልካ መስርሕ ናይ ታሪኽ ንምጉታት ኮነ ንምብርዓን ዝተሃንደሱ፣ ብዋዛ ዋዛ ባይታ ንምጥጣሕ ተባሂሉ ዝተሸኽለ ዘንጊ፡ ኣብ ልዕሊ “ኪዳን” ንህዝባዊ ክብርን ጠለብን ጥልመት ዘምዘነ ናይ ስክፍታ ኣሰር የዕሚቚ ‘ዩ።

 

ተሃድሶ፡- ንክዉንነት ከከም’ቲ ዘሎዎ ብህድኣትን ነጻን ሃገራዊ ሓላፍነት ተጸኒዑ፡ ብዕምቆተ-ጥልቀት ምርምር፡ ንዘላቒ ዉህደት ዘትከለ ናይ ሰላምን ፍሰሃን ጎደና ዝህንድስ ፖሊቲካዊ እምነተ መሰነይታ ምምርኳስ። ቅድሚ ዝኣገረ ኸኣ ናይ ዝሓለፈ ተመክሮኻ መሚኻን ነቒፍካን ናይ መበገሲ ዋልታኻን ዕጥቅኻን መሳርሒ ጌርካ ምዉሳድ ቅድመ-ተደላይነት ኣሎዎ። ካብዚ ቅዱስ ዕላማ ተፈንቲትካ እክብ እክብ፡ ኩምር ኩምር ኣቢልካ ናይ ደሞክራስያዉያን ምትእኽኻብ ክስራሕ ይከኣል ‘ዩ ኢልካ ምሕሳብ፡ መኣዝናቱ ዘጥፈኤ ናብ እትሕልኖ ተግባራዊ ሕልምታት ከብጻሓካ ኣይክእልን እዩ። እንተ ተፈቲኑ ኸኣ ምስ ክዉንነት ዘይተራኸበ ኣብ ወረቓቕቲ ተጻሒፉ ዝተርፍ ናይ ስነ-ጽሑፍ ቀንጀዉጀዉ ምዃኑ’ዩ።

 

“መሰልን ማዕርነትን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብመንገዲ ተግባራዊ ተሳትፎ ኣብ ዕብየት ማሕበራዉን ፖሊቲካዉን ዕዮታት ዘይተፍቅድ ኤርትራ - ምልእቲ ኤርትራ ክንብላ ኣይንኽእልን ኢና!!!”

ስዉእቲ ሓርበኛ ኣድሓነት ዓንዱ ! ! !

 

  

    ኤረና..ኤረየ

 

 

 

ቆላሕታ፡-

ነዓኺ ምሕላቕ - ንዉልቀ መዓስ ኮይኑ

ንእስነትና ዝበልዔ - ቃልስና ማሲኑ።

 

መንሽሮ ኮይኑ ‘ሎ - ኣቐዲሙ ዝተኣደነ

መድሃኒት ነይብሉ - ኮነይ ‘ሉ ዝቐነነ።

 

ወይ ምሳና - ወይ ከኣ ምስቲኦም

ዘይ ለባም ቀንጻሊ - ዘይብሉ ቀላዕለም።

 

ፈላላዩ ሕልና - ነገር ዝጽሕትሩ

ጽበት ዝዓብሎኾም - ጉዳይ ሃገር ቦዂሩ።

 

ብድሕረት ዝተሓለኸ - መሓዉሩ ተቐይዱ

ዘመናዊ ራእይ ዝሓረሞ - ኮይኑዎ ዓቢዱ።

 

ሕሉፍ ሓሊፉካ - ንህዝቢ ምኹናን

ተስፋ ዝቖረጸ - ናይ ለብዘበን ዕብዳን።

 

መን’ዩ ዝኸሰሰ - መ’ዩ ኸ’ታ ዝኽሰስ

ታሪኽ ጀጋኑና - ንበሎም እስከ ሃሰስ።

 

ሕማም ተላገብ - ቅርሕንቲ ዘካዉስ

ክላ ግዳ ተኣለ - ናይ ሽግራት መሃንድስ።

 

ባዕልኽን ኣምጻኢት - ባዕልኽን ከ መጥፍኢት

ዓገብ ንዝበሉስ - ንሕስያ ዘይብሉ ርግሒት።

 

ክብርን ምክብባርን - ንማሕበራዊ ኣቃዉማና

ፎእ፤ ኣይፋል ንምግዝዛዕ - ጸረ ሓድነትና።

 

ንኡስ ወለዶና - ናይ ሐድነት ተስፋ

ተዓጠቕ ተሸብሸብ - መን ኣልዩዎ ሓለፋ።

 

ናባኻዩ ኮርዒዳ - ሕሉብና ንጹፍና

ዓቕምና ንሳ ‘ያ - ኣይትጸበ ካባና።

 

ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና !!!           ነጸረ ተወልደመድህን - ለንደን - 09-09-2006

    


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com