ዜናዊ ጸብጻብ፤

 

ዕዉት በዓል ዝኽሪ ሓደ መስከረም ኣብ ኖርወይ

 (ብወልደስላሴ ዑ. ተስፋይ 03.09.2006)

 

ትማሊ ቀዳም 2 መስከረም 2006 ብደንበ ’’መጋባእያ ተቓወመቲ ሓይልታት አርትራ አብ ኖርወይ’’ ዝተሰላሰለ ሰፊሕ በዓል ዝኽሪ ሓደ መስከረም፤ ኣብ ከተማ ኦስሎ፣ ሃገር ኖርወይ ብዓቢ ድምቀት ከቢሩ ውዒሉ።

ኣዳለውቲ ናይዚ ተሪኻዊ ናይ ዝኽሪ በዓል’ዚ ድማ፡

1.     ሕብረት አርትራውያን ኣብ ኖርወይ - ሲቪካዊ ማሕበር፣

2.     አርትራዊ ዲሞከራስያዊ ሰልፊ፣

3.     ተ.ሓ.አ. ሰውራዊ ባይቶ፣

4.     ሓያሎ ምሁራትን ግዱሳት ውልቀሰባት ሃገራውንን ነበሩ።

 

እዚ ታሪኻዊ መዓልቲ እዚ፣ ብሓደ ወገን፣ ሃገርና አርትራ ኣብ መዐቀኒ ዘይብሉ ድቕድቕ ጸልማት አትያ፣ ህብና ብስእነተ- ሰላም፣ ብስእነተ-ሰብኣዊ መሰል፣ ብስእነተ-እምነታዊ ነጻነት፣ ብስእነት-ኣእምራዊ ነጻነት፣ ብሕማም፣ ብጥሜትን ብድንቁረናን ብዝለዓለ ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ እዋን፤ በቲ ሓደ ወገን ድማ ደንበ ተቓወምቲ ሓይልታት፣ ነዚ ሀዝብና ወሪድዎ ዘሎ፣ ናብ ጭራሽ ብርሰት ዘምርሕ መዓት ተረዲአን፣ እቲ ነዚ ንምምካት ዘብቅዐን፣ ናይ ሓድነተን ኣድላይነት ብዕዙዝ ተገንዚበን፣ ንጉባአታተን ናብ መንገዲ ሓድነት ዝመርሕ መስርሕ ንምርግጋጽ ኣብ ዘተኩራሉ ዘለዋ እዋን ዝብዕል ዘሎ ብምዃኑ፤ ንስምዒታት ተሳተፍቲ ዓቢ ሕልናዊ ተልእኾ ዘመሓላለፈን: ብፍሉይነት ዝምዘንን በዓል እዩ ነይሩ።

 

እዚ ከም መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዘቢ አርትራ ኣብ ሃገረ-ኖርወይ ከቢሩ ዝውዓለ ታሪኻዊ ብዓልቲ’ዚ፣ 80% ተሳተፍቱ፣ ብሳልሳይ ወለዶ ናይቲ ቃልሲ ዝግለጹ መንእሰያት ብምንባሮም፣ እዚ ንድምቀቱ ይኹን ንፍልይነቱ ዓብን ታሪኻውን ባህርያትን መልክዕን ሂብዎ እዩ ውዒሉ።

 

እዚ ብዝኽሪ ስውአት ተኸፊቱ፣ ዕሙር መግቢ ብምስሳይ ዝጀመረ በዓል’ዚ፣ ድሕሪ እቲ ብናይ ነፍሲ ወከፍ ወኪል አዳለውቲ፣ ነቲ በዓል ዝምለከት ቃል ምስማዕን፤ ናይ ምይይጥ/ሕቶን መልስን/ መድረኽ ምክያድን፣ ናብ ባህላዊ ጸወታ ብምእታው፤ ንባህልታትን ልምድታትነ ሃገርና ብምኽባር፤ ብፍጹም ዓወትን ድምቀትን ተዛዘመ።

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ አርትራ፣

ዝኽርን ክብር ንጀጋኑ ስውአትና፣

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com