|
ሰሚናር ኣብ
መደበር ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፤
ክፉት ህዝባዊ
ኣኼባ ኣብ መደበር ስደተኛታት ሺመልባ
ቤት ጽሕፈት
ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ
ባይቶ
29.09.2006
ብጻይ
መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ሓላፊ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ካብ 7-17 መስከረም 2006 ሰሚናር
ኣብ መደበር ሰራዊት ሓርነት ኣካይዱ። ኣብ’ዚ ንዓሰርተ መዓልታት ዝተኻየደ ሰሚናር’ዚ፡ ብጻይ መሓመድ ዓሊ ውጽኢት
6ይ ዕዉት ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ብሰፊሑ ኣብሪሁ። ከምኡ ውን፡ ሰውራና ካብ 1961-91 ዝሓለፎም
መድረኻት፡ ዘጋጠምዎ ብድሆታትን ዘመዝገቦም ዓወታትን ዝተራእየ ኣሉታታትን ብዝርዝር ኣስተምህሮ ሂቡ።
ከምኡ
ውን፡ ብ28 መስከረም 2006 ክፉት ኣኼባ ናይ’ቶም ኣብ መደበር ሺመልባ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ዘለዉ ስደተኛታት
ኣካይዱ። ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ውን፡ ብዛዕባ ውጽኢት 6ይ ሃገራዊ ጕባኤን፤ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ብተሓኤ ሰውራዊ
ባይቶን ሰልፊ ዲሞክራስን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ዝተኻየደ ኣኼባን ኣብ ህዝቢ ዘሕደሮ ኣዎንታዊ ጽልዋን ኣስፊሑ
ገሊጹ።
ብጻይ
መሓመድ ዓሊ፡ መግለጺኡ ድሕሪ ምዝዛም ካብ ኣኼበኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶታት መሊሱን፤ ንርእይቶታቶምን ለበዋታቶምን
ሰሚዑን። ኣኼበኛታት በቲ ዝተዋህቦም መግለጽን መብርህን ሕጉሳት ከምዝነበሩን፤ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሰሚናራት ብቐጻልነት
ክካየድ ከምዝጠለቡን ካብ’ቲ ቦታ’ቲ ዝመጸና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
|