ስማዕ እስኪ ወድማና
ጽዕነት እኮ ከቢድና
ንብሎኮ ጠፊኡና
ኤረ እንታይ ኢና ገርና
ክንዲ እሺ ዝበልና
ንስከም ዝጸዓኑና
ንሰምዕ ዝበሉና
ንገብር ዝኣዘዙና
ኤረ ሎምስ ዞምጎይቶትና
ታይግበር እብሉና
ክልተ ካብ ሚእቲ እናከፈልና
መርየት ሂቦም የሕዲጎሙና
ዘርምዞርሞ ተሪፉ ግገዛውትና
ንነዳቆ ኣሲሮሞም ነዓናከ ታይኮን እብሉና
ገና ኣይተወደኤን ሓጥያና
ኣበይ ኣሽሪፍኩሞ ገንዘብኩም እኻብሉና
እንታይ ኢና ክንገብር ጽብጻብ ግበሩ ተበሉና
ደር ጠፊእና ጠፊእና
ካብዚ ዘለናዮ ፍርህን ራዕድንሲ ምቅዋም እኻምሓሸና
ምስ ጠረጥካ እግሪእከብ
ምስ ሰሓትካ ምክሪርከብ
ዓገብ ዓገብ ዓገብ
ተጋጊና ድርግም ኢልናዮ ከይሓሰብና
ግራት
ሰብ መንጢሉ ደይኮነን ሂቡና
ሕጂዶ ይሓይሺ ላማ
ዊሒጥና
ተተፋእናያ ትሓርደና
ተሓራእ ናያ
ትቆርጸና
ካባና የድሕንኩም ጸገም ረኪብና
ኣጋጊና እንድዩ
ኣጋጊና
ባዕሉ ዝወድቅ
ስርዓት ያኢ ዝነብር መሲሉና
እነናልኮም ጭንቀት
ሒዙና
ከይነሳፍሕ ተኮርሚና
ከንዛረብ ተሎጊምና
ከይንሓሚ ፈሪህና
ገሊኦም ከየብጹሑልና
እነናልኩም ብስጭት
ነፊሑና
ከይንትኮስ እክደነና
ባዕልና ዲና ባዕልና
ኣብ መጻወድያ ኣቲና
ዋይ ኣነ ተቀርቂርና
ስማዕ እስኪ ዛህላይ
ዓያሹ ኮናምበር በዓል ዛህላይ ማህላይ
ምልላይ ሲኢናዮ ነዚ ተመን መንደላይ
ጎራሓትስምበር
ኣለልዮሞ
ምሕረት ከምዘይብሉ
ፈሊጦሞ
መርዛም ተመን ኣጻምእ ህግድፍ
መቃልስቱ ብጾቱካ ዘይገድፍ
ኣሲሩ ንዓራዒሮ ዝጽድፍ
ካብዚ ዲና ምሕረት
ክንጽበ
ካልእ መንገዲ
ደኣንድለ ዓበ
ገ ክብሉካዶ ትጋገ
ኣምላክ እምሓርኩም ካብ ብገንዘቡ ጽልኢ ዝዓደገ
ህሉው
ዕላላዊ ኩነታት ህግደፋውያን እዩ
ዲክታተር እቅንምበር ኣይነብርን
በትሪ ሓቂ ትቀጥን እምበር ኣይትስበርን
ሃገር ብሕጊምበር ብሰብ ኣይትምራሕን
ተስፋልደት/ገ/ስ