Nharnet Articles/Opinions

     

    

ዳስሓውያ

በዓል ጀና ድርግም

በዓል ጅህንብ ድርግም

ዝወጽእ የለን ብጀካዝኣቱ

ዝሓውዪ የለን ብጀካ ዝመቱ

እዚ ጨካን ጅርገደላ ነኮታቱ ኣጽኒቱ

ገብሪሄት ዕዉር ጥራይ ተሪፉ ተባላሒቱ 

ንጛሉ ኣውሲቡ ኣምሊሱ ዓልየቱ

ሎሚከኣ መጸትና ዳስሓውያ

ተጠውያ ተጣዋውያ

ሽም ቀይራ ዓራዒሮ

ዝብለላ ሲኢና ዓረን ግራሮ

ርግምቲ ሸላ

ምሕረት ዘይብላ

መእተዊምበር መውጺኢ ዘይብላ

ጸባብ ጉድጛድ ዘይቲ ጋማጠለላ

ናይ ህሉዋት ጀሃነብ ዊዒልካ ትሓድረላ

ህልዋትን ምዉታትን ዘይልለዩላ

ዓደቦ ዘይንገብር ዋዕላ

ዘይንመክር ሃገር ነድሕነላ

እዚ ገልገል ኣይጸዓድን ደይሉ

ሕጊ ንግበር ልጛም ንምለሰሉ

ኣይግራሕን  ተይሉ

ኮርማጅ ገርና ሸጥ ሸጥ ነብለሉ

እዚ ተዘይ ገርና

ኣብኣ ትረክበና

በብ መዓልትና

ንዳስ ሓውያ ኩልና

የለን ዝተርፈና

      ብጻይካ ክላጸ ጭሕምካ ማይልከ

    ዘይተርፈካ ኣይተውደክድከ

 

ካብ ምውታትሲ ህሉዋት ከፊኡና

ሲኢና ቅሳነት ሕልና

 

ክብርን ዝክርን ንስውኣት

ሕግን መሰልን ንህሉዋት

 

ተስፋልደት /ገ/ስ

    


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com