Nharnet Articles/Opinions

     

        

                                 26-04-2007 ዓ.ም

       ንጽባሕ ከይበልኩም ሎሚ ሕሰብሉ

        መዓልቲውን ኣሎ ፍርዲ ትቐርብሉ

       ዝኽሪ ንጀጋኑ እሱራት ኤርትራውያን

       ብኣፈወርቂ ኣባይ ሃገረ ጀርመን

 

  ውጽዕቲ  ሃገርና ኣብኣ ዝወረደ

  ብጽዕጹዕ መግዛእቲ ህዝባ ነይተጻዕደ

 

  ወጊድ ንመግዛእቲ ሰውራ ኣበጊሱ

  ኣብ ሰላሳ ዓመት ሕቶኡ መሊሱ

 

  ብኽንደይ ሓርጐጽጐጽ ኣብ ሰላሳ ዓመት

  ማእሰርትን መስዋእትን ከመይ ኢልካ ክግመት

 

  መስዋእቲ ከም ዘሎ ሰውራ ጀሚርዎ

  ኵሉ እንዳፈለጠ ብድልየት ኣትይዎ

 

  ብስቓይ ብጥምየት ምእንቲ ሃገሩ

   ጸላኢ ኣውጺኡ ሰላም ንሓዋሩ

 

  ድሕሪ ምርብራብ ረኺብዋ ዓወት

  ንህዝቡን ሃገሩን ኣምጺኡ ነጻነት

 

  ብኽንደይ ሕልኽልኽ ዓመታት ነዊሑ

  ዕጥቁ ቀጥ ኣቢሉ ኣብ ሓራ በጺሑ

 

   ጸላኢ ትሃርም ንስኻ ትህረም ናይ ቃልሲ መስርሕ

   ገሌኻ ትስዋእ ጌሌኻ ትስንክል ገሌኻ ትጸንሕ

   ድሕሪ ብዙሕ ጸዓት ኣብ ዓወት ትበጽሕ

  

   ገዛኢውን ኣኪቡ  ብዙሓት እሱራት

   ካብ ዘለዉ ወጺኦም ብጀጋኑ ሙኩራት

  

    መስዋእቲ ውሒጡ ተጐምጊሙ ሓቦ

   ንሕሉፍ ረሲዑ ንነጻነት ተረኽቦ

 

    ንደርጊ ኣፋንዩ ዓሪፈ እንተበለ

   ንሃገር ዝሳቒ ናይ ሃገር ጐብለለ

   ብመርዛም ፖለቲካ ህዝቢ ዘታለለ

 

  ሓዲሽ ኣይነበረን ካብ ሰውራ ጀሚሩ

  ኣብ ስልጣን ደየበ ዝገበረ ገይሩ

 

  ኢሳያስ እዩ ባዕሉ ነጻነት ዘምጸኤ

  ህዝቢ ተኻሒዱ ደቁ ዘሰወኤ

 

  ናይ ሎሚ ዘይኮነ እዚ ኵሉ ስሰዔ

  ክመጽእ ጸኒሑ ምሁራት እንዳበልዔ

 

  ክቃለስ ዝወጸ ምሁር ዩኒቨርሲቲ

  ሰውራ ንኼዔሪ ዝሃበ ትምህርቲ

  ገለ ብቕንጸላ ገለ ብማእሰርቲ

 

  ካብ ሰውራ ጀሚሩ ንሳ ኢያ ኣመሉ

  ዝቃወም ዘበለ ጉድጓድ ኢያ ሰፈሩ

 

  ብስለላ መርበብ እንታይ ዘይገብር

  ኣብ ጐረቤት ሃገር ይቕንጽል ይኣስር

 

  ዝረኣዮ የለን ብኣካል ንሰይጣን

  እከይ ንኽገብር ሰኺሩ ብስልጣን

 

  ስዉኣት ክሒዱ ክንድዚ ይነብሕ

  ንዕቀት ህዝቢ ኢዩ ኣብ ምንታይ ከይበጽሕ

 

  ኣብ ገዛእ ሃገርካ ንምንታይ ማእሰርቲ

  ኣብ ፍርዲ ቀሪቦም ዘይርከቦም ሕፍቲ

 

  ናይ ሎሚ ማእሰርቲ ንምንታይ ምኽንያት

  ስልጣንካ ክትሕሉ ንህዝቢ ስቅያት

 

  እልል ተሓሪሙ እንተርፎ ንኣውያት

  ኢሳያስን ኰራኩሩን ናይ ሽበራ ነብያት

 

  መራሕቲ ይኹኑ ኵሎም ጋዜጠኛ

  ሸላ ተዳጊኖም ልክዕ ከም መጽዓኛ

 

  ንገመል ሰሪቕካስ ትብል ጉምብሕ ጉምብሕ

  ዲሞክራስያ እንተ ሰሚዑ ብዙሕ ዩ ዝፈርሕ

 

   

  ምንቅስቓስ ኣልቦ ኣፍውን ከይትዛረብ

  ሃገር ተወሪሳ ብስለላ መርበብ

 

  ብስለላ መርበቡ መሬት ወኒንዎ

  ትካላት ቁጠባ ንኸምኡ ኣውዒልዎ

 

  ህዝቢ ተሸጊሩ ትዕግስቱ ወዲኡ

  ብሒም እንተበለ ማእሰርቲ ዕዳኡ

 

  ኰራኩር ናይ ህግዲፍ ቁሩብ ዘይማሃሩ

  ብዘይ ሓደ ገበን ወለዲ እንዳተኣስሩ

 

  ዓዲ ዲምክራሲ ኣንዳተቐመጡ

  ሰላም ኣሎ ዓዲ ይብሉ ኵሉ እንዳፈለጡ

 

  ሞራሎም ገንዘቦም ቀደም ተዘሪፎም

  መንግስትና ጥራይ ይብሉ ጸማም ሓደ ደርፎም

 

   ጉርማጅ ናይ ጐይተኦም ነዊሕ ኢዩ ጫፉ

   ወጻኢ ኰለዉ ብማዕዶ ተገርፉ

 

  መርዛም ፖለቲካ ገይርሎም ስንብራት

  ኣብ ዝኸዱ ከይዶም ብመቑሕ እሱራት

 

   ኣብ ኤርትራ ዝነብር ኵሉ ተቐማጦ

   ንእኩይ ተግባራቶም የሎን ዘይፈልጦ

 

   ሃገር ብምልኡ እሱር እዩ ብዅሉ

   ኣብ ወጻኢ ኰንኩም ሃገር ተታልሉ

   ህዝቢ እንተሃሰኹም እንታይ ትረኽብሉ

   መዓልቲውን ኣሎ ፍርዲ ትቐርብሉ

 

   ሰላምን ፍትሕን ንኽሰፍን

   ህዝቢ ስልጣኑ ንኽውንን

   ዲክታተራዊ ስልጣን ንኽበንን

   ብሓባር ንቃለስ ርእስና ኣይነድንን

 

    ክብረን ዝኽርን ንስዉኣትና

    ሰላምን ቅሳነትን ንህዝብና

    መቑሕ ጸላኢ ይስበረልና


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com