|
||
|
|
||
|
ኩሉ ዓቅምና ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዓብዱልኻልቕ መሓመድ 16/4/2007
ቃልሲ ዝተፈላለየ ገጻትን ኣገባባትን ስልትን ኣለዎ።። ኩሎም ኣህዛብ ውን ኣብ ርአስ'ቲ ኣብ ቐጥታውን ግብራውን ፖለቲካዊ ግጥም ዘሎዎም ውሁብ ዓቅሚ ቃልሲ። ዝተፈላለየ ውርሻን። ተሞኩሮታትን።ባህልን ልምድን ናይ ቃልሲ አውን ኣለዎም።።ሓደ ኣብ ትሕቲ ጭኮና ተረጊጹ ዝነብር ተቃላሳይ ህዝቢ። ኣብቲ ናብ ሓደ ፖለቲካዊ ውሳኔኡን ዲሞክራሲያዊ መሰላቱን ዝውንን ህዝቢ ንምኻን ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ዘካይዶ ፊትሓዊ ቃልሱ ድማ። ነዞም ዝተተቅሱ ውሁባት ይኹኑ ዝተጠርዩ ዓቅምታት ቃልሲ። ምስ ኩሉ ዓቅሙ ብዝሳነየሉ መንገዲ። ንረብሓ ቃልሱ ከውዕሎም ይኸአል አዩ።። ምስዚ ድማ ሓፈሻዊ ኩነታትን። ተረኽቦታትን። ፖለቲካዊ ዓቅሙን ኣተሓሳስብኡን። ፍልጠቱን። ባህሉን። ቁጠባኡን። ጅኦግራፊካዊ ኣቀማምጣኡን። አስትራተጂካዊ ኣገዳስነቱን ንቃልሱ ብዝድግፍሉ መንገዲታት አና ኣናደየ ክጥቀመሎም ይግባአ።። ነዚ ኩሉ ዝተጠቅሰ ዓቅምታት አንተተጠቂሙሉ ድሕሪኡ ድማ። ኣብ ምድላይን ምፍጣርን ሕደስቲ ተመሳሳሊ ዓቅምታት አንተነጥፉ። ካብቲ ዝዳህሰሶ ዝመንጨወ ረብሓ ድማ ደረጅኡ ክብ አናብበለ ይኸይድ።። ግቡአ ኣጠቃቅማ ናይ'ቲ ዘሎ ዓቅምታት ከኣ ኣብ ምምዕባሉ ሓጋዚ ምኻኑ ዝሰሓት ኣይኮነን።። ኣብዚ ሕጥበ-ጽሑፍ'ዚ ድማ። በቲ ሓደ ሽነኽ ንዘለና ዕቅምታት ንኽነዘኻኽርን። ብኸመይ ብግቡአ ክንጥቀመሎም ክምዘለናን። በቲ ኻልአ ሽነኽ ድማ ከመይ ጌርና ነዚ ተበታቲኑ ዘሎ ሓይሊ ተቃውሞ ኣብ ሓደ ንአክቦን። ከነብርህ ፈቲና ኣለና።። አዚ ተበግሶ አዚ ድማ ክሳብ አቲ ክንገብሮ ዝግባኣና ንገብርን ክንበጽሖ ዝግበኣና ቦታ ንበጽሕን ከይተሓለልና ክንቅጽሎ ይግባአ።። አዚ ክንገብር ግና። ካላኣዊ ፖለቲካዊ ፊልልያትና። ሓብርና ንምስራሕን ንምውፋይ ኩሉ ዘለና ዓቅሚን። ክጋርደና ከምዘይብሉ ክንርዳአ ይግባአ።። ካብ ዝለኒ አምነት ብምብጋስ ድማ። ካብ ዘለና ዓቅምታት ክንጥቀም ከም አንኽአል ርግጸኛ አየ።። ብሰንኪ ካልኣዊ ፖለቲካዊ ፊልልያትና። ረስዕናዮ ከይተጠቀምናሉ ክንሓልፍ ምፍታን ድማ። ንህዝብና ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ዓዘቅቲ ክንሽሞ ምኻናን። በቲ ኻልአ ውን ኣብ መስሪሕ ዓወትን። ምምላስ ናይቲ ኩሉ ዝተቀንጠጠ መሰላት ህዝብናን ዝነውሐ መንገዲ ምምራጽ ምኻኑ ክንዝንግዕ ኣይግባአን።። ንቃልሲ ህዝብና ኣብዚ መድረኽ'ዚ ፍሉይ ዝገብሮ። ብሱል ዝኾነ ነገራውን። ሰብኣውን ባዕላዊ ዓቅሚ ስለዝውንን አዩ።። ንረብሓና'ዩ ውን ነዚ ኹሉ ዕቅምታት ብሃገራውን። ዞባውን ኣህጉራውን መለክዒታት መሚና ብምስፋር። ኣብቲ ኣንጻር ድክታቶራዊ ስርዓት ኣስመራ አነካይዶ ፊትሓዊ ቃልስና። ምሉአ ብምሉአ ክንጥቀመሉ ምፍታን።። ነዚ ኩሉ ዓቅምታት ምስ ኩሉ ዓይነታቱ ብግቡአ አንተተጠቅምናሉ ኸኣ። ብውሑድ ክሳራን መስዋአትን። ብዝሓጸረ መንገድን ዓወት ከም አነመዝግብ ርግጸኛ አየ። ድሕሩ ዝመጸ ምዕባለታት። ኣብ ዛዕባ ምምራጽ መርሕነትን። ኣመራርጻ ኣገባብ-ቃልስን። ሓድነት ወተሃደራዊ ክንፊታት ተቃውሞን። ፍልልያት ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ውድባት ንኽፍጠር ክዉን ገሪዎ ይርከብ።። ካብ ሕሉፍ ተመኩሮ ቃልሲ ካልኦት ኣህዛብን። ጥብቅ ዝበለ ተረድኦ ዕቅምታት ህዝብናን። ብዝመንጨወ ተረድኦ ድማ። ኣገባብ ኣቀላልሳን ኣወዳድባን መድረኻት ናይ ቃልሲ ሜዳ ዝወስኖ ምኻኑ ክንኣምን ይግባአ፣ ኣብ ክውንነት ሜዳና ዝፍጠር ምዕባሌታት ድማ ተንቀሳቅሱ ምስኡ የንቀሳቅሰና፣ ማለት'ሲ። ምንቅስቃሳትና( ክንስጉም ይኹን ንድሕሪት ክንምለስ) ንሕዞ ኣንፈትን: ብ'ኣብ ሜዳ ብዝካየድ ቁሩቅስ ቃስልሲ'ዩ ዝውሰን፣ ኣብዚ አዋን'ዚ ኸኣ'ዩ። ምስ መድረኽ ቃልሲ ብዝዛመደሉ ኣገባብ ዓቅሚ ሰብና ኣማዕብልና። ካብ መደረኽ ናብ መድረኽ ድማ። ንነገራት ከከም ኣገዳስነቶም። ክንጥቀመሎም ዝግበኣና፣ አዚ ድማ ኣብ ኩሉ መድረኻት ቃልሲ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ አቲ ዕጽፍታት ናትና ኣብ ንዋትን ሓይሊ-ብረትን ዝውንን። ግንከ'ኣ ኣብቲ ዘካይዶ ፍሹል ኩናቱ ሞራልውን ፊትሓውን ሓይሊ ዘይውንን ዲክታቶራዊ ስርዓት ኣስመራ። ንምውዳቅ ክንጥቀመሉ ይግባአ፣ ንዘሎ ጸገማትን ፍልልያትን ኣብ መንጎና መፍትሒ ክነናዲ አንተበቅዕና። መድረኽ ዝጠልቦ ጠለባት አንተማልአና: ንዘለንና ዕቅምታትን ራኢን ንህዝብና ብቀጥታ ብመንገዲ ቅኑዕን አሙንን ዜናዊ ኣጎልጉሎት። አነተኣብሪህና። ካብ ገጥምና ዘሎ ሽግራት ተጋላግልና። ኣብ ጎደና ዓወት ብዘተኣማምን ስጉምቲ ከም'አነሳጉም ዘጠራጥር ኣይኮነን፣ ህዝብና ዝውንኖ ኽዙን ይኹን ውህሉል ባዕላዊ ውሽጣዊ ዓቅምታት ኣለና። ዝበዝሐ ካብ'ዚ ግን ክሳብ ሕጂ። ዳርጋ ድንግል አዩ ዘሎ ኣይተጠቀምናሉን ክበሃል ይከኣል፣ ወይ ውን። ክንድህስሶ ስለ ዘይተበገስና። ኣገዳስነት ናይ'ዚ ጥቅምታት'ዚ ውን ተሰውሩና ክህሉ ይኸአል አዩ፣ ብተመሳሳሊ። ነቲ ዘሎ ዓቅምታት ንምኽዕባትን ህዝብና ተወሳኺ ዞባውን ኣህጉራውን ዓቅምታት(ንቃልሱ ዝድግፉ) ንኽውንን። ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን መድረኻት ኣብ ምድህሳስ ክንነጥፍ ይግባአ፣ ኩሎም ኣብዚ ዞባውን ኣህጉራውን ሜዳታት ደገፍ ንቃልሲ ህዝብና ንምድላይ ተጸሚዶም ዝነጥፉ ፖለቲካውያን ውድባት ይኹኑ። ሲቪካውያን ማሕበራት። ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ድማ። ኣብ ምጽላውን ምኽሳብን ምስፋሕ ደገፍቲ ህዝብና ኣብ ምውዳቕ ዲክታቶራዊ ሲርዓት ኣስመራን ምቓም ስርዓተ ሕጋዊት ሃገርን። ዓብን ወሳንን ተራ ክጻወቱ ይግባአ፣ ብተወሳኺ ክነለልዮ ዝግበኣና ጉዳያት ከኣ። ዓቅምን ጽልዋን ንይዚ ሸነኻትን ከምኡ ውን ምስኣተን። ኣብዚ ኣብ ኪሊ ሓባራዊ ጠቅሚ ዘራኽበና ጉዳይ ደሞክራሲያዊ መሰልናን ብዉሕልልነትን ብነፍሰ-ተኣማንነትን ርኢና። ብሓደ ሸነኽ። ካብኣቶም ንደሊ ክሳብ ዝኾና ካባና ከምዝደልዩ ውን ከም ምኻኖም ክንፈልጥ ይግባአ፣ በቲ ካልአ ሸነኽ ውን። አዚ ንሉአላውነትና ብዘየጉድልን ብዘይጥሕስን መንገዲ ክንጥቀመሉ ይግባአ፣ ኣብዚ ክበሃል ዝከኣል። ብሄራት ተጠርኒፈን ክነብራን ሃገር ክምስርታን። ንድሕነት ሃገረን ሓብረን ኪሰርሓን ዘብቅዐ ቀዳማይ ዲሪኺት። ሓባራዊ ጠቅሚ አዩ፣ ብመሰረት ከኣ። ሓባራዊ ጠቅሚ አምነ-መሰረት ናይ ኩሉ ውሽጣዊ ልፍንትነትን ምሕዝነትን ውህደትን። ኣብ መንጎ ደቂ-ሰባትን አንስሳታትን አዩ፣ ሓባራዊ ረብሓ ውን አዩ ሎሚ ንኣመሪካውን ዓረባውን (ቡሽን-ማሊክን) ኣተኣሳስሩ ዘራኸቦም፣ አዚ ውን ኣብ መድረኽ ኣህጉራዊ ፖለቲካ ዓለምና። ከም ጸሓይ ደሚቁ ዝረአ ዘሎን። ንምርግጋጹ ጭብጥታት ዘድልዮ ጉዳይ ከምዘይኮነ ውን ኩሉ ዝፈልጦ አዩ፣ ሓባራዊ ጠቅሚ ክንብል አንከለና ብናትና ተረድኦ። ውልቃውን ውድባውን ዘይምሉአን ረብሓ ዘይኮነስ። አንታይ ደኣ። አቲ ኣብ ህሉው መድረኽ ፊትሓዊ ድሞክራሲያዊ ቃልስና። ቀዳማይ ቦታ ዝሕዝን ንኹሉ ዓይነት ረብሓታት ዝቅድምን። ናይ ህዝብን ሃገርን ረብሓ አዩ፣ ኣብዚ ሕጥበ-ጽሑፍና ድማ ብምሉአ አምነትና ንኹሎም ኤርትራውያን። ብዘይ ጾታዊ ኣፈላላይ። ኣብ ጉዳይ ምጽናዕን ምምማይን ደረጃ ሓይሊ ዓቅምታትና። ርኡይ ድኽመታት ስለዘሎና ሓላፍነት ዝስመዖምን ሓላፍነት ክወስዱ ዝግበኦምን። መጽናዕትን ምርምርን የድልየና ከምዘሎ ክንዝንግዕ ኣይግባአን። ክንብል ንፈቱ፣ አዚ ኸኣ። ከምቲ ኣብ ሃገራውን። ዞባውን። ኣህጉራውን ሜዳታት። ደገፍ ንምርካብን ጽልዋ ንምሕዳርን። ንጡፍ ዝኾነ ማዕከናት ዜናን። ፖለቲካውያን ውድባትን። ዘድልየና። ኣድላይነት መጽናዕትን ምርምርን ከኣ ካብዚ ፈሊኻ ዝርአ ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ። ካብ ዘካየድናዮ ዕዉት መጽናዕቲ አንሓፍሶ ውጽኢት። ንኣካደምያዊ ፖለቲካዊ ስራሓትና ዘማዕብል ኣብርአሲ ምኻኑ ኣንጻር ዲክታቶራዊ ስርዓት ኣስመራ። ነአነካይዶ ቃልሲ ውን ሓጋዚ አዩ፣ ኣብ መወዳአታ ናይ'ዛ ሕጥበ-ጽሑፍና ድማ። ሓንቲ ኣገዳሲት ተወሳኺት ነጥቢ ክንውስኽ ፈቲና ኣለና፣ ንሳ ኽኣ። ኩሉ አንገጥሞን አነንብቦን ግጥምታትን። ኩሉ አንዝይሞ ደርፊታትን አንስአሎን አንቀርጾን ሓሳባትን ርአይቶታትን። ኩሉ ንምአንቲ ቀንዲ ዕላማና ዝኾነ ናይ ኩላትና። ንረብሓ ሃገርናን ህዝብናን ክነፍስሶ ይግባአ፣ አዚ ኩሉ አነካይዶ ቃልሲ ድማ ኣብቲ ቀንዲ ዕላማና ንምብጻሕ አዩ፣ ንሱ ኸኣ ናይኩላትና ክሪስትያንና ምስ ኣስላምና። መታሕትና ምስ ከበሳና። ቀቢላታትና ምስ ብሄራትና። ደርቢታትና ምስ ሕብረተሰብኣዊ ጉጅለታትና። ውድባትና ምስ ሰልፊታትናን ምስ ሲቪካዊያን ማሕበራትናን። ዕላማና ድሕነት ህዝብን ሃገርን አዩ፣ ስለዚ ድማ ኩሉ ዓቅምናን ዘለና ዝምድናታትን። ባዕላዊን ዝተጥርየን ዓቅምታትናን። " ኩሉ ንምአንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ክነውዕሎ ይግባአ"።። አዚ ድማ መድረኻዊ ጭርሖና ክኸውን ኣለዎ፣ ነዚ ሓባራዊ ዕላማ'ዚ ኣስፊሑ ንዘይጥምቶ ውድብ ይኹን ውልቀሰብ ድማ ሕድገታት ክንገብርን ሽለል ክንብሎን ኣይግባኣናን።። ከምዚ አንተገርና ኸኣ። በቲ ሓደ ሽነኽ ሜዳ ቃልስና ከመአነጽሪን። በቲ ኻልአ ሽነኽ ድማ። ነቶም ኣንፈት ቃልሲ ናብ ዘይተደልየ ኣንፈት ክጨውዩ ዝደልዩን። ሕሉፍ ታሪኽ ሰውራና ክጥምዝዙ ዝህቅኑን። ብመጻኢ ዕድል ህዝብና ክጻወቱ ዝደልዩን ባአታታት። ኣብ መድረኽ ቃልሲ ተቃልዖም ከም ዝአለዩ ውን ክንገብሮም ክንክአል ኢና፣
ሕጂ ውን ኩሉ ዓቅምና ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ይውዓል!!!!!!!!!!!!!
ካብ ዓብድልኻልቅ መሕመድ
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|