Nharnet Articles/Opinions

     

        

·         ብሓባር ይገጠም ጸበባ ሃገር : ጭቆናንን ወገንነትን ከይተኽሉ መንበር

 

·         ኤርትራዊት መሬት ሓንትን ዝለዓለትን ተፈጥሮአዊት ሃብቲ ህዝባ እያ ።

 

·         እዛ መሬት እዚአ : ንኹሎም ኤርትራዉያን እትብጻሕ ርስቲ ብምኻና : ዉሉዳ ኩሎምን ኩለንን :  ብፍቕሪ ሓቢሮም ንኸገልግልዋ ብምቅላስ : ካብ ዘላቶ ጭቆናን ጸበባን ክትገላገል ክዋደቑላ :

·         ሙሉእ እምነት አብ ዜጋታታ ንክዓስል : ተቓወምቲ : ፖለቲካዉያን ሓይልታት ብቅድመ-ግንባር ተሰሊፎም : ዕርፊ ዲሞክራስያዊ መትከል ከደልድሉን : ተስፋን ትጽቢትን ንመጻኢ ወለዶ ክኾኑን : ነዚ ዘሰርት ጽፋፍ ቃልስታት ከካይዱን : ብሃገራዊ ሓላፍነት /ክመርሑን/ ክቃለሱን / ከቃልሱን / ጻዕሮም ከካይዱን : ብሓድሽ ተስፋን : ብሓድሽ መንፈስን : ብሓድሽ ራእን : ንሕሉፍ ጉድለታት ክእርሙን : ካብ ዝሓለፈ ብዝማዕበለ ሓላፍነት ክስከሙን : ትጽቢት ዜጋታታቶም ከማልኡን : ፍቓደኛታት ሙኻኖም አነጺሮም / ከርእዩ : እዋንን ጸበባን ምሬትን ህዝቢ ኤርትራ የእዊ አሎ ። አብዚ እዋን እዚ : ኤርትራዉነት ዋጋ ተስኢኑዋ ዝሓሰረትሉ : ግላዊ ጠቕሚ ከቢዱ ዝሳዕረረሉ : ሃገር ናይ ዉሑዳት ኤርትራዉያን : መሳዕስዒት : አብ ዝኾኖትሉ : ዉጹዓትን / ኑጹሃትን / ደቀባትን / ተቓለስትን/ ብዉሑዳት ጨቆንቲ ዝተሳቐዩሉ : ብ ሕሰም ናብራ : ዝግረፍሉ : ናይ ሽኦል ህይወት አብ ገዛእ መሬቶምን ገዝኦምን : ዘሕልፉሉ ጊዜ እናተዓዘብካ : ብእዋኑ ዘይምክልኻል ናይ ፖለቲካ ልምሰት እዩ ። እዚ ኸአ : ድርብ ናይ ቃልስን / ናይ ኤርትራዉነትን ስቓይ ሙኻኑ : ክሕባእ ዘይኽእል ተረኽቦ እዩ ።

 

·         ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ = በቲ ህዝቢ = ካብቲ ህዝቢ = ነቲ ህዝቢ ዘገልግል ፖለቲካዊ  ምምሕዳር

·         ከምኻኑ መጠን : አብ ዓዉዲ ቃልሲ ንዲሞክራሲ : ናይ ህዝቢ መንግስቲ : ማለት ሙኻኑ : ጥራይ  ምግላጽ : ኮነ ምጭራሕ : ንፖለቲካ መንግስቲ ኮነ : ዉድብ : ብግብሪ እንተዘይ ተሰሪሕሉ ክሃንጽ ኮነ ከማዕብል ከምዘይኽእል : ሕሉፍን : ህልዉን ተሞክሮ ቃልሲ ኤርትራ ዘረጋገጾ ወድዓዊ ኩነት እዩ ። እዚ ጸረ ተቖጻጻሪ ዘይብሉ ስርዓት /ደስፖቲዝም/ ዝኾነ : ዲሚክራሲ :

·         ክትግበርን : አገልጋል ህዝቢ ከአ ክኸዉንን : ህዝቢ ንክብሪ ሃገሩ ባዕሉ ናይ ምጥቃም ዕድል ክህልዎ : ብድልየቱ : ብዘይ ናይ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ወይ ጉጅለ ተጽዕኖ : ንሕጊ ቀጥታዊ ዲሞክራሲ /ዲረክት ዲሞክራሲ / ክጥቀም : አብ መዓልታዊ ናብርኡ ክሰርሓሉን : ወይ ብዝመረጾም /ዕላዉያን ወከልቱ / : ብ /ሕጊ ረፕረዘንታቲቭ ዲሞክራሲ /ተጠቒሙ ንዲሞክራሲያ ክሰርሓሉን : ከስርሕ ዘኽእል መስርሕ ክህሉዉዎን ስለ ዝግባእ : ካብ ዉሽጣዊ አሰራርሓን አገባብ አቀላልሳን ፖለቲካዉያን ሓይልታት ኤርትራ ጀሚሩ ንከስፋሕፍሕ : ናይ ተቓወምቲ ሓይልታትን ደለይቲ ሰላምን /ደለይቲ ለዉጥን /ነጻነትን /ፍትሕን/ ሓርነትን ሓላፍነት ምኻኑ ዝስሓት ሃገራዊ ሓላፍነት አይኮነን ።

 

·         ህዝቢ አብ ዝተፈላላየ መልክዓት ምሕደራኡ / አብ መሬትን / ናይ ሞያ ማሕበራትን : ህዝባዉያን ማሕበራትን --- ወዘተ ክካፈል እንተዘይ ክኢሉ : እቲ ምሕደራ ህሉዊ ስርዓት : ካብ መግዛእቲ ዝፍለየሉ አገባብ ከምዘይብሉ : ዘረጋግጸልና ጭብጢ እዩ ። ዲሞክራሲያዊ አምሓዳድራ እቲ ዝሓሸ ዓይነት አምሓዳድራ ሙኻኑ ካብ አመና : ብሕግታቱ ክንከይድን : ንሕግጋቱ ክንክተልን ጉዱዳት ኢና ።    እዚ ኸአ ህዝባዉን ዕልማናዉን ስርዓት ንክህሉ ዘኽእል ዲሞክራስያ ንክስረት ንቃለስ ስለ ዘሎና : ነቲ ህዝቢ ዝጥርንፍ : የሕቢሩ ከአ ዘናብር : ንድግፍን : ምርጫና : ኸአ ይኸዉን ። እዚ ንህዝቢ ዘገልግል መንግቲ ኮይኑ : ንሕግታቱ /ቅዋሙ/ ብወከልቱ ዝሕግግን ከከም አድላይነቱ ንሕጉ ክቐያይር ሕጉ ስለ ዘፍቅደሉ : ናይ ምዕባለ ሕጊ እዩ ኢልና ንከላኸለሉ ።

 

·         ብአንጻሩ : ሃይማኖተይ ሃይማኖትካ ከም መጎልበብ ፖለቲካ እንተ ተወሲዱ : ግና አብ ዘይዉዳእ ጉዕዞ የጥሕለካ : ናብ ዘይተለልዮ መንገዲ ይመርሓካ : ናብ ዕላማ ዘይብሉ ህልኽ የእትወካ ። ቃልስና  ስድራቤታትና : ሕብረተሰብ ንክሃንጻ : ንመነየለን እንበር : ምእመናን ከባዝሓን ብመንፈስ ከወዳድራን : አይንደፋፍአየን ።  ሃይማኖት : ብድልየት ዉልቃዊ እምንቶ ዝዕብለል ብምኻኑ : ንመንፈስ የገልግል : ሕግታቱ ከአ አይቕይርን : አብ ሰማይ ተመስሪቱ ንሰማይ ዘገልግል : አብ መሬት ሰፊሩ : ንሃገር ዝመቓቕል : ብምኻኑ : ንኩሉ ነናቱ ብምሃብ አብ ቦቦትኡ ንስርዓዮ : ንሓባራዊ ጠቕምና ዘገልግልን ዘሰማምዕን ብምምራጽ : ናይ ሰላም መንገዲ ንከተል ። ንሕና ከም ኤርትራዉያን ግደፍ ብአብ ሰማይ ዘሎ ክንሰማማዕስ : ነዚ አብ መሬትናን አብ ህዝብናን ዘሎ ምሕደራዊ : ህይወት እናርአና /እናሰማዕና /እናዳህሰስናን/ ሓቃዊ ነገር : እዉን ብሰላምን ብሓባርን ናይ ሓባር ህዝብና ከነናብረሉ ዘኽእል ሓባራዊ ስምምዓት ንምዕቃብ ዝሰአናዮ  ጸገማት ንምጻር : አኽእሎን ዓቕምን ክንረክብ ብቃልሲ ንሕበር   ።

 

·         ዉድብ ፈጸምትን ሓገግትን ኢሉ ንባይቶኡ ክምድብ እንኮሎስ : ንዲሞክራስያዊ ዕማም ንምስልሳል እዩ።

·         እቶም አብ ጉባኤ ዝምረጹ አባላት ባይቶ : ከም ወከልቲ መሰረታትን ዉድብን : ህዝባዊ ሓላፍነት ክስምዖም : ፍትሒ ንክሰፍን ክቃለሱን ከቃልሱን ምኻኖም : ንምርግጋጽ : ክክአል : ንገዛእ ርእሶም አብ ፍትሕን መሰል ወዲ-ሰብን ዝአምኑን : ንመጻኢ ወለዶ አርአያ ዝኾኑን : መማህራን ንምኻን እተዓጥቁን : ዘይትመቓቐል ኤርትራ : ንክትህሉ አሚኖም ዝቃለሱን : ምስ ዝኾኑ ዉሕስነት ንቃልሲ ህዝቢ ክህቡን : ዝኽእሉ ዜጋታት ክኾኑ ከም ዝግባእን : ከም ዘገድስን : አድላይ ሙኻኑ ዘይከሓድ እዩ : እሞ ካብዚ እምንቶ ብምብጋስን : ንአድላይነት ሕጊ ከምዘይህልዎን ብምእማን : ሓጻር ርእይቶን ለበዋን ዘጠቓልለት መልእኽቲ ነቶም ስም አባላት ባይቶ ዝለበሱን : አባላት ናይ ኪዳን ዉድባት ዝኾኑን ብዝያዳ ከምትምልከቶም ከአ የብርህ ።

 

·         አባላት ሓገግቲ ባይቶ ኑጹር ሕግታትን መምርሒታትን : ብዕሊ እንተዘይ አቕሪቦም : ፈጻሚ አካላት  ዝተቐረበሎም ሕግታትን መደባት ዕዮታትን ዉሳኔታትን ተኸቲሎም እንተዘይ አተግቢሮም : በየናይ መልክዕን አገባብን : ዲሞክራስያ ክምዕብል : እቶም አባላት ባይቶ ከአ ክሙከሩ ይከአልዶ ? እቲ ቃልሲ እዉን አፍርዩ ክምዕብል ይኽእልዶ ? ብዘይምክፍፋል ስልጣንን : ብዘይ ምትእምማንን ምክብባርንከ :  ንዕማማት አሰራርሓ ተቓወምቲ ዲሞክራስያዊ ከብሎ ዘኽእል ተግባራዊ አብነት ይህልዎዶ ?

 

·         እቲ ይኹን እዚ ነብሲ ወከፍ ፖለቲካዊት ዉድብ : ኮነ ደላይ ለዉጢ : ክብሪ ኤርትራ : ንህዝቢ ዝምልከት ምኻኑን : ንጉዳያት ሃገሩ ብዝምልከት በጀክኡ ካልእ ወናኒ ክኸዉን ከምዘይኽእልን ከምዘይግባእን ከረጋግጽሉን ህዝባዊ ዉሕስነት ክህብዎን : ናብ ጎደና ሰላም ዘምርሕ ገይሮም ክአልይዎን ሓላፍነት ክስምዖምን ናይ ኤርትራዉነት ግቡእን መሰልን ሙኻኑ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ናይ ቃልሲ ሓልዮት ምኻኑ አይንዝንግዕን ምኻና ምርግጋጽ መበገስ ሓልዮት ህዝቢ ክኸዉን ዝኽእል እዩ ።

 

·         ሕጂ ዝካየድ ቃልሲ : ናይ ለዉጢ ቃልሲ : ንኤርትራ ዘገልግል : ንጉጅለ ህ/ግ/ደ/ፍ : ዝገጥም : ድልየት ህዝቢ ዘማልእ : ድምጺ ህዝቢ ዝሰምዕ : ሰላም ንምንጋስ ዘዕጥቕ : ንሕልሚ ህዝቢ ዘተግብር : ሃገራዊ ሓይሊ ዘዑቁብ : ክኸዉን ሃገራዊ መሰልን ግዴታን ዘሰክሞ ናይ ቃልሲ ሓላፍነት ክኸዉን እዋናዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ዘገድዶ ጠለብ ንነብሲ ወከፍ ዜጋ ምኻኑ እዉን አይከሓድን እዩ ።

·         እንጽበዮ ዓይነት ስልጣን : ከአ ካብ ዲሞክራስያ ፈሊኻ ዘይርኤ : ስርሑን ደረት ሓላፍነቱን : ዘነጸረ : ንህዝቢ ከገልግል ምኻኑ ዘረጋገጸ : ንኹሉ ዘተአማምን : ብሩህን ርዱእን ንክኸዉን : ብዕላዊ ሕጊ ዝምራሕ : ደረት ስልጣኑ ዝተፈልጠ እንተዘይ ኮይኑ : ጠንቂ ሳዕበናቱ ሓደገኛን ከቢድን ምኻኑ ንምርዳእ : ካብዚ ናይ ህ/ግ/ደ/ፍ ዝዓቢ አብነት ንኤርትራዉያን ካልእ : አብነት ዘድልዮ አይኮነን ።

·         ዉድባት ኤርትራ ከአ አብ ዉሽጢ ሃገር ዝርከባ ፓርትታት ስለ ዘይኮና : ነቲ ዝበዝሔ ህዝቢ መን የሰልፍ ዝብል ዉድድር : አብ ወጻኢ ኮይነን ከማልእኦ : ምፍታን  ነቲ ናይ ሓባር ጸገማትን ሽግራትን ንምፍታሕ ቀዳምነት ካብ ምሃብ ዘጋልል ሙኻኑ ካብቲ አገባብ አሰራርሕኡ ዝንጸር እዩ ። ነቲ ዝሕሰብ ብዝሃ ሰልፍታት : ዘዕቁብ ሓይሊ ይኹን ሕጊ ከጥርያን : ንነጻ ምንቅስቓሳቱ : ዘዉሕስ ክሕንጽጻን  ናይ አተገባብራኡ ሜላታት ንምርካብ ክበላሓታን : ሓባራዊ ምድላዋት እንተዝገብራ : ሓባራዊ መደባት ከአ እንተዝትልማን ዝሓሸን : ዘዕዉትን እዩ : ምባል ምግናን አይመስለንን ።

 

·         ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን : ናይ ቃልሲ ምሕዝነቱ : ንአገልግሎት ሃገር የዉዕሎ ።

 

·         ቃልሲ ኪዳን ህዝቢ ክኽተሎ : ናይ ሓባር ቃልሲ ከዕኩኽ : ተስፋታት መጻኢ ከስርጽ : የድልዮ አሎ ።  ንብቕዓታት ሃገራዉያን ዝጥርነፈሉን : ዘፍርየሉን : አወንታዊ ዉጽኢት ከአ ንክህሉዎ ምብልሓትን : ምምርማርን ተገይሩ ከምዘፍሪ ንምግባር : ኪዳን ሓላፍነት ክወስድን : ብጉቡእ ክጥቀመሉን ሓባራዊ ቃልሲ ክዕዝዝን : ንዝበዝሔ ህዝቢ ክጥርንፍ : ጻዕሪ ከካይድን ክቃለስን : ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ዘገድድ ምኻኑ ብዕምቆት አስፊሑ ደጊሙ ክጥምት የድልዮ አሎ።

 

·         ናይ ሎሚ ኤርትራ : አብ ዓሚቕ ሞራላዉን : ማሕበራዉን : ኢኮኖሚአዉን : ከባብያዉን ጸበባ ከም እትርከብ : መጠን : ንዕኡ ዝፈትሕ እዋናዊ ቃልሲ ከተዳሉ ከምዘገድድ ብዙሕ መግለጺ ዘድልዮ አይኮነን ። ስለ ዝኾነ : አትሓሳስባና አብ ቅንዕና ክምርኮስ : አረአእያና ከአ ንህዝባዉነት ከዉሕስ : ምእንቲ : ናይ ቃልስና ተወፋይነት ሓቅነት ከርኢ የድሊ አሎ ። እዚ ሃገራዉያን ዝፈጠርዎ ሽግራት : ጭቆናን ወጽዓን : ኤርትራዉያን ባዕላቶም ንክፈትሕዎ : ሓባራዊ ሓላፍነት ወሲዶም ከተግብርዎን : ንዉሕስነት ሰላም ከዕቁብዎን ሃገራዊ ግዴታኦም እዩ ። ካልአዊ ግርጭታት : ተቓወምቲ ብሰላማዉን ዲሞክራስያዉን አትአላልያ ክንፈትሕ ናይ ቃልስና ሕጊ : ናይ ዕላማና እስትራተጂ ዝዉስኖ እዩ ። ኩሉ እቲ ሃገረይን ህዝበይን ይፈቱ እየ ዝብል ተቓላሳይ : ካብ ሃገሩን ህዝቡን ንላዕሊ ዝደልዮን ዝጥምቶን ከምዘይብሉ ሕጂ ብግብሪ ከረጋግጽ ምሬት ኤርትራ ይጠልቦ አሎ ። ካብዚ ዘሎ ዉርደት ዘናግፍ ሜላ ንምርካብ : ብሓባር ተዋሳእቲ ንፍታሕ ፍቓደኛታት ክኾኑን ተቐባልነትን ድልየትን ክገብሩን ይሕተቱ አለዉ ።  ነዚ ከአ ብሓድሽ መንፈስን : ስርርዕን : ናይ ቃልሲ ሜላን : ናይ ተስፋ ሕግን : ቃልስን : ንክህነጽ : ድልየትን እምነትን ብኩሉን : አብ ኩሉን ንክህሉ : ዘድልን : ብሓባር ከአ ሓድሽ ቃልሲ ሰሪትካ : ዝሓንጸጽካዮ ንምትግባር  ካብ ምዕጣቕ ካልእ ዘዋጽእ መንገዲ መተካእታ ስለ ዘይብሉ : እንሓብሮ ብስነ ሓሳብ ደአ እንበር : ብናይ ሰባት ምትእኽካብ ዘይምኻኑ : ብሩህን ዓሚቕን : መበገስን መደምደምን ክግበረሉ እዋን ይጽዉዕ አሎ ። ነቲ ቅድሚ ዉድባት : ሃገር ክትህሉ ግድነትን አገዳስን ምኻኑ ናይ መበገሲ እምንቶን ሓልዮት ንቀበሎ ።

 

·         እቶም አርዑት ጭቆና ህ/ግ/ደ/ፍ ዝኸበዶም ሃገራዉያን ኩሎም ብቓልሶም ክኾርዑ : ብሕብረቶም ክሕይሉ እንተበቒዖም : ከምዝዕወቱ : ብታሪኽ ሃገሮም ዘይሕከኽ ስም ከምዝለብሱን : ህሉዉን ዝመጽእን ወለዶ ከም ዝዝትየሎምን ጥርጥር የብሉን : ታሪኽ ከአ ካብ ሃብቲ ከምዝምረጽ መጠን እቶም ለባማትን ሓቀኛታትን ስለ ዝርድእዎ ብዙሕ መግለጺ ዘድልዮም አይኮነን ።

 

·         ኩሉ ግዜ ብስምዒት ዝተደፋፍኤ ዝዉሰድ ስጉምትታት : አብ ዘይተአደነ ጸገማት ከምዝመርሓካን አብ ጸቢብ ሓሳብ ከምዘእተወካን  እንተዘይ አስተዉዒልና ን: እንተዘይተምሂርናን : ተሞኪርናን : ከአ ንኹልና አብ ዘይንወጾ : ጉድጋድ ከየእትወና : ምእንቲ ብትዕግስቲ : ካበይ : ናበይ : ብኸመይ : ናበይ ዝኸይድ ፍጻሜታት ምኻኑ ዘርዚርና ብምትንታን ምምርማር : ናይለባማት መስርሕ ክንጥቀም ሎሚ ብዝያዳ ዘድልየና ሙኻኑ ይርኤ አሎ ። 

·         ብፍላይ ከአ ምድንጋራትን ምትሕልላኻትን አብ ዉሽጢ ኪዳን ንከይሰርጽ : ዝቆጻጸሩ ኮሚተታት ብሓባራዊ ስምምዕ ምምስራትን : ምቅልጣፍን ንቓልሲ ኪዳን ዘሕይልን : ንዓወት ሃገርና ዘቀላጥፍን : ብምኻኑ ዉድባት ከስተዉዕላሉ ይላበወን ።

·         ነቲ አብ ሞንጎ ሃገራዉያን ዝርከብ ዘይምቅዳዋት ብዕርቅን ሕድገታትን እዋናዊ መደምደምታ ምግባር እዉን ንሽግራት ዘቃልል ምኻኑ ክእመነሉ አገዳስነት አለዎ ። ነብሲ ወከፍ መሰላት ብነብሲ ወከፍ ግቡእን ሓላፍነትን ንክስነ ምእንቲ : ብንጽህናን ብሓባርን ንምቅላስ : ናይ ሓባር እምንቶ ከነሕድር ክንጽዕር : ናይቶም ኩሎም ደለይቲ ሰላምን : ለዉጥን ሓላፍነት ሙኻኑ ክዝንጋዕ አይግብኦን ።

·         ዝድለ ዘሎ ቅርጻ ሕብረተሰብ እዉን ንሓባራዊ አገልግሎት ዝዉዕልን ዘገልግልን ክኸዉን ይግብኦ ። እዚ እዉን ብክትዕ ሃገራዉያን ንክግጠም ግደ ክወሃቦ ዝግባእ እዩ ። ጽኑዕ ሓይልና ከም ሕብረተሰብ ኤርትራ : አብ ሓድነትና ዝሙርኮስ ሙኻኑ : ሓባራዊ እምንቶ ይሃሉና ። እቶም አክተራትን : ካድራትን ኤርትራ ኸአ ተኸላኸልቲ ዉጹዓት ምኻኖም ሕጂ ክእለቶምን ጽቡቕ ፍቓዶምን ኮይኑ አበርክቶኦም ከዕዝዙን ከወፍዩን እዋን ይሓቶም ምህላዉ ከይዝንግዑ ይላበዎም ።

·         ሕሉፍ ዉድቀታት ትምህርቲ ኮይኑ ንሎሚ ተስፋ : ትጽቢት ከአ ንዓወት ክኸዉን ብሓባር ንቃለሰሉ ።

·         ኪዳን አብ ካልአይ ጉባኤኡ አብ ፖለቲካዊ ቻርተርን ቅዋምን ተሰማሚዑ አብ አመራርሓ ምፍልላዩ : ሓልዮት ህዝቢ አይኮነን : ዘዕዉት እዉን አይኮነን ። እዚ ዘባአሰ ስልጣን ካብይ ጀሚሩ ናበይ ዝዓልብ ስልጣን እዩ እንተተባህለ : ካብ ስጋብ ሃገራዊ ዋዕላ ዘብጽሕ ጊዚያዊ  መሪሕነት ንላዕሊ ስለ ዘይስጉም : ዘባእስ ኮይኑ ክርከብ ዘተሓሳስብ ጉዳይ እዩ ። ሕጂ እዉን ማእከላይ ሽማግለ ፍታሕ ይስአነሉ ደአ እንበር : ባይቶ ናይ ኩለን ዉድባት ኪዳን ብዕምቆት መርሚሮም ተመራሚሮምን ሓደ ዘላቒ ፍታሕ ንክረኽቡ ተወፋይነትን ጽቡቕ ፍቓድን ቅንዕናን ተሞርኪሶም ክገብሩን ክሰርሑን ክቃለሱሉን ክብደት ሓላፍነቶም ምስ አባላቶም ከገድዶም ዝግባእ እዩ ኢለ ብምእማን ብዕምቆት ክሓስብሉ ይላበዎም ።

 

·         ንሱ ኸአ ዝተሰማማዕካሉ ሕግን ፖለቲካዊ ቻርተርን ናይ ሓባር ዓላማ ብምኻኑ : ዘዛምደካ ደአ እንበር ዘባእሰካ አይኮነን ። ወዮ እካ ድአ ሓደ ህዝብን : ሓደ መሬትን : ሓደ መሰልን ግዴታን : ህዝቢ ከምዘለዎ ከተዉሕስ : ቅዋም ኤርትራ ንክግበር ኢልና ንቃለስ ምህላዉና ክዝንጋዕ ዘይግብኦ እዩ ።

·         እዚ ዝተበጽሔ ስምምዕ ንሃገራዊ ስኒትን ዲሞክራስያዊ ዕብየትን የስፍሖ : እንበር አየጻብቦን እዩ ። ነቶም ዘየድለይቲ ማእለማታትን ጸለመታትን ኮነ : ዝለመሱ ምኽንያታትን ሕጂ ምጥቃም ከአ ንቃልሲ ዘልምሱ ብምኻኖም : ሓቢርካ ምስ ካልኦት ሰልፍታት : ዉድባት ግዱሳት ዉልቀ-ሰባት ሙሁራት ብምስራሕ ብተግባር ንምርሓቖም ምቅላስ መተካእታ ዘለዎ አይኮነን  ። ኤርትራዊ ዜጋ ሓቢሩ ንመሰሉን ሰብአዊ ክብሩን ከረጋግጽ ምእንቲ ንሕቶ ዲሞክራስያ ከዕዉት ግዴትኡ ከበርክት ፍቓደኛ ኮይኑ ከዕዝዝ ትጽቢት ሓፋሽ እዩ ።

·         ብርግጽ ሕቶና ንስርዓት ህ/ግ/ደ/ፍ ጥራይ ሙዉዳቕ ዘይኮነስ ዕላማ ቃልስና ካብኡ ንላዕሊ ዝጠመተን

·         ሕቶ ህዝብናን : መርየትናን : ሓድነቱን ዘነጸረ ። ንናይ ህዝብና ድሕነትን ስኒቱን ዘዕቆበ ።

·         ናይ ህዝብና መጻኢ ዕድሉ ዘዉሓሰን ምኻኑ ዘረጋገጽ ክኸዉን ዝግብኦ እዩ ። ናይ ዞናና ርግአትን ሰላምን ዘጠቓለለ : ብዕምቆትን ብዝርዝርን ስእልታቱ ዘዳለወ መደባቱ ዝሰርዔ ገርካ ንምሕንጻጽን ንምትግባር ናይ ቃልስና ጽፈት ዘማልኤ ንክኸዉን አገዳስነት ምህላዉ ሓባራዊ እምንቶ ይሃሉና ።

·         ባይቶ ፖለቲካዉያን ዉድባት ኪዳን ነዚኢታት ብሩህ ስእሊ አትሒዞም ከቃልሕዎን ክዉግንዎን : እዋን ይሓቶምን ትጽቢት ይግበረሎምን አሎ ።

·         ዋላ እካ ፍልልይ ምህላዉ ኑቡር እንተኾነ : ብዓልቤታዊ ቅልዉላዋት ምህላዉ ግና ንማሕበራዊ ርግአት ዘልምስ ምኻኑ ዝዝንጋዕ አይኮነን ። እቲ ምንታይ : ኤርትራዊ መንነት እካ ይሃልወና እንበር : ብዙሕ ባህልታት ዝሓቖፈት መሬት ከምዘላትና መጠን : ንክዉንነትና ጋሲኻዮ ዘይሕለፍ ጉዳይ እዩ ።

·         ሓድነት ተቓወምቲ ዉድባት ኤርትራ ሎሚ ወሳኒ ግደ ክህልዎን : ናይ ሰላም እማመኤን ከዕቁባን : ካብ ጸቢብ ዉድባዊ አማላኽታ ወጺኤን ንሃገር ክምልከታን : ጽባሕ ዘየብል ኩነታት ህዝበን ብዕምቆት ክምርምራ ን ከጽንዓን : ምሬት ህዝበን ይጠርዕ ምህላዉ : ብዝሒ ስደተኘታትካን ዋሕዚ መንእሰያትካን ብጽፈት ምጽናዕ እኹልን ዓብይን ዕማም ቃልሲ እዩ ። 

·         አብ ጉዕዞ ቃልሲ : አፍልጦኻን አትሓሳስባኻን ፈላሊኻ ክትርኢ : አገዳስነት ዘለዎ ኮይኑ : ዉድድራትና : መደባት ዕዮታትካ ምስ ናይ ካልኦት መደባትዕዮታት እናአነጻጸርካ : ብአተገባብርኡን ዉጽኢት ፍረኡን ዝፍረድ ምኻኑ ምእማን አኻሊ ናይ ምስክርነት ሰነድ እዩ ። እንተኾነ ግን ብቁንጅና አዘራርባኻን : ብአካዳሚካዊ አፍልጦኻን ሃገር ክንሃንጽን ንብዝሒ ህዝብኻ ክትዕብልልን ምፍታን : ንሕብረተሰብ ኤርትራ ከመስርት ከምዘይከአል ፈሊጥካ : ዘይትግበር ሕልሚ /ኢቶፒክ/ ሙኻኑ ምእማን ናይ ንቕሓት አብነት ምኻኑ አይንዘንግዕ ።

·         እሞ ነዚ ስድነት ዝዓብለሎ ስርዓት ብሕሉፍ ሊበራሊዝም ሓንጎሉ ዝተጠቕዔ : ንሃገር ዝመቓቕል : ንሃገራዉያን ዘሕስር : ንሰብ ገንዘብ ጎይቶት ዝገብር : ንማዕርነትን ሕዉነትን ዘቃልልን : ዘነአእስን : ደለይቲ ለዉጢ : መተካእታን ለዉጥን ክገብሩ ብዝተግፍዑን ብዝተጨቆኑን ዜጋታት ትጽቢት ይግበር አሎ ። ነቲ አድላይ ምቕራብን : አጽኒዕካ ምትግባርን ከአ ጽቡቕ ፍቓዳት ከሰንዮ ብምትስፋዉ : ብቕዓት ናይ ምቁጽጻር ሓይሊ ህዝቢ አብ ኩሉ መዳያት ክትከልን ክጥርነፍን ናይ መደምደምታ ለበዋይ ብምቕራብ : ካብ ምስላ / ዉድቀትካ ካብ ክትጅምር እንኮሎኻ : ብዝተዓጻጸፈ ከይቀላጠፍ  / ንምድሓን

·         ቅንዕና ብምዝዉታር ምስ ጊዜን ኩነታትን ንምኻድ ጻዕርና አይሰልችዎ ።

·         ክብርን ዝኽርን ንስዉአት ኤርትራ

·         አብርሃም እያሱ 20/04/2007


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com