|
||
|
|
||
|
ግፍዒ ስርዓት ህ.ግ.ዲፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ።
ቀዳማይ ክፋል ዘይተመጣጠነ ዕብየት
ምስ ህዝቢ ዘይተዛመደ ህንጻ ሃገር ሰላም ዘይብሉ ህንጻ ሃገር ራህዋ ዘይብሉ ህንጻ ሃገር ፍትሒ ዘይብሉ ህንጻ ሃገር ህዝቢ ዘይረብሓሉ ህንጻ ሃገር
ኣብ ኤርትራ ብስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝካየድ ግፍዕታት፡ ዝተፈላልዩ እዮም። እቶም በብግዜኦም ዝቅልቀሉ ግፍዕታት ድማ ከይዶም ከይዶም ንረብሓ ህ.ግ.ዲፍ. ዘግልግሉ ብምዃኖም፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸም ግፍዕን በደልን ዘለዎም ባህሪያት ግፍዕን ንምልላዩ ዘድክም ኣይኮነንን፡ ። ምኽንያቱ እቲ ግፍዒ ብዘይካ ህ.ግ.ዲ.ፋዊ ካልእ መመሳሰልን ምኽንያትን የብሉን።
ብደገ ንኤርትራ ዝኣቱ ጋሻ፡ ንቲ ኣብ’ታ ሃገር ዘሎ ስርዓት ንክፈልጥ ብዙሕ ግዜን መጽናዕትን ዘድልዮ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ከኣ መንስግትን ህዝብን ኣብ ክልተ ደረጃ ዕብየት፡ ደረጃ ፍትሕን፡ ደረጃ መነባብሮን ብምህላዎም። ኤርትራ ኣብ ክልተ ዓለም ዝተኸፈለት ብምዃና።
ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ንክወርዳ ዝጸንሐን፡ ዝወርዳ ዘሎ ተደራራቢ ስቕያትን መከራን ስለ እትፈልጥ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳር እንታይ ዓይነት ምምሕዳርን ስርዓት ምዃኑ ደገ ወይ ንጎረቤት ከይዶም፡ እዚ ስርዓትስ ከም’ዚ ኣነ ዝርድኦ ትርድእዎ ብማለት ንኽማሳኸሩ’ውን ዘብጽሖም ኣይኮነን። ምረት ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲፍ ካብ ምድሪ ቤቶም ከይወጹ ንስለ ዘርከበሎምን፡ ኩሉ ነናቱን አእጃሙን ስለ ዝበጽሖ፡ ኣጸቢቑ ይፈልጥ’ዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘዘለዎ፡ ብዝዀነን ዘይኰነን፡ ብመብዛሕትኡ ምኽንያታትን መንቐልን ዘይብሉ ግፍዒ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘይቐሰመን፡ ዘይተመልጠጠን የልቦን። ህዝቢ ኤርትራ ዘይሓሰቦን፡ ዘይተጸበዮን ሓደጋ ወዲቕዎ ኣብ ትሑት ደረጃ ማሕበራዊ ናብራ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘይብሉ ሂወት የሕልፍ ኣሎ።
እዚ ምኽንያት ዘይብሉ ኣብ ርእሲ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ከኣ፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ኣነጺሩ ምልካዊ ስርዓት ምዃኑ ዘርእይ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዝሓለፎ ምረት መግዛእቲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዝሓለፎ ምረት ምሕደራ ወረርትን፡ መሳፍንት ባዕድን፡ እፎይ ከይበለ እንሆ ኣብ ኣርዑት ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ተቋሪኑ ሂወቱ ይቕጽል ኣሎ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ 1800 ዘመን፡ ብካብ ጎረቤት ዝነቐለ ወራራት ኣካቢ ቀረጽ፡ ዝምታ ጥሪቱ ግዳይ ኮይኑ ክሳቐ ድሕሪ ምጽንሑ። ባዕዲ ምስ ተቐልቀለ ከኣ ንኣገልግሎት ባዕዳውያን፡ ንቑጠባዊ ዕብየቶም ዘይፈሓራ መሬትን፡ ኣብ ማእገሩ ዘይተሰከማ ዓንድን ኣይነበረቶን። ሕሉፍ ሓሊፍዎስ፡ ኣብ ምረት ገጹ ምስ በጽሐ፡ ኣብ ትሕቲ ባዕዲ ተዓስኪሩ ኣብ ኵናት እንዳማቱ ሞይቱን ቆሲሉን’ዩ።
ቀጺሉ ከኣ ንእቶም ኣብ ኵናት ክጥቐምሉ፡ ንውሉድ ወለድኡ ከጥፍእዎ ዝመጹ ናይ መወዳእታ ገዛእቲ ግን ኣይጸዓድን ብማለት ንውራይ ክብሩን መሰሉን፡ ባዕሉ ዋና ውራይ ኮይኑ ሓለፎ እምቢታኡ ኣስመዐ። ብረታዊ ተጋድሎ ብመስዋእትን፡ ስቕያትን መከራን ዝተመልአ ነዊሕ ተጋድሎ ዝሓለፎ’ኳ እንተዀነስ፡ ብርኵ ዓጺፉ ከይኣስተንፈሰ፡ ንጸላእቱ ስዒሩ ነጻነቱ ኣረጋገጸ።
ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ናይ ሚእቲ ዓመት ታሪኽ መግዛእቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ቅድሚት ዝነበረ ወለዶን ወገናትናን፡ ሞት ንዘይትርፎ፡ ጠምዩ፡ ጸሚኡ፡ ሓሚሙ፡ ዓሪቑ ግን ከኣ ንምእንቲ ክብሩን መሰሉ ቃሉ ከይዓጸፈ ሓሊፉ።
ዝጸምአ ኣብ ሩባ፡ ዝጠመየ ከኣ ኣብ መኣዲ ምስ በጽሐ ሞት ከም ዘርክቦ ዝመስል፡ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣኽሊል ነጻነቱን መሰሉን ምስ ደፍአ፡ ዘይሓሰቦን ዘይተጸበዮን ፡ ናይ’ቲ ሂወት ብሂወት ዝኸፈለሉ፡ ዝተሰደደሉን ዝተገፍዓሉን፡ ዝተኣሰረሉ ዝተቐትለሉ ነጻነት ካብ ኢዱ መንጢሎም እንሆ፡ ሎሚ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ጅምላ ስደት፡ ጅምላ ስደት ስድራ ቤታት፡ ጅምላ ስደት ምሁራት ፡ ጅምላ ስደት መእንሰያት፡ ካብ ሃገሮም ተገዲዶም ንጎረባብቲ ሃገራት ክውሕዙ ናይ ዝግድድ ምልካዊ ስርዓት ግዳይ ኮይኖም ይርከቡ። እዚ ጥራሕ መኣስ ኮይኑ ሎሚ ብሰንኪ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ብዘይክሲ ተጨዊዩን ተኣሲሩን ዝኸደ ደሃይ ወዳ ዘይትፈልጥ ኣደ፡ ደሃይ ሰብኣያ ዘይፈልጥ ሰበይቲ፡ ደሃይ ኣቦኦም ኣደኦም ዘይፈልጡ ህጻናትን ቆልዑን ብሰንፈላል ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሃለዋት ከም ልሙድ ዝወሰድዎ ኣብ ጸልማት ኣብ ዝተዋሕጠት ሃገርና ኤርትራ ዝነብሩ ዘለዉ ውሑዳት ኣይኮኑን።
ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ምንጎኡን ኣብ መንጎ ህዝብ ጥራሕ ኣይኮነን ጋግን መንደቕን ፈጢሩ፡ እቲ ዝሓለፈ ወለዶን፡ ወራሲ ወለዶ ብሰንኪ ምሕደራን ስርዓት ህ.ግ.ዲፍ፡ ንውትህድርናን ንልምዓት ብዝብል ጸዋዒት፡ ብዘይረአይ ግን ከኣ ልክዕ ከም መንደቕ በርሊን መሪር ናይ ምፍልላይ ናይ ሓንቲ ስድራ ቤት ታሪኽ ዘለዎ ኮይኑ የገልግል ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ኣብ መንጎ ዜጋታት ዘይረአ፡ ብስለላን ሓይልን ዝተነድቐ መንደቕ በርሊን ተነዲቑ፡ ኣብ ምፍልልያን፡ ምስንባድ ደቂ ሃገር ብሕታዊ ስልጣን ምልካዊ ህ.ግ.ዲፍ. ንምርግጋጽ ዓብይ ስርሓት የሳልጥ ኣሎ።
ወዶም ወይ ጓሎም፡ ሰብኣያ ወይ ሰበይቱ፡ ኣዲኦም ወይ ኣብኦም ዝተኣሰሮም ኤርትራውያን ዜጋታት ህልውንኦም ኣይፈልጡን፡ ንውትህድርና ዝኸደ መንእሰይ ንስድራ ቤቱ ንኽበጽሕ ኣይፍቐዶን። እዚ ከኣ ካብ’ቲ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ንሞራል ህዝቢ ከርቲሙ ከራቲሙ መሬት ንምውዳቕ ካብ ዝጥቀመሉ ዘይረአ መንደቕ በርሊን፡ ብሂወቶም ከለው ዝፈላሊ’ዩ። ኣብ ልዕሊ በደል ዘይብሉ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበን’ዩ።
ዘይተመጣጠነ ዕብየት
ኣብ ኤርትራ ዘይተመዛዘነ ዕብየት፡ ንረብሓ’ቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ብዘገልግል ተወጢኑ ይሰርሕ ኣሎ። እዚ ምዑት ህዝቢ ይትረፍ ንሃብትን ንብረትን ክምነስ፡ ነታ ንርሑ ማይ መጊቡ፡ ንዝባኑ ጀዲድ ተኸዲኑ ነጻነቱ ከስተማቕር ዝደለየ’ኳ ኣይተፈቐደሉ።
ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ ሚእቲ ዓመት ናይ ዘካየዶ ቃልሲ ካብ’ቲ ፈሳሲ ማይ ሂወት ንጣብ፡ ካብ’ቲ ዝተባረኽ ሕብስቲ’ውን ሓንቲ ኵላሶ ከይቐመሰ እንሆ ኣብ ክወጾ ዘይኽእል መዓት ተሸሚሙ፡ ወዶም ጓሎም ርእዮም ዘይጸገቡ ስኢኖሞምስ፡ ሞት ሕጹይ ኮይንዎም፡ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ግዜ መዋእል መግዛእቲ ንጉስ ሃለስላሴን፡ ደርግን ሕጂ’ውን ኣብ መዋእል ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ስድራ ቤት ማዕጾኣ ኣገፍቲና ክትነብዕ ገቢሮማ።
ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ እንተሓለመ’ውን ኣይትሕለም ኣብ ትሕቲ ዝብልዎ ስርዓት ክሳብ ዘሎ፡ መስተርሆት ዘይረኽበሉን ብፍትሒ ዘይናበረሉን ጉዕዞ ሂወት ይኸድ ኣሎ። እዚ ህዝቢ ንመጀሃሪ ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ንሓደ ሓደ ተበልጽቲ ከም ስንኪያ ኣብ ነፍሱን ኣብ ዝባኑ ተሰቒሎም ደሙ እንዳመጸዩ ክነብሩ ዝደልዩ ደቁ ፡ ዝሃንጻ ዘሎ ሃገር ሓንቲ ፋይዳ የብሉን።
ሓሪሱን ጎልጕሉን ብምህርቲ ጎጎእኡ ከይጎምድ ዝኽልከለሉ፡ ብኽብሪ ዕዳግ፡ ኣብ ዝሃንጾ ቤት ክቕመጥ ዘይፈቕደሉ፡ ኣብ ዝሃነጾም ጽርግያታት ሸናዕ ክብል ዝተሓረሞ ህዝቢ፡ ኣብ ጥራሕ ከብዱ ብምኽንያት ሃገራዊ ህንጻ ብዘይ ደሞዝ ዝናበር ዜጋ፡ ናይ ዘይተመጣጠነ ዕብየት ህዝብን ሃገርን ዘመስክር’ዩ።
ብተምክሮይን ገምጋማተይን’ውን፡ እዚ ህዝቢ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ክሳብ ዘሎ፡ በቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣገባብ ክቅጽል ምዃኑ ዘየጠራርጥር’ዩ።
ኣብ ሓንቲ ሃገር ናይ ዝረጋገጽ ማሕበራውን ቁጠባውን ዕብየት፡ ብውጥን ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ እንተቀጺሉ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ ጥራሕ ዘይኮነን፡ ኣብ ዝተፈላልየ ጽፍሕታት እቲ ሕብረተ ሰብ፡ መጻኢ ወለዶ’ውን ብዝሰፍሐ ዝኸስረሉ መዳይ ኣዝዩ ዓብይን ከቢድ’ዩ።
ኣብ ውጥንዕብየት ዳግመ ህንጻ ህ.ግ.ዲ.ፍ ህዝቢ ዝብልዎ ብመሰረቱ ኣብ ግምት ዝኣተወ ኣይኮነን። እንተሃለወ ከኣ ህ.ግ.ዲ.ፍ ህዝቢ ዝጽውዕዎ፡ ነቶም ንህ.ግ.ዲ.ፍ ተማእዚዙ ኽከይድ ዝምልምልዎን፡ ሓንጎሉ ዝሓጽብዎን ዘለዉ ንኡስ ወለዶ ሳዋ’ዩ። እዚ’ውን ኣብ ብዙሕ መዳያቱ ዝኸሰበ ዝመሰሎ ኣብ’ቲ ዘይኸሰብ ጸብጻብ ህዝቢ ዝኣተወ’ዩ።
ኣብ ውጥን ዕብየትን ዳግመ ህንጻ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ህዝቢ ምስ’ቲ ዝኽይድ ዘሎ ንጥፈታት ብውሳኔ ዝሳተፈሉ ዝዀነ ይኹን ዝምድና ስለ ዘይብሉ፡ ተጠቃሚ ምህርቱን ህንጸቱን ክኸውን ብዘይምብቕዑ፡ ብማዕዶ ረኣይን ሰማዕን ኮይኑ ይተርፍ።
ናይ’ዚ ቀንዲ ምስክራትን መለለይታትን ዝኸው፡ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ መራኸቢ ማዕከን ዜና ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝቃላሕ ተረንሽዋታት ማሼላ ዓሊ ግድርን ተሰነይ፡ ዘራእቲ ጎልጎል ባርካ፡ ኣዝመራ ከበሳታት ጥረ ሓሶት ብምዃኑ ህዝቢ ኣብ ሪጋ ባኒ ተስሪዑ ክሓድር ገቢርዎ ኣሎ።
ብሚእትታ ዝቁጸር ሓጽብታትን ዛላታትን ህ.ግ.ዲ.ፍ ንህዝቢ ክሳብ ኣብ ቤት ዕዮ ባኒ ተሰሪዑ ክሓድር ዝገብር እንተዀነ፡ ብሚእቲታት ኣሽሓት ዝቁጸር ኣባይቲ ተሃኒጹ ህዝቢ ብስቓይ ገዛ ተዋሪዱ ዘሎ ስ ማዕረ ክንደይ ህዝቢ ምስ’ቲ ህንጻን ልምዓት ዝምድናን ርክብን ዘይብሉ ምዃኑ’ዩ ዘብርህ።
ይቕጽል……..
ክንዕወት’ና 9 ሚያዝያ 2007 ኣንቶንዮ ተስፋይ
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|