|
||
|
|
||
|
ትማሊ ስዩም ዑ/ሚካኤል፡ ሎሚ ወ/የሱስ ዓማር !
ካልኣይ ክፋል መልሲ ን
ብመሰረቱ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ጽሑፍ ተምርኵስካ፡ ደድሕሪ’ቶም ብዝመስሎም ጽሒፎም ዝሃለሉ ክትስዕብ ጽቡቕ ኣይኮነን። ግን ከኣ ነቲ ግርሁን ኣብ’ቲ መስርሕ ዘይጸንሐ ግዱስ ሃገራዊ ንኽፈልጥ ከየብራህካ ክትሓልፍ እቲ ሓሶት ሓቂ ንኸይመስል እቲ ዝግበኦ ብሰነድ ዝተሰነየ መልሲ ክትህብ ግድነት’ዩ።
ካብ ነዊሕ ዝጸንሐ ሕቡእ መደብ
ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ተጎልቢቡን ተሓቢኡን ሰሪሑ ወይ ክሰርሕ ክፍትን ከም ዘይደሊ፡ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ንዘሎ ሓይልታት ጋሻ ኣይኮነን። ብፍላይ ከኣ ዋና’ዚ ጉዳይ ዜናውን ባህልውን ጉዳያት ቤት ጽሕፈት እቲ ኩሉ ምስጢር ዝብሎ ንባዕሉ ብህላውነቱ ምስ ብጾቱ ዝተኻፈሎ እንተዘይረሲዑ ሕጂ ነቲ ውድብ ብኸም’ዚ ደረጃ ክኸስስ ኣይምተረኽበን።
ቀዳማይ
ሓላፊ ጉዳያት ዜናን ባህሊ ቤት ጽሕፈት ካልኣይ ወገን፡ ኣብ መበል 19 ፈስቲቫል ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ብኣካል ተሳቲፉ ክሳብ እቲ ኣብ ካርቱም ብ9 ሕዳር 2004 ኣብ መንጎ 6 ውድባት ዝተኻየደን ኣኼባን ዝተበጽሐ ስምምዕን ክሳተፍ ምኽኣሉ መበገሲኡ ኣጸቢቑ ይፈልጦ’ዩ።
ኣብ ፈስቲቫል እቲ ንዕኡን ንኣባላት ውድቡን ዝተገብረሎም ሙውቕ ሕውነታውን፡ ብጻይነታውን ኣቀባብላን ሓልዮትን ምስሳይን፡ ገዲፍካ፡ ልክዕ ምስ’ቲ ውድብ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ተኻፊሉ፡ ራእይን መርገጽን፡ መስርሕ ቃልሲ ውድቡ ክሳብ ዝኣኽሎ ኣብ መድረኽ ወጺኡ ገሊጹን። ብፍላይ ከኣ ምስ ሓለፍቲ ውድብ፡ ኣብ ፍሉይ መድረኽ ተዛትዩን ተዛሪቡን’ዩ።
ካልኣይ
ኣብ መበል 20 ፈስቲቫል 2005 ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ’ውን፡ ኣቶ በሽር ይስሓቕ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ውድባዊ ዕማም ምስ ተንቐሳቐሰ፡ ካብ ኣባላት መሪሕነት ውድቦም ብዝቀረበሎም ዕድመ መሰረት፡ ኣብ’ቲ ንመጀምሪያ ግዜ ብፍልይ ዝበለ ኣቐራርባ ዝነበሮ ፈስቲቫል፡ ራእይ ውድባት፡ መጻኢ ኩነታት ሓድነት ብተደጋጋሚ ርእይትኦም ንምቕራብን፡ ብቀጻሊ ከኣ ነቲ ብህዝቢ ዝወረደ ሕቶታት ንምምላስ ሙሉእ ዕድል ተዋሂብዎም፡ ናይ እቲ ሕቶታት መልሲ ክህቡ ተገይሩ።
ኣብ’ዚ ፈስቲቫል’ውን ከም’ቲ ዝሓለፈ ፈስቲቫል፡ መራሕቲ ንጉዳይ ሓድነት ብዝምልከት ተዘራሪቦም። እዚ ዕድል ዝኸፈተ፡ ነዚ መድረኽ ዝኸፈተን ናይ ሓባር መድረኽን ንምግባር ዝጸዓረ ውድብ ሎሚ ናይ ክሲ ኵናት ኣብ እንግድኡ ተተኺልዎ ይርከብ።
ሳልሳይ
24 ሚያዝያ 2006 ዝተኻየደ ፍሉይ ኣኼባን፡ ካልኣይ ዓመታዊ ኣኼባ ካብ 25 ሚያዝያ ክሳብ 4 ግንቦት 2006 ዘካየዶ፡ ኣብኡ ዝፈሰሰ ርእይቶን ሓሳብን፡ ዝተበጽሐ ስምምዕን፡ ንመሪሕነት ክሳብ ካልኣይ ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ ስልጣን ዘሰከመን፡ እቲ ጉዳይ ኣብ መንፈስ ምርድዳእን ሓሳብ ንሓሳብ ምቕብባልን ከም ዝነበረ’ዩ ዝፍለጥ።
እዚ ሓባርውን ግሉጽን ስርሓት እንዳተኻየደ እንከሎ ግን፡ ንሕቡእ ኣጀንዳን መደብን ዝመጻኹም ንሳኻ ትውክሎ ውድብን ተ.ሓ.ኤን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባ ሽወደን ዝተፈጸመ ሓደ ምልክት ናይ’ዚ ሕጂ ኮር ተገልበጥ ተመጽኦ ዘሎኻ ክስታት’ዩ።
ኣባላት ኪዳን ንሓባራዊ ስርሓት እንዳተጸበዩ እንከለው፡ ንስኻትኩም ብታሕቲ ታሕቲ ኣብ ክልተ ውድባት ጥራሕ ዝተሓጸረ ስምምዕ ምጽንባል ነጻነት መደብ ሓንጺጽኩም ወዲእኹምዎ። ካልእ ብተወሳኺ፡ ኣቦ መንበር ኤ.ዲ.ኪ ኣብ ሽወደን ኣብ ዝመጻሉ ግዜ ምስ ኣባላት ኪዳን ከም ዘይራኽብ ዝከኣለኩም ጽዒርኩም። እቲ ጉዳይ ከኣ ብኣባላት ፈደራል ተ.ሓ.ኤን ተኻይዱ። ኣቦ መንበር ኤ.ዲ.ኪ ንኣባላት ውድባት ከይተራኸበ ናብ ቦትኡ ተመልሰ።
እዚ ኩሉ እንዳሃለወ ንሕና እቶም መሰረታት፡ ነቲ ጉዳይ ብሕቡእ ኣጀንዳ ብዝብል ዝዀነ ክሲ ኣይቀረበሉን፡ ብኣንጻሩ ነቲ ጉዳይ ንምዕራይ ብተደጋጋሚ ንኣኼባታትን፡ ንዘተን ጸዊዖም።እዞም ንተደጋጋሚ ኣኼባታትን ንምክያድ፡ ዝምድናታት ንምዕራይን ናይ ሓባር ቃልሲ ንምጥራይ ከይደኸሙን ከይተሓለሉን ጸዋዒት ዝገብሩ ዝነበሩ፡ እቶም በዚ ሕጂ ዝኽሰስ ዘሎ መሪሕነት ዝተላእኩ መሰረታት’ዮም።
ብፍላይ ከኣ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ከም’ቲ ቅድም ክብል ኣብ ካልኣይ ክፋል ኣሲፊረዮ ዘለኹ፡ ሓሳባት፡ መሪሕነት ንመሰረታት ካብ ታሪኻዊ ሓላፍነት ዘይንስከመሉ ኣሉታዊ ተግባራት ስራሓት ከይስራሕ ብጥብቒ፡ ብተደጋጋሚ፡ ዘዋሪ መልእክትን ሓበሬታን፡ ከስንቕን ከልዝብን፡ ከዕጥቕን ከም ዝጸንሐ ሓደ ካብ’ቲ ኣብነት’ዚ’ዩ።
እዚ ጉባኤ ኪዳን ተምሳል 5 ስሩዕ ኣኼባ ሃ.ም.ኤ
ብሕጽር ዝበለ 5 ስሩዕ ኣኼባ ሃ.ም.ኤን ካልኣይ ጉባኤ ኪዳንን ክልተ ዝተፈላልየ ግዜያትን ኩነታትን’ዩ። ተመሊሳኻ ክትርእዮን ታሪኽ ከተንብብን ይግበኣካ። ቅድሚ 5ይ ስሩዕ ኣኼባ ምሕዝነት፡ ከም’ዚ ሕጂ ዝተኻየደ፡ ብደረጃ ላዕለዋ መሪሕነት ፈጻሚት ኣካላትን ቤት ጽሕፈት ተኻፋፊሉ ስሩዕ ጸብጻባቱ ዝምዝግብ ብዘይምንባሩ ብግዜ ፍልልይ ጥራሕ ዘይኮነ ብተግባርን ኣሰራርሓን’ውን ይፈላለ’ዩ። ኪዳን ብምርጫ መራሒ ክመርጽእ እንከሎ፡ ሃ.ም.ኤ ብተራ’ዩ ዝመርሕ ዝነብረ። ኣብ’ዚ ክልቲኡ ዓብይ ናይ ኣሰራርሓ ፍልልይ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ 5ይ ስሩዕ ኣኼባ ሃ.ም.ኤ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣባላነቱ ተሓዲጉ፡ ተንጠልጢሉ ተባህለ። ዘሎ ፋስን ምሳርን ከኣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ውድብ ኣቕነዐ። ሎሚ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ንበይኑ የለን፡ ከም’ቲ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝደልዮ ዝደልዩ፡ ከም’ቲ ሰውራዊ ባይቶ ክሰርሖ ዝደሊ ክሰርሑ ዝደልዩ፡ ኣብ ለውጥን ምሕዳን ዝኣምኑ ውድባት ሓቢሩ ይቃለስ ኣሎ።
እሞስ ሕራይ ንተ.ሓ.ኤ ሕቡእ ኣጀንዳ ነበሮ ተባህለ፡ እተን ከም’ቲ ውድብ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝወሰዶ መርገጽን ምርጫን፡ ዝወሰዳን ዝመረጻን ከ እንታይ ክበሃላ’የን። እሞ ኣብየን ሸነኹ’ዩ እዚ ጉዳይ ምስ’ቲ ክመሳሰልን ክምዘንን።
ከም’ዚ ሕጂ ኣብ ደረጃ ሓላፍነት ፈጻሚት ሽማግለ፡ ብሚዛን ጸብጻባትንካን ኣቓራራባኻን ክብድ እንተበልካ ዝሃሸ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ተቐባልነት’ውን ክትረኽብ ትኽእል።
እቲ ጉዳይ ካብ ኣኼባ ካርቱም ዝነቐለ’ዩ ዝብል ?
1. ኣኼባ ካርቱም ዝነቐለ’ዩ ምባልካ ጽቡቕ። ኣብ ኣኼባ ካርቱም’ሞ እዘን ውድባት ጥራሕ ደየን ተራኺበን፡ ኩሉ ውድባት ኣብ ትሕቲ ኪዳን ዝነበረ ዶ ኣይኮነን ?
2. ውድባት ኣብ ሓደ መጋባእያ ወይ ዋዕላ፡ ሓሳባተን ናብ ዝቐረበ ርእይቶ ብሓባር ከድምጻሉን ነቲ ሕቶ ክደፍኣሉን የብለንን ድዩ ?
3. እቶም ብካልኣይ ወገን ኪዳን፡ ተደናጊጽኩም ዲኹም ተኣኺብኩምስ ወይ ኣብ ኣሰራርሓን ሓሳባትን ስለ ዝተራኸብኩም ?
4. ውድብ ምስ ውድብ ቅድሚ ኣኼባ ይኹን ድሕሪ ኣኼባታት ክዛመድን ሓሳብ ንሓሳብ ክወሃሃብን፡ ኣብ ዘሰማምዖ ከኣ ብሓባር ንኽሰርሕ ዝእግድን ዝኽእልክን ገደብ ኣለዎ ድዩ ?
ክሲ ንምኽሳስ’ውን እኳ ከኣ፡ ክጠዓዓምን ክመዓራረን ኣለዎ፡ እንተዘይኮይኑስ ብሓይሊ ጓዕጺጽካ ነቲ ነገር ሓቂ ንምምሳሉ ምጽዓር ብዙሕ ሰማዒ ዝረክብ ኣይመስልን። እቲ ኣብ ውሽጢ ስሩዕ ኣኼባ ዝተፈጸመ ኣገባብ፡ ሓሳብ ውድባት ምድጋፍ ተደጋጊፍካ ንምዕዋቱ ዘርኢ ጉዳይ ሙሉእ ሕጋዊ ሸነኻት ኣለዎ። ክሳብ ዝኸነ ይኹን ሓሊን ምፍርራሕን ዘየሎን ዘየነብረን። ከም’ቲ ውጽኢት’ውን ግዳማውያን ማዕከና ዜና ከም ዝሓበርዎ ብጹቡቕ ከም ዝተዛዘመ’ዩ።
ብኣንጻሪ’ዚ ግን ንስኻትኩም ኣብ መሰረታት ብሕቡእ መንገዲ፡ ብዘይስርዒት ክትኸዱ ዝጀመርኩም። ፈስታ ተሓቢኣካ፡ ንመራሕቲ ሓቢእካ፡ ክሳብ ኣብ’ቲ ቦታ ንኽየድወለሉ ዝኸልከልኩም፡ እቲ ሕቡእን ሰብ ዘይፈልጦን ኣጀንዳ ከምኡ’ዩ ዝመስለን ወይ ዝግበርን። እዚ ድማ በቲ ሸነኽካ ዝተፈጸመ’ዩ።
እዘን ሰለተ ውድባት ጉባኤታተን ፈጺመ ?
ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ካብ 23- 28 ሓምለ 2006 ተኻይዱ ጉባኤ ሰ.ዲ.ኤ ካብ 29 ሓምለ 2007 ጉባኤ ( መስመሪ) 15-20 ሓምለ 2007
ጉባኤታት ናይ ቀዳማይ ክፋል ኤ.ዲ.ኪ ከም ሓደ ዓብይ መመኽነይታ ንምድንጓይ ስራሓት ኪዳን ክብል ከሲሱ።
ብመጀምሪያ ህላውነት ኪዳን ምስ ስሩዕ ህላውነት ነፍሲ ወከፍ ውድብ’ዩ። ሕጋውነት ውድባት ኣብ ኪዳን ክህሉ፡ ሂወትን ዕብየትን ኣብ ኪዳን ክህሉ ከኣ እዘን ሰለስተ ድባት ጥራሕ ዘይኮና ኩላተን ውድባት ብመሰረት ስሩዕ ግዜኤን ጉባኤ ክገብራ ብኪዳን ክድገፍ ዘለዎ’ምበር ክንጸግን ወይ ከኣ ከም ሽጣራታት ክቁጸር የብሉን። ኪዳን ካብ ዝምስረት 23 ለካቲት 2005 ን ምስ ዕድመ ኪዳን ብምንጽጻር ክሳብ እዚ ጉባኤታት ሰለስተ ውድባት ዝተኻየደሉ ኣብ ክሊ ሓደ ወርሒ ሓምለ 2006 ከም ሓደ ዓብይ ምኽንያት ክቀርብ ኣይክእልን። ዝዀነ ውድብ ከኣ ነፍሱ ከየመዓራረየ ውሽጡ ከየሕደሰን፡ ንኪዳን ክዕርን ከሕድስን ኣይክእልን’ዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ በቲ ጉባኤ ምኽንያት ሓደ ካብ ሽግር ኪዳን ዝተቃለለ ናይ ምሓዙት ውድባት ጉባኤ ኣሰይ ክትብል ምተገባኣካ’ምበር ክትሓዝን ኣይግበኣን። ክሳብ ክሲ ዘብጽሓካ’ውን ኣይኮነን።
ኣብ ሽወደን፡ ጀርመን፡ ዓባይ ብሪጣኒያ ብፍሉይ ኣኼባታት ኣካይዶም ?
ኣበይ ሸነኽ ቦታ’ዩ እዚ ኣኼባታት ተኻይዱ፡ በዓል መን ተሳቲፎም፡ በቲ ንፈልጦን ክሳብ ሕጂ ዘሎና ሓበሬታን ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ፡ ንብወገን ሽወደን ብዝምልከት ብፍሉይ ድማ ኣብ መንጎ እዘን ቀዳማይ ክፋል ኤ.ዲ.ኪ ኣኼባ ከም ዘይተኻየደ’ና ንእፈልጥ። እቶም ነዚ ናይ ፍሉይ ኣኼባ ኣብ ሽወደን ተገይሩ ቢሎም ሓበሬታ ዘምጽኡን ምንጪ ሓበሬትኦም ንህዝቢ ክሕበሩ ይሕተቱ። ካብ ሓሊፉ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መራሕቲ ዝተፈላለያ ውድባት መጺኦም ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም፡ ኣብ’ቲ ኣኼባ ድማ ንውድባቶም ብፍሉይ፡ ንጉዕዞ ቃልሲ ኪዳን ከኣ ብሓፈሻ ሰፊሕ መገለጺ ህቦም። ሓበሬታት ናይ’ቲ ዝገበርዎ ኣኼባ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ መርበብ ሓበሬታት ይርከብ’ዩ። ካብኡ ሓሊፉ ግን ምስ ዝተፈላለየ ሓይሊ ኣኼባ ዝተገብረ ብዘይምህላዉ ውጹእ ጌጋ’ዩ እብል።
ካብ’ቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝመጹ መራሕቲ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣቦ መንበርን ወልድየሱ ዓማር፡ ምክትል ኣቦ/መ ተስፋይ ወልድሚካኤል ደጊጋ፡ ግ.ሃ.ድ.ኤ ኣሕመድ ኢብራሂምን ዶ/ር የሱፍ ብርሃኑ፡ ሰ.ዲ.ኤ ኣቶ ሓምድ ድራርን ሰመረ ተኸስተን ኣኼባ ኣካይዶም። እዚኦም መራሕቲ ዝገበርዎ ፍሉይ ኣኼባ ሰለስተ ወባት የልቦን። ኣብ ውሽጢ ውድቦም ግን ኣይድከሙ’ምበር ክሳብ ቃሕ ዝበሎም፡ ኣብ ቃሕ ዝበሎም ግዜን ቦታን ክገብሩ መሰል ዝህብን ዝኸልእን፡ ኣኼባ ንኽገብሩ ዝሓትዎ ፍቃድ’ውን የብሎምን። ነጻ እዮም፡ ንስኻ’ውን ከምኡ።
ካልእ ኣብ ጀርመን መራሕቲ ሰለስተ ውድባት ዝተረኸብሉ ማለት ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ብጻይ ወልደየሱሱ ዓማር፡ ግ.ሃ.ድ.ኤ ብጻይ ዓብደላ ኣደም፡ ሰ.ዲ.ኤ ብጻይ መስፍን ሓጎስ ተኻይዱ። እቲ ኣኼባ ክፉትን ህዝባውን ኣብ ልዕሊ ምንባሩ፡ ዝዀነ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከብ መራሕ ኣብ’ቲ ኣኼባ ክሳተፍን ዝዓደመ ኣኼባ’ዩ ዝነበረ። ኣብ መብዛሕትኡ እቲ መደረን ዝቐረበ ሕቶታትን ከኣ ነፍሲ ወከፍ መራሒ ንውድቡ ወኪሉ’ዩ ዝቐረበ’ምበር ከም ሓደ ፍሉይ ሸነኽ ኮይኖም ዝቀረብሉ የብሎምን።
ኣብ’ዚ ሸነኽ ውድባት ዝገብርኦ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ክንዲ ኣሳልጦን ደገፍን ምልጋስ፡ ኣበይ ሓዲረን ኣበይ ዊዒለን እንታይ ተባሂሉ እንዳበልካ፡ ንሱ ከይኣክል መብርሂ ዶ መግለጺ እንዳበልካ ከም ሓደ ዓብይ ገበን ተረኺቡ ንህዝቢ ምቅራብ ነገር ሓቂ ዝሓዘለ ኣይኮነን። ከም’ቲ ኣብ መእተዊ ዝገለጽካዮ ሓደ ውድብ ኣብ ኤ.ዲ.ኪ ናይ ምህላው ብርድየቱን ፍትወቱን ካብ በልካ፡ ደጊም ነቲ ውድባት ብርዴተንን ፍትወተንን ዝወስዶኦ ምርጫ እንታይ ኣብ ካልእ ክሲ ክትነጥር ይገብረካ። ከምኡ ውሰዶ።
ወልደየሱስ ዓማር ኣብ ቃል መሕተት ብመራሕቲ ተጃሂሩ ?
ብጻይ ወልደየሱስ ዓማር፡ ነቲ ተሰኪምዎ ዘሎ ስልጣን ንትርፊ ግዜኡ ከም ዘይኮነ ፈሊጥካ፡ ንሱ ንዝወስዶ ስጉምቲ ከኣ፡ ከም’ቲ ንስኻ ዝበልካዮ ንጃህራ ዘይኮነስ፡ ብጻይ ወ/የሱስ ዓማር ምስ’ቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ሰባትን ሰብን ዘለዎ ኣኽብሮትን ኣረኣእያን ብተኣማንነትን ብኵርዓትን ከም ዝዛረበሉ’የ ዝፈልጥ። ነቲ ተሰኪምዎ ዘሎ ሓላፍነት ከኣ ክመርሓሉ ከም ዝተሰከሞ እፈልጥ። ነቲ ቃል መሕተት ኣነ ኣየንብቦ ደኣ’ምበር ብጻይ ወ/ዓማር ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ቃልሲ ዝነበረ፡ ነቶም ኣብ ጎኑ ተሰሊፎም ዘለዉን ብጾቱን መሳርሕቱ ብኽብሪ’ምበር ብጃህራ ከም ዘይየልዕሎም ኣጸቢቐ እፈልጥ። ደሓር ሞያዊ ጋዜጠኛ ምዃኑ’ውን ንዓኻ ሓበሬታ ዘድልየካ ኣይኮነን።
ልዕሊ ኩሉ ድማ ነቲ ተሰኪምዎ ዘሎ ሓላፍነት ብብቕዓት እንተተሓተተሉ፡ ብውክልና ኩሎም፡ ወይ ወኪሉ መዝነቶም እንተገለጸ፡ ክእለት እንተገለጸን ኣነ ይኹን ንስኻ ንወስዶ ወይ ነልግሶ ሓላፍነትን መዝነትን ንስለ ዘይኮነስ ብዙሕ ዘሰክፍ ኣይኮነን።
መደምደምታ
ኣብ’ዚ ሓንቲ ነገር ከረጋግጸልካ ዝፈቱ፡ ኣባላት መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ በቲ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ ዝተረኽበ ምፍንጫል ብዙሕ ከም ዘተሓሳሰቦም፡ ነቲ ጉዳይ ከኣ ብልቦናን፡ ብህድኣትን ርጉእ መንፈስ ንምዕራዩ ዕድል ክወሃብ ካብ ዝብል ርጡብን ጥቝውን ኣተሓሳስባ ንኩሉ ዝቐረበሎም ሕቶ ከም ዝመለስዎን፡ ህድኣትን ዓቕልን ከም ዝሓተቱ ንዓኻን፡ ነቲ ከተጋግዮ ዝሓሰብካ ኣንባብን ምግላጽ’ዩ።
ተሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ካብ ህዝቡ ተኸዊሉን ተሓቢኡን ዝፈጸሞ ወይ ክፍጽሞ ዝሓስብ ስራሓት የብሉን።
ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ባይታ ብዘቅረቦም ሕሳባትን’ምበር፡ ብጎቦጎቦ ናይ ክገብረልካ ግበረለይ ጠባያት ዘለዎ ኣይኮነን።
ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ናይ ዕላማታቱን መርገጻቱን ውሳኔታቱን ቅዩድ ውድብ’ዩ። ንዕላማታቱን መርገጻቱን ንህዝቢ ከፋልጥን ምስ ውድባት ክቀራረበሉን ሓባርዊ ናይ ቃልሲ ባይታ ክፈጥረሉን ከኣ ረመጽ ረጊጹ፡ ዝኸነ ይኹን ጸለመን ክሲ ተቐቢሉ ክሳብ’ቲ ሓቂ ናይ ምርግጋጹ ዝዕወት ብዘይዕረፍቲ ብቃልሲ ፍረኡ ከረጋግጽ ዝመርጽ ውድብ’ዩ።
ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ብዝኸነ ይኹን መልክዕ ተጃሂሩ ኣይፈልጥን። ንስለ ዘይጃሃር ከኣ ምስ ትንኣስ ትዕበ ውድብ ንሓድነት ወትሩ ቤት ጽሕፈታት ካብ ምኵሕኳሕ ዓዲ ዊዒሉ ኣይፈልጥን። ትምክሕትን ጃህራን ኣብ መዝገበ ቃላት ተግባራት ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ የለዋን።
ይቕጽል………..
ክንዕወት’ና
4 ሚያዝያ 2007
ኣንቶንዮ ተስፋይ
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|