|
||
|
|
||
|
“ኢኣምር ም-ኣምር” በላ ኣቡና ብካር ብ ድራር መንታይ ነዛ ኣርእስቲ እዚኣ ኣልዒለ ንኽጽሕፍ ካብ ዝገደደኒ ቀንዲ ጉዳይ ማለት ነቲ መሰል ናይ ደቂ ሰባት ካብ ምጽሓፍን ነጻ ሓሳብካ ምግላጽን ንምንጻግ ወይ ካብ ባዶ ተላዒልካ ንምንቃፍ ዝዓለመ ዘይኮነስ እንታይ ድኣ ሓቅን ሓሶትን ተሓዋዊሱ ምስ ዝጓዓዝ ክፈልጥ ንዝደሊ ዘደናግር ስለዝኾነ። ካብዚ ናይ ሓሶትን ፍዅሰትን ኣሉባልታ ነጻ ክንከውን ኣሎና ንምባል ጥራሕ ኢዩ፣
ቅድሚ 150 ዓመት ኣቢሉ ይገብር ማለት ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን። ኣቡና ብካር (ቪካር) ዝበሃሉ ምስዮናዊ ኣብ ከባቢ ምድሪ መንሳዕን ምድሪ ብለንን እናተንቀሳቐሱ ይምህሩን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይህቡን ነበሩ፣ ሓደ ጊዜ ኣብ ሓንቲ ጥቓ ከረን እትርከብ ዓዲ ቈልዑ ይምህሩ ነበሩ እሞ እቶም ቈልዑ በብቚሩብ ካብ ቤት ትምህርቲ እናተረፉ ኣብ መወዳእታ ዝመሃር ቈልዓ ተሳኢኑ፣ እቶም ኤውሮጳዊ ቀሺ (ኣባ ወይ ኣቡና ብካር) ደንጽዩዎም። ነቶም ኣቦታት ኣኪቦም ደቅኹም ስለምንታይ ካብ ትምህርቲ ተብኩርዎም ኣሎኹም? ኢሎም ምስ ሓተትዎም። እቶም ወለዲ ሓፊሮም ዘይከውን ምኽንያታት ክህቡ ድሕሪ ምጽናሕ። ኣብ መወዳእታ ነታ ዝነበረት ሓቂ ከምዚ ኢሎም ኣውጺኦምዋ፦ “ኣባቴ! እዘን ኣንስትና እዚ ጻዕዳ ሰብኣይ ጠቢብ ኢዩ፤ ሽሕርታይ ኢዩ፣ ደቅና ክበልዓልና’ዩ ኢለን ካብኹም የርሕቕኦም ኣሎዋ። ኣንስቲ ሕራይ ከይበላ ከኣ ቘልዑ ካብ ገዛ ከነውጽእ ኣይንኽእልን” ይብሉዎም፣ ቀሺ ከኣ ኣስደሚሙዎም “ምኢበለኩም ውላጀ፣ ኢኣምር ም-ኣምር!” በልዎም ይብሃል፣ ትርጉሙ ከኣ “ወይ ደቀይ እንታይ’ሞ ክብለኩም! ዘይፈልጥ እንታይ ይፈልጥ! ኢዩ፣ ክሳዕ ሕጂ ኣብቲ ዝጠቐስኩዎ ከባቢ ጥቕሙ ብዘይምፍላጥ ንጥቕሙ ዝሃርም ሰብ ክትርኢ ከሎኻ እትጥቀመላ ምስላ ኮይና ኣላ፣
ሎሚ ከም ኣርእስቲ እዛ ሓጻር ዓንቀጸይ ክጥቀመላ ዘገደደኒ ምኽንያት። ሓንቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብዓረብኛ እተጻሕፈት ድኽምቲ ዓንቀጽ ኣብ መርበብ መስከረም ዶት ነት ምስ ኣንበብኩ ኢዩ፣ እቲ ጸሓፋይ ዓቀይታይ ተኽለ (ናይ ብርዒ ስም ክኽውን ይኽእል) ብዛዕባ ናይ 1982 “ውዲት ታህዳይን ኮሮኮንን” ብዝብሎ ክስታት ክዛረብ ይፍትን፣ ናይ ቀደምን ናይ ሕጅን ተኸተልቲ “ንሕናን ዕላማናን” ኢሉ ብዝኸሶም ሰባት እውን ሃበስ ቀደስ ይጠቓቕስ፣ እቲ ኣውራ ሕልናይ ዘይተቐበሎ ከኣ ንሓደ ኣጸቢቐን ብቐረባን ዝፈልጦ ሃገራዊ ክደፍር ብምርኣየይ ኢዩ፣ እቲ ብዘይከውን ስሙ እተላዕለ ሰብ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ብጽቡቕ ዝፈልጦን ዝዝክሮን ወልደሱስ ዓማር ኢዩ፤ ማለት ናይ ሎሚ ኣቦ መንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውራዊ ባይቶ።
እቲ ዝብሎ ዘይፈልጥ ጸሓፋይ ንወልደሱስ ዓማር ከም “ጸላኢ” ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ከም ጃሱስን ዓርኪ ጀዋሲስን፡ ከም ግደ ዘይነበሮን ዘይብሉን ከም ኣብ ቃልሲ ዘይወዓለ ባእታን ከም ወዲ-መዝሙር “ንሕናን ዕላማናን” ገይሩ ክገልጾ ምፍታኑ ኢዩ፣ (ንሕናን ዕላማናን ዝብል ጽሑፍ ኣብ መጀመርያ 1970ታት ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ተደሪሳ ኣብ መንጎ ሕብረተሰብና ናይ ፍልልይን ቅርሕንትን ድማ ዝኣኽላ መልእኽቲ ዘመሓላለፈት ኢያ፣ ኣሰራታ ከኣ ክሳዕ ሕጂ ኣሎ።) ኣነ ከም ዝፈልጦ ግን ወልደሱስ ዓማር ንመሳትኡን ነቶም ድሕሪኡ ኣብ ቃልሲ ዝሰዓብናን ወለዶታት ኣብ ቃልሲ ካብ ዘጽመዱን ዘተባብዑን ሃገራውያን ኢዩ። ከምኡ ምዃኑ’ውን እቶም ዝፈልጡ ይፈልጥዎ። እዚ ግደ ወልደሱስን መሰልቱን ከቈናጽብ ዝጸዓረ ጽሓፋይ ብርግጽ ፍልጠትን ብስለትን ከምይዘይብሉ ኢዩ ዘመስክር ዘሎ፣ ብርግጽ እታ “ኢኣምር ም-ኣምር” እትብል ምስላ ከኣ እትግብኦ ሰብ ኮይኑ ይስመዓኒ፣ ያኸሳራ! ድሕሪ ናይ ሰላሳ ዓመት ዝተጠርየ ፖለቲካዊ ንቕሓት ሎሚ ተመሊስካ ተሓጺብካ ናብ ጭቃ ከምዝተባህለ ንድሕሪት ከም ሽንትገመል ምብጻሕና ድማ ኣዚዩ የተሓስበኒ፣ ገደ ህዝቢ ኤርትራ እንተስ ብሓባር እንተስ ብውልቀ ሰብ ነናቱ እጃም ዘልዓለ ክንሱ ኣብ ሎሚ በጺሕና ኣብ ናይ ምጽልላም መገዲ ክንውግኖ ከኣ ኣዝዩ ዘሕፍርን ዘሕንኽን ኢዩ፣
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣበይን ብወዲ ኣየናይ ዓለትን ተጀሚራ ብዘየገድስ፡ ምስ ኩሉ ክፋላታ ናይ ኲልና ውድብ ነይራን ኣላን። ፍረቃልሲ ናይ ኲልና ታሪኽ ኢያ፣ ናይ ሰብዓታት ተሓኤ ናይ ሓምድ መሓሙድን ናይ ሑሰን ኸሊፋን ጥራይ እትመስሎ ሓውና ጽሓፋይ (ዓቀይታይ ተኽለ) ግን ነዚ ብሩህ ሓቂዚ’ውን ዝፈልጥ ኣይመስልን፣ ንሱ ከም ዝርድኦ እቶም ነቲ ቅድሚ 25 ዓመት እተፈጸመ ደማዊ ዕልዋ ናይ ራሳይ (25.3.82) ዘይተቐበሉ ተጋደልቲ ተሓኤ ከም ደገፍቲ “ንሕናን ዕላማናን”፤ ደቀ-መዝሙር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ገይሩ ኢዩ ዝርእዮም፣ ነቲ ጽሑፉ ከንብብ ከሎኹ ከኣ እቲ ቅድሚ ርብዒ ዘመን ዝደጋገም ዝነበረ ግጉይ ቃላት ትዝ ይብለኒ፣ ድሕሪ ዕልዋ ራሳይ እቶም ደገፍቲ ዕልዋ ነቲ ዝበዝሔ መሰረታት ውድብ “ኢሳያስ ይቐርበኩም! ኪዱ ናብ ኢሳያስ” ክብሉ ይዝከረኒ። 25 ዓመታት ሓሊፉ ግንከ እቲ ሽዑ ኪዱ፤ ርሓቑ ዝብሃል ዝነበረ መሰረታት ወድብ ብጽንዓት ድኣ ኣንጻር ኢሳያስን ፈላላይ መስመሩን ቀጥ በለ እንበር ናብ ኢሳያስ ኣፈወርቅስ ኣይከደን ኣይክኸይድን እውን ኢዩ፣
ኣብ ሰውራ። ጸላኢኻን ፈታዊኻን ምልላይ ካብቲ ዝወሃብ ዝነበረ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኢዩ ነይሩ፣ ፈታዊኻ ካብ ጸላኢኻ ክትፈሊ ዘይትኽእል እንተኾንካ ከምዘይትዕወት ትምህርቲ ሰውራ የረጋግጾ ነይሩ። ብሓቂ ከኣ ከምኡዩ፣ ነቲ እስትራተጂካዊ ወገንካን ናይ ቃልሲ ብጻይካን ዝኾነ ተቓላሳይ ውድባትን ባእታታትን ናተይ ኣይኮንካን “ኢሳያስ ይቐርበካ” ክትብል 25 ዓመት ዝሓልፈካ እንተኾይኑ፣ ካብኡ ቀጺሉ’ውን ዘይርድኣካ እንተኾይኑ እንታይ ክትበሃል ኢኻ? እቲ ሕቶ ናባኻ “ዓቀይታይ ተኽለን” ናብ ኲሎም እቶም ከምዚ ናትካ እምንቶ ንዘለዎም ዘቕንዐ ኢዩ፣ እሞ ክንእረም ይግባእ፣ ምኽንያቱ ኤርትራ ናይ ኩልና ኢያ። ናይ ዝተቓለሰን ዘይተቓለሰን፣
እንተ እቲ ሓቂ ከተምስል ብዛዕባ ወልደሱስ ክትብሎ ዝደለኻ መልሲ ዘድልዮ ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ። ኰነ ኢልካ ክተጸልምን ክተካፍእን ስለዝተበገስካ ካብ ኣጸሓሕፋኻ ርዱእ ስለዝኾነን ንመልሲ ንኽወሃቦ ዝበቅዕ’ውን ኣይኮነን፣ ንእግረ መንገደይ ግን ነቲ ዝፈልጦ ሓቂ ክሕብረካ እፈቱ፣ ኣነ ንወልደሱስ ዓማር ምስቲ ናይ መዋእል ብጻዩ ስውእ መምህር ምኪኤል ጋብር ካብ ሱሳታት ኣትሒዘ ኢየ ዝፈልጦም፣ ክልቲኦም ኣብ ቀዳማይ ዓመት ዩኒቨርስቲ ከለዉ ኣነ ኣብ ዓሽራይ ክፍሊ ነይረ፣ ወልደሱስ ልክዕ ኣብ ኣሸራ ተወሊዱ፤ ኣብ ከረን ብሓፍቱ መምህር ምንያ ዓማር እናተሓገዘ ተማሂሩ፣ ስለዚ ወልደሱስ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ከምዘይተማህረን ብምስዮናት ከምዘይተሓገዘን ኢየ ዝፈልጥ፣ እቲ ሓቂ ከምኡ እንተዝነብር’ውን ነውሪ ኣይነበሮን። እቲ ብኣቕሽሽትን ምስዮናትን ተሓጊዙ ዝበልካዮ ፈጠራ ግን ካበይ ከም እተማህዘን ንምንታይ ከምዝጠቐስካዮን ኣይፈልጥን፣ ወላ ወልደሱስ “ክርስትያን ኢዩ ወይ ከኣ ክርስትያናዊ ስምዒት የጥቅዖ ኢዩ” ክብሃል ኢዩ ተደልዩ? ከምኡ ክብሃል ተደልዩ እንተኾይኑ ከኣ ጌጋዩ፣ ምኽንያቱ በቲ ኣብ ዲሞክራሲያዊ መትከልና ዝኣምነሉ እንተርኢና፤ ኩሉ ነናቱ እምነት ሕልው ኢዩ ዝብል፣ ወላ እታ ንስኻ እትኣምነላ ዲሞክራሲ ካብዚ ኣምር እዚ ፍልይ ዝበለት ኢያ?
ብዛዕባ ብወልደሱስ ዓማር እተኻየደ ንሜዳ ምፍናው ናይ ብዓል ስዉእ ስዩምን። ስዉእ ወልደዳዊትን። ስውእ ሙሴን። ኢሳያስ ኣፈወርቅን ሃይለ ድሩዕን ካልኦት ሃገራውያንን ኣልዒልካ’ውን ሓሶት ክትብል ደፊርካ። ግን ከምኡ ኢልካ ንታሪኽ ቃልስና እንተዘይትደፍር ምሓሸካ። ናይ ሓቂ ታሪኽን ድሙቕ ስራሕ ተቓለስትን ስለዝኾነ። ካብኡ ቀጺለ ክብሎ ዝደሉ ከኣ ኣብ ውሽጢ ከተማታት ኰንካ ክንደይ ቅያን ክንደይ ቁምነገርን ከም ዝስራሕን ከም እተሰርሔን ዝፈልጦ እቲ ክፈልጦ ዝኽእል ጥራይ ኢዩ። “ዘይፈልጥ እሞ እንታይ ይፈልጥ?” ኣቶ “ዓቀይታይ ተኽለ”?
ኣብ መወዳእታ ክብለካ ዝደሊ ከኣ ምእንቲ ክትዕወት/ክንዕወት ፈታዊኻን ጸላኢኻን ከተለሊ ምጽዓርን ነቲ ገደ ተሓኤን ታሪኻዊ ቃልሳን ዘይፈልጥ ሓዲሽ ወለዶ ብሕማቕ ኣብ ክንዲ ነፋልጦ በቲ ዝተሰርሐ ቅያን ቁምነገርን ታሪኽ ዝምህርን ዘሰንቕን እንተሓብሓብናዮ ዝሓይሽ ኮይኑ ይስመዓኒ፣
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|