Nharnet Articles/Opinions

     

        

ኣይተረሳዕኩምን እሱራትና

          

  ብግርማይ ብርሃነ

  26.04.2007

 

ኣብ ጐዳጕዲ እንተቐመጠኩም፡ ወረኹም ከይስማዕ፡

ማሕለኻታት እንተፈጠረ፡ ዕላማኹም ከይሳኻዕ፡

ንጹህ’ዩ ታሪኽኩም፡ እናሓደረ ዝዅላዕ፡

ቀጥ ዝበለ ጕዕዞ’ዩ፡ ዘይብሉ ሸብዳዕዳዕ፡

ህዝብኹም ብርሃን ክርኢ፡ ዝበልክምዎ ገልታዕታዕ፡

ምያኹም ዓቢ’ዩ፡ ከመይ ኢሉ’ሞ ክርሳዕ፡።

 

      ሜዳ ዝጸበኩም ዝነበረ፡ ተዀርሚዂም ኣብ ኩርናዕ፡

      ክንደይ ኮን ይመርር፡ ጅግና ብፈራሕ ክውቃዕ፡

      ደም ምስታይ ዝለመደ፡ ቀይሕ ዝኣፉ ከም ጭርናዕ

      መወዳእታ ክህልዎ ግድነት’ዩ፡ ናይ ኢሳያስ ሸብዳዕዳዕ

      ደጊም ጀሚሩ ኣሎ፡ ጸላኢኹም ክጣራዕ፡

      ሎምስ ቀሪቡ’ዩ፡ ነንሓድሕዱ ክባላዕ።

 

ዕርቃኑ ወጺኡ፡ ጉዱ ክቃላዕ፡

መእተዊኡ ጠፊእዎ የማነ-ጸጋም ክጻፋዕ፡

ስምኩም ከለዓል እንከሎ፡ ኣብራኹ ይብሎ ራዕራዕ፡

መሕብኢ ኣይረክብን’ዩ፡ መኸወሊ ድፋዕ

ዋላ ንርእሱ ትኸውን፡ ንእሽቶይ ነቓዕ

ከም ተመን ተፈሪዱ’ዩ፡ ርእሲ ርእሱ ክውቃዕ።

 

      ኣበይ ኣበሉ፡ በዓል ወ/ማርያም ወዲባሻይ ጴጥሮስ ድሩዕ፡

      ደጋጊምና ክንሕይኾ ኢና ክሳብ ሓቁ ንፈልጥ ከም መጕስዕ፡

      ጀጋኑ ውሒጥካ፡ ናብ በዓል የማነታት’ዶ ክሻ፡ ጽግዕ ጽግዕ፡

      ናትካ ኣቐሚጥካ፡ ብእንዳማትካ ከተወግዕ፡

      ኣብ ዘይጓይላኻ፡ ተዓጢቕካ ክትስዕስዕ፡

      መን ምስ በለካ’ዩ፡ ንስኻ ካብ ህበይ ትምልክዕ።

 

ምሒልና ጥሒልና ኢና፡ ንዓኹም ከይንርስዕ፡

ክንቃለስ ኢና፡ ኣእዳውናን ኣእጋርናን ክሳዕ ዝጽንብዕ፡

ኣይንድሃልን ኢና ብናይ ጨቈንቲ ምጕብዕባዕ፡

ኣይነፍቅድን ኢና ብደምናን ብዕድልናን ዝጣላዕ፡

ካብ ሳዕሳዕካ ምቍጽጻይ’ዩ፡ የለን ምምጥላዕ፡

እንተበኣሰ፡ ብዘይካ ደም ካልእ ኣሎ ድዩ ዝንቃዕ!!!


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com