|
ናይ ሓባር መግለጺ
ኤሪትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ( 1 )
ግንባር ሃገራዊ
ድሕነት ኤርትራ፡ ተ.ሓ.ኤ.ሰውራዊ ባይቶ፡ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ
ብመጋቢት 25/2007 ሰለስተ ውድባት ብሓባር ንኽሰርሑ ንዝገበርዎ ስምምዕ ምርኩስ ብምግባር ሚያዝያ 01/2007
ካብ ነብሲወከፍ ውድብ ከክልተ አባላት ብምውካል አብ ቶሮንቶ ካናዳ ተራኺቦም ግዜያዊ ሽማግለ መሪጾም፡ ናይ መጻኢ
መደባቶም ድማ ተሊሞም። ኣብዚ ሰለስተ ሓለፍቲ ውድባትን፤ ካብ ነብሲወከፍ ውድብ ዝተወከሉ አባላትን አብ ዝተረኽብሉ
ተረኽቦታት ካልኣይ ጉባኤ ኤሪትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ድሕሪ ምኽላል፤ ብደረጃ መሪሕነት ኤሪትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን
(1) ዝተወስደ ሓላፍነታዊ ተበግሶ ምእላይ ኣሞጉሱ፤ ሕጂውን ንቀጻሊ ጻዕርታቱ ዝያዳ ክሐይሎን ከበራትዖን እሞ
ሓንቲን ስምርትን ጥምርትን ኤሪትራዊ ኪዳን ብሓድነት ተርኒዓ ክትቅጽል ጸዊዑሎ።
ሓደ ዓይነት
ቻርተራዊ መትከላት ዝሓዘ ክልተ ኪዳን፡ ብቁጽሪ’በር ብዕላማ ሓደ ስለዝኾነ፤ ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ዘይምርድዳእ፡
ብሓላፍነታዊ ዓይኒ ተራእዩ ኣብ ሓደ ክመጽእ ጸዊዑ። ክሳብቲ ብህጸት ክትግበር እንጽበዮ ኪዳናዊ ሓድነት ድማ ኣብ
ደውታ ክንጸንሕ እዋኑ ዝጠልቦ ስለዘይኮነ ምስ ኤሪትራዊ ዲሞክርሲያዊ ኪዳን (1) ክንሰርሕ፡ ንደገፍቲ ካልኣይ
ሸነኽ’ውን አብ ስራሕና ዝፈላሊ ስለዝይብሉ ክሳብ ዘይተርፍ ሓድነትዊ ጉዕዞና ብሓባር ክሰርሕ ጸዊዑ።
ከምኡ’ውን ንኹሎም
ደንበ ተቃወምቲ አብ ኪዳን ዘየለዉን፤ ሲቪክ ማሕበራትን ፤ ግዱሳት ውልቀሰባትን ፤ ምሁራትን ፤ ነዚ ሃገርን ህዝብን
ልዕሊ ኹሉ!! ዝብል መድረኻዊ ጸዋዒት ብሓደ ቅልጽም ብሓባር ተረዳዲእና ክንሰርሓሉ ጸዊዑ።
አብ መዛዘሚ
ንጊዜኣዊ መደባትና እትመርሕ፤ሽድሽተ ዝኣባላታ ግዜኣዊት ናይ ሓባር መወሃሃዲት ሽማግለ ኣቁሙ፤ ኩሉ ዝጥለብ ስርሑ
ብምክያድ ፡ ናብ ሓድነታዊ መስርሕ ዝበጽሕ ስኒትን ምክብባርን ዝመበቆሉ ቃልሲ ከካይድ ወሲኑ።
ክብርን ዝኽርን
ንስዉኣትና!!!
ክንዕወት ኢና!!!
ኤርትራዊ
ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (1)
ግንባር ሃገራዊ
ድሕነት ኤሪትራ
ተጋድሎ ሓርነት
ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ
ሰልፊ ዲሞክራሲ
ኤርትራ
ቶሮንቶ ካናዳ።
ጊዜኣዊት
ኣወሃሃዲት ሽማግለ ካናዳ ቶሮንቶ።
|