|
||
|
ሪፖርታጅ ኣኼባታት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን-1 ኣብ ገዳርፍን ከሰላን
ቤት ጽሕፈት ዜና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን 27.04.2007
ብጻይ ሓጅ ዓብደልኑር፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህዝባውን ማሕበራውን ጕዳያት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን (ቀዳማይ ወገን)ን ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ዝመርሖን፥ ብጻይ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን፥ ብጻይ ዑስማን መሓመድ፡ ኣባል መሪሕነትን ወኪልን ሃገራዊ ግንባር ድሕነት ኤርትራ ኣብ ከሰላ፥ ብጻይ ተድሮስ፡ ወኪል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ገዳርፍ ዝርከብዎ ልኡኽ ብዕለት 23ን 24ን ሚያዝያ 2007 ኣብ ገዳርፍን ከሰላን ናይ መሰረታት ኤርትራዊ ዲሞክራስይዊ ኪዳን (ቀዳማይ ወገን) ኣኼባታት ኣካይዱ።
ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ፡ ብጾት ሓጅ ዓብደልኑርን መሓመድ ኣደም ኣርትዓን፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ካልኣይ ጕባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣመልኪቶም፡ ቅድሚ ምክያድ ጕባኤን ድሕሪኡን ዝነበረ ኵነታትን ውጽኢታቱን ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም።
ብጻይ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ፡ ምሕዝነት ኣብ እተመስረተሉ እዋን ጕባኤ ዝብል ሓሳብ ከምዘይነበረን፤ ጠቕላላ ጕባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስይዊ ኪዳን ክህሉ ዝደፋፍኣ ውድባት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ምዃነን ኣብሪሁ። እንተዀነ ግን፡ እቲ ንጕባኤ ዝተገብረ ምድላዋት ከም’ቲ እተጸበናዮን እተመነናዮን ኣይኰነን። ምኽንያቱ ድማ፡ ብሰንኪ ብዝሒ ዝቘማ ኣሰናዳእቲ ሽማግለታት እቲ ናብ ጕባኤ ክቐርብ ዝነበሮ መጽናዕታት ከይቐረበ ተሪፉ ኢሉ። ቀጺሉ፡ ኣብ ምጽዳቕ ቻርተርን ቅዋምን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዘጋጠሙ ዕንቅፋታትን ዝተኻየዱ ክትዓትን ብዝርዝር ሓቢሩ።
ብድሕር’ዚ፡ ብጻይ ሓጅ ዓብደልኑር፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ምምራጽ ዝተጋህዱ ዕንቅፋታት ከብርህ እንከሎ “ንሕና፡ ብዘይካ ነቲ ጕባኤ ምዕዋት እንተዘይኰይኑ፡ ከም’ቲ ተቐናቐንትና ዘውርይዎ ካልእ ሕቡእ ዕላማታት ኣይነበረናን” ኢሉ። ውድባት ኪዳን ብሓፈሻ፡ እቲ 6 ድምጽታት ዝነበሮ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ድማ ብፍላይ፡ ማዕረ ድምጺ ክህልወና ምቕባልና ንምዕዋት ናይ ጕባኤ ዝነበረና ድሌት’ዩ ዘንጸባርቕ። ዋላ፡ እቶም ብሓደ ዝውከሉ ዝነበሩ ውድባት ብክልተ ከምዝውከሉ ኢዩ ተገይሩ።
ብዛዕባ መን ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ይኸውን ዝብል ሕቶ ብዝምልከት ከኣ፡ ብሕግታትን ቅዋምን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝምእዘዝ ዝዀነ ይኹን ውድብ ወይ ኣባል ማእከላይ መሪሕነት ንኣቦ መንበርነት ክምረጽ ከም ሕጹይ ክቐርብ መሰሉ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ኣስዒቡ፡ ብ50%+1 ኢና መሪሕነትና ንመርጽ ዝብልን፡ ብኡ መሰረት ውን መሪሕነቱ ዝመረጸን ካልኣይ ወገን ግን፡ ብዛዕባ ኣብ ቅዋምና ዘየሎ ሕጊ’ዩ ዝዛረብ ዘሎ ኢሉ። ከምኡ ውን፡ ኣብ ተመኵሮና ብ50%+1 ኢና መራሕትና ንመርጽ ኔርና ዝብል ኣበሃህላ ሓቅነት ዘለዎ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ናይ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ ይኹን ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ቅዋም፡ ዝዀነ ይኹን ውሳኔ ወይ ሕጹይ ¾ ድምጺ ክረክብ ከምዘለዎ ኣጽዲቑ ኢሉ።
ብዛዕባ’ቲ ሰለስተ ውድባት ዝገበሮ ሕድገታት ብዝምልከት ከኣ፡
ዝብል ርእይቶታት ከቕርብ እንከሎ፥ እቲ ካልኣይ ወገን ግን፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብ50%+1 ማለት ብተራ ብዝሒ ድምጺ’ዩ ክምረጽ ኣለዋ ኣብ ዝብል ናይ ቀደም መርገጹ ደረቐ ደኣ’ምበር፡ ዝዀነ ይኹን ሕድገት ኣይገበረን። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ድርቅና’ዚ ድማ፡ ኪዳን ኣብ ክልተ ወገናት (ብሎካት) ክኽፈል ግድን ኰነ ክብል ኣብሪሁ።
ቀጺሉ፡ ብጻይ ሓጅ ዓብደልኑር፡ እቲ ካልኣይ ወገን ዘካይዶም ዘሎ ናይ ጸለመ ወፈራታት ኣመልኪቱ፡ ምስ’ቲ ዘጋጠመ ሓቀኛ ክውንነት ዝዀነ ይኹን ዝምድና ከምዘይብሉ ሓቢሩ። እዚ ጸለመታት’ዚ ድማ፡ ንረብሓ ናይ’ቲ ኣብ ዝባን ህዝብና ተጻዒኑ፡ ተቓወምቲ ውድባት የለዋን እናበለ ዝምድር ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት እንተዘይኰይኑ ካልእ ፈይዳ ከምዘይብሉ ኣሚቱ። ብሰንኪ’ዚ ሓቅነት ዘይብሉን ዘይጥዑይን ወፈራታት’ዚ ክፍጠር ዝኽእል ሓደጋታት ድማ ቀሊል ከምዘይኰነ ውን ኣጠንቂቑ። “እቲ ተረኽቦ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዘይደልዮን ዘይሕጐሰሉን ዘሕዝን ተረኽቦ እኳ ይኹን ደኣ’ምበር፤ ነቲ ክውንነት ተቐቢልና ነቲ ዝነበረ ኵነታት ከይጠማዘዝና ከምዘለዎ ምግላጹን፤ ኵላትና እንዓግበሉ ሓድሽ መፍትሒ ንምርካብ ክንጽዕርን፤ ነቲ ግርጭት ካብ ምብላሕ ተቘጢብና፡ ኣድህቦና ኣብ ምውዳቕ ናይ’ቲ ሓባራዊ ጸላኢና ዝዀነ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ክኸውን፤ ከምኡ ውን፡ “ገመድ ሓሶት ሓጺር’ዩ” ከምዝብሃል፡ በቲ ናይ ጸለመ ወፈራታት መኣዝና ክንስሕት ኣይግባእን ኢዩ በለ።
ኣብ መወዳእታ፡ ንኣኼበኛታት ሕቶታን ርእይቶታን ለበዋታትን ከቕርቡ ዕድል ተዋህበ። ካብ’ቶም ዝቐረቡ ሕቶታት ድማ፡
ነዚ ሕቶታት’ዚ ዝተዋህበ መልሲ ከም’ዚ ዝስዕብ ነይሩ።
ሕግታት ብዝምልከት፡ ልክዕ’ዩ፡ ተቓወምቲ ውድባት ስርዓት ኢሳያስ ብሕጊ ክኸይድ ቅድሚ ምጥላቦም፡ ነቲ ብሓባር ዘጽደቕዎ ሕግታት ክምእዘዙ ይግባእ።
ስለምንታይ ናይ ቀደም ባንዴራ ኤርትራ ክወርድ ተጠሊቡ ዝብል ብዝምልከት ከኣ፡ እዚ ኣበሃህላ’ዚ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን መሰረት ዘይብሉን ኣካል ናይ’ቲ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ጸለመ ወፈራታትን ኢዩ። እቲ ዘጋጠመ እምበኣር፡ ሓው ዓብደላ ኣደም፡ እታ ብኣጕራዊ ማሕበረ-ሰብ ተቐባልነት ዘለዋ ባንዴራ ኤርትራ ኣብ ጐድኒ እታ ናይ ቀደም ባንዴራ ኤርትራን ኣብ ጐድኒ ባንዴራ ኢትዮጵያን ክትስቀል ኣድላዪ ምዃኑ ከምዝርኢ ኢዩ ብህድኣት ንሰክረታርያ ጕባኤ ኢዩ ሓቲቱ። እታ ናይ ቀደም ባንዲራ ኤርትራ ክትወርድ ኣለዋ ዝብል ጠለብ ፈጺሙ ኣየቕረበን። ሓው ዓብደላ ነዚ ጠለብ’ዚ ከቕርብ እንከሎ፡ ጕባኤኛታት ኣብ ዕረፍቲ ኢዮም ነይሮም። ስለ’ዚ፡ እቲ ዝርርብ ኣብ መንጐ ሓው ዓብደላ ኣደምን ሰክረታርያ ጕባኤን ጥራሕ’ዩ ተኻይዱ። ሰክረታርያ ጕባኤ ድማ፡ ነታ ናይ ኤርትራ ናይ ቀደም ባንዴራን ነታ ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራን ኣውሪዳ፡ ነታ ኣርማ ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ጥራሕ ኣብ ዝነበረቶ ቦታ ተሰቒላ ክትተርፍ ገበረት። ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ’ዚ ዝምልከት ኣብ መንጐ ጕባኤኛታት ዝተኻየደ ክትዕ ይኹን ምስሕሓባት ድማ ኣይነበረን።
ብዛዕባ መርገጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ’ቲ ዝተጋህደ ቅልውላው ናይ ኪዳን ድማ፡ እቲ ተረኽቦ ከምዘሕዘኖምን፤ ነቲ ክልተ ወገናት ክህሉ ዝገበረ ክውንነት ተቐቢሎም፡ ንኵሉ’ቲ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣውዲቑ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክተክል ዝቃለስ ሸነኻት ብማዕረ ክርእዩን ክድግፉን ምዃኖምን ኢዮም ሓቢሮም ዝብል መልስታት ተዋህበ።
ብጕባኤኛታት ዝቐረበ ርእይቶታትን ለበዋታትን ድማ ከም’ዚ ዝስዕብ ነበረ።
እዚ ኣብ ገዳርፍን ኣብ ከሰላን ዝተኻየደ ኣኼባታት፡ ኣብ ክልቲኡ ከተማታት፡ ካብ ሰዓት 4 ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ምሸት’ዩ ቀጺሉ። ብዝሒ ኣኼበኛታት ድማ፡ ልዕሊ 200 ነይሩ። |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|