Nharnet Articles/Opinions

     

        

ኣኼባታት ኣባላት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን (ቀዳማይ ወገን)

ኣብ ገዳርፍን ከሰላን

 

ቤት ጽሕፈት ዜና

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

26.04.2007

 

ብጻይ ሓጅ ዓብደልኑር፡ ኣባል ግዝያዊ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን (ቀዳማይ ወገን)ን ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ዝመርሖን፥ ብጻይ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን፥ ብጻይ ዑስማን መሓመድ፡ ኣባል መሪሕነትን ወኪልን ሃገራዊ ግንባር ድሕነት ኤርትራ ኣብ ከሰላ፥ ብጻይ ተድሮስ፡ ወኪል ሃገራዊ ግንባር ድሕነት ኤርትራ ኣብ ገዳርፍ ዝርከብዎ ልኡኽ ብዕለት 23ን 24ን ሚያዝያ 2007 ኣብ ገዳርፍን ከሰላን ናይ መሰረታት ኤርትራዊ ዲሞክራስይዊ ኪዳን (ቀዳማይ ወገን) ኣኼባታት ኣካይዶም።

 

ልኡኽ ቀዳማይ ወገን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ብዛዕብ ህልዊ ኵነታት ሃገርና ብሓፈሻ፡ ብዛዕባ ኵነታት ደምበ ተቓውሞ ድማ ብፍላይ ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቡ። ከምኡ ውን፡ ኣብ መንጐ ክልተ ሸነኻት ናይ ኪዳን ቀጻሊ ልዝባት ምክያድ፡ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ንምብጻሕ ዝሕግዝ ኣገዳሲ መሳርሒ ምዃኑ ልኡኽ ቀዳማይ ወገን ኪዳን ኣስሚርሉ።

 

ኣኼባ ብደረጃ ብዝሒ ናይ ተሳተፍቲ ይኹን ብደረጃ ሕቶታትን ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣብ ምቕራብ ዝነበረ ተሳታፍነት ኣዝዩ ዕዉት ምንባሩ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ልኡኽ ፡ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ኣዕጋቢ መልስታት ኣብ ርእሲ ምሃቡ፥ ንለበዋታት ኣኼበኛታት ድማ፡ ብኡ ንብኡ ናብ መሪሕነት ቀዳማይ ወገን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ከምዝበጽሕ ገይሩ።

 

 


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com