|
ሓበናን
ኵርንዓትናን ኢዮም’ሞ ሽምዓና ኣብሪህና ንዘክሮም
ቤት ጽሕፈት
ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ
ባይቶ
15.04.2004
ኣባላት
ፈጻሚ ሽምግለ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝነበሩ ብጾት ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን (ወዲ ባሻይ)
ብ26 ሚያዝያ 1992 ብገበርቲ እከይ ዝዀኑ መሓውር ስለላ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ካብ ከሰላ ተጨውዮም ናብ
ኤርትራ ተወሲዶም። ን15 ዓመታት ድማ፡ ብዘይ ክስን ብዘይ ፍርድን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ናይ’ቲ ሰብኣዊ ርህራሄ
ዘይብሉን ሰብኣዊ ክብሪ ዘይፈልጥን ኣረሜናዊ ስርዓት ይበልዩ ኣለዉ። ቤተ-ሰቦም ይኹን ካልእ ሰብኣዊ ትካላት
ክበጽሖም ስለዘይፍቀድ ከኣ፡ ብዘይካ’ቲ ስርዓት ካልእ ይሃልዉ ኣይሃልዉ ክፈልጥ ዝኽእል ሰብ የለን።
እዞም
ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ሓርነት ህዝብና ንእስነቶም ዘብለዩ ሓርበኛታት ተጋደልቲ እዚኣቶም፡ ዝፈጸምዎ ዝዀነ ይኹን ገበን
የብሎምን። ብጽንዓቶም፡ ትብዓቶምን ተወፋይነቶምን ዝልለዩን፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቦምን ናይ ቃልሲ ብጾቶምን ብዝነበሮም
ሓልዮት ድማ፡ ምስጉናትን ፍቑራትን ዝዀኑ ተጋደልቲ ኢዮም ነይሮም። ከም’ዚ ዝዓይነቱ ሞያ ዝፈጸሙ ጀጋኑ ዜጋታት፡
ብኽብሪ ደኣ’ዮም ክተሓዙን ክዝከሩን ዝግባእ እምበር፥ ኣብ ናይ ሽዑ ህዝባዊ ግንባር ዘይምእማኖም ጥራሕ፡ ከም ገበን
ተቘጺሩ፡ ን15 ዓመታት ጸሓይ ከይረኣዩ፡ ኣብ ጐዳጒዲ ናይ’ቲ ስርዓት ክሰፍሩ ንዝዀነ ይኹን ብሰብኣዊ መሰል
ዝሕለቕን፥ ንሰብኣዊ ክብሪ ዝከላኸልን ውድብ ኰነ ውልቀ-ሰብ ቅቡል ኣይኰነን።
ዝዀነ
ሰብ፡ ንዝደለዮ ዕላማ ይኹን ንዝደለዮ እምነት ክስዕብ ክሕከኽ ዘይብሉ ጥራሕ ዘይኰነስ ብጌጋ ውን እንተዀነ ክንካእ
ዘይብሉ መሰል ወዲ ሰብ ኢዩ። ነዚ መሰል’ዚ ዝነክእ ዝዀነ ይኹን ሓይሊ ወይ ውልቀ-ሰብ ድማ፡ ክውገዝን ኣብ ቅድሚ
ሕጊ ቀሪቡ መቕጻዕቱ ክወስድን’ዩ ዝግባእ። ሕጊ እንዳባ’ኳ ከይተረፈ፡ ንመባእታዊ መሰላት ወዲ ሰብ የኽብር’ዩ።
ባርያ ኢሉ ንዝጸረፈ፡ ሰብ ንዝፈግአ፡ ዘይናቱ ንብረት ንዝመንዝዐ፡ ዝቐጽዕ ሕግታት ኣለዎ። ስርዓት ኢሳያስ ግን፡
ባዕሉ ሕጊ፡ ባዕሉ መንግስቲ፡ ባዕሉ ፈራዲ ኰይኑ፡ ንተቓወምተይ ኢዮም ዝብሎም ክቕንጽልን ክኣስርን ክጨውን፤
ንኣገልገልተይ’ዮም ዝብሎም ድማ፡ መሬትን ሃብትን ሽመትን ክዕድልን’ዩ ዝርአ ዘሎ። ከም’ዚ ዝዓይነቱ ፍትሒ ዘይፈልጥ
ስርዓት፡ ውዒሉ ሓዲሩ ሕማቕ ኣወዳድቓ ከምዝወድቕ ፍሉጥ’ኳ እንተዀነ፡ ብኣጋኡ ዓገብ ዝብሎ ስለዝሰኣነ ግን፡ እቲ
ብሓደ ክልተ ዝጀመረ መጭወይትን ማእሰርትን መቕተልትን፡ ሎሚ ናብ ኣማእታትን ዓሰርተታት ኣሽሓትን ክብ ክብል፣
ብጸላእቲ ዝጀመረ ክስን ጸለመን ንፈተውቲ ክለኪ፡ ኣብ ውሻጠ ዝጀመረ ባእሲ ናብ ጐረባብቲ ክልሑኽ ዕድል ረኺቡ። ከም
ውጽኢቱ ድማ፡ መጻኢ ዕድል ህዝብን ሃገርን ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ኵነታት ወዲቑ ምህላዉ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ስውር
ኣይኰነን።
ሕጂ
ውን፡ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ዜጋን ኵሎም ፖለቲካዊ ሓይልታቱን፡ ነዚ ስርዓት፡ ሕግን መሰልን ዘይፈልጥ ሃላሊ ጕጅለ’ዚ
ቀይዲ ክገብረሉ፡ ንኣዕናዊ ተግባራቱ ደው ከብሎን ሓላፍነቱ ምዃኑ ክዝንግዕ ኣይግባእን ኢዩ። ሓላው እሱራት፡
ስለምንታይ ኢና ነዞም ሰባት እዚኣቶም ኣሲርናዮም ዝብል ሕቶታት ከቕርብ፥ ፈራዳይ፡ ስለምንታይ ብዘይ ክስን ፍርድን
ሰባት ኣብ ማእሰርቲ ይበልዩ? ኢሉ ተቓውሞታቱ ከስምዕ፥ ጠበቓታት፡ ክሱስ ስለምንታይ’ዩ መሰል ናይ ጥብቅና ዝንፈጎ
ኢሎም ክምጕቱ፥ ቤተሰብን ቀረብን እሱራት፡ ደቅና ክንርእን ክንበጽሕን ስለምንታይ ንኽልከል ኢሎም ተቓውሞኦም
ከስምዑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ነዚ ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ደልሃመት ኣእትዪዎ ዘሎ ስርዓት “ደጊምሲ ይኣክል፡” ካብ’ዚ
ንላዕሊ ክንጽመም ኣይንኽእልን ኢና፡ “ሕጊ ይነብር ተተኺሉ፡ ስርዓት ይነብር ተዛዊሩ” ብምባል ኣብ ጽርግያታት ወጺኡ
ሰላማዊ ሰልፍታት ክገብር ግዜኡ ኣኺሉ ኢዩ። ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ድማ፡ ኣብ ጐድኒ ህዝቦም ደው
ክብሉን፡ ነቶም ቅተሉን እሰሩን እናበሉ ዝእዝዝዎም መራሕቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእትዉን ትጽቢት ይግበረሎም ኢዩ።
ኣብ
ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ድማ፡ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ እትውሃብ ሳንቲም ኣብ ምንዋሕ ስቅያት ናይ ህዝብና
ዓቢ ግደ ከምዘለዋ ፈሊጦም፡ ኵሎም ናይ ሕልና እሱራት ከይተፈትሑ፡ ሰብኣዊ መሰል ከይተሓለወ፡ ናጻ ፕረስ
ከይተፈቕደ፡ መስርሕ ዲሞክራሲ ከይጀመረ ሳንቲም ጻዕዳ ውን ትኹን ኣይንኸፍልን ኢና ኢሎም ነቲ ስርዓት ብሓደ እግሩ
ደው ከምዝብል ክገብርዎን፤ ኣብ ቅድሚ ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብ ንምቅላዑ ሰላማዊ ሰልፍታት ክገብሩን ሓላፍነቶም ምዃኑ
ክዝንግዑ ኣይግባእን።
ስለ’ዚ
ነዞም ሓበናን ኵርዓትናን ዝዀኑ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ናይ ፖለቲካ ተቓወምትን፡ ጋዜጠኛታትን መራሕትን ሰዓብትን
እተፈላለዩ ሃይማኖትን ንምዝካርን፡ ተቓውሞታትና ንግፍዓዊ ተግባራት ስርዓት ኤርትራ ንምግላጽን፡ ኣብ’ዛ ትመጽእ ዘላ
ዕለት 26 ሚያዝያ 2007 ኣብ ገገዛና ኰይና ሽምዓ ወሊዕና ክንዝክሮምን፤ ካብ’ዛ ዕለት እዚኣ ኣትሒዝና፡ ነቲ
ስርዓት እነበርክቶ ዝነበርና ዝዀነ ይኹን ደገፍ ደው ንምባል መብጽዓ ክንኣቱን ይግባእ።
ነዞም
ንዓና ብርሃን ክህቡ፡ ንነብሶም ከም ሽምዓ ዝመኸኹ ናይ ሕልና እሱራትና እምበኣር፡ ነፍስወከፍና በታ ዘላትና ዓቕሚ፡
ጽሓፋይ ብብርዑ፡ ገጣማይ ብግጥሙ፡ ፖለቲከኛ ብመደረኡ፡ ደራፋይ ኣብ ደርፉ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ጸሎትና
ክንዝክሮም ሓደራ።
|