Nharnet Articles/Opinions

     

        

ፖለቲካዊ መግለጺ

ካብ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ

 

 

 

ጅግና ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ

 

ግፍዓውን ቀንጻሊን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ሻዕቢያ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እናፈጸሙ ዝርከብ ግፍዕታትን ስቃይን ኣብ ጊዜ ዘስካሕክሕ ኩነታት ተሰጋጊሩ ንረኽቦ እዝ ኸኣ እቲ ስርዓት ካብቲ ጸቢብ ኣመለኻኽትኡ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሓባር ሃገሩ ናይ ምህናጽ ዓቕምን ብቕዓትን ከምዘለዎ ክማሃር ብዘይ ምኽኣሉ እዩ። ኣብዚ ነዊሕ ስርዓት ጊዜ ንሃገርና እናተፈታተነን ኣንጻር ጥቅምታት ህዝብና ኣትኩሩ ዝገብሮ ዘሎ ጉዕዞ ንምዕጋት ኣብ ልዕሊ ተቃወምቲ ሓይልታት ዓቢ ተስፋ ኔርዎ። እዝኸኣ ምእንቲ ዘሕለፎ መሪር ናይ ቃልሲ ዓመታት ኣብ ሃገሩ ብራህዋ ቅሳነት ናይ ምንባር ብዝነበሮ ባህጊ መሰረት ብቕልጽሙ ጸላኢ ደምሲሱ ሉኣላውነቱ ኣኽቢሩ እዩ። እዚ ዝነበሮ ሕልሚ ብሰንኪ ትምክሕታዊ ስርዓት ሻዕቢያ ህዝብና ንሓዳስ ኤርትራ ብሓባር ናይ ምህናጽ ዝነበሮ ሕልሚ መኺኑ ይርከብ። ሰልፍና ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣነጻጺሩ ዘሎ ሓደጋ ንምግታእ ምስ ኩሎም ፖለቲካውን ውድባትን ሲቪላዊያን ማሕበራት ንዝገበርዎ ምንቅስቃሳትን ብምድንፋዕ ንህዝብና ሓኒቁ ዘሎ ስርዓት ንምውዳቕ ዘለዎ ረብሓ ኣብ ግምት ብምእታው ኣትኩሩ ይሰርሕ ምህላዉ ንገልጾ። ነዚ ኸኣ ሰልፍና ነቲአን ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤ.ዲ.ኪ ዝርከባ ውድባት ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ ኢሰብኣዊ ግፍዕታት ንምግታእ ዓቢ ተስፋ ኔሩና። ምኽንያቱ ኤ.ዲ.ኪ ቀሪጹዎ ዝጸንሐ ዝታሓተ ፖለቲካዊ ቻርተር ንሃገርና ካብ ዘለዎ ኩነታት ንምውጻእ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ክገብር ይኽእል ኢልና ብምእማን እዚ ከምዚ እንኩሎ ከምቲ ኩልና ንፈልጦ ሰልፍና ኣብ ውሽጢ ኤ.ዲ.ኪ ኮይኑ እቲ ዕዙዝ ተሳትፎኡ ከበርክት ብዘይ ፍትሓዊ ኣገባብ ኣባልነቱ ክድስክል ተጌሩ እዩ። እዚ ኩሉ እንከሎ ምእንቲ ኣብ ናይ ሓባር ስርሕ ዘለና ድልየት ምስ ኤ.ዲ.ኪ ኣብ ዝኾነ ምስሕሓባት ከይንኣቱ ተቖጢብና ጸኒሕና ኢና። እዚ ከኣ ምእንቲ ኤ.ዲ.ኪ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ቃልሲ ኣንፈት ከይዕንቀፍ ብዝብል ዝነበረና ሓልዮት ምዃኑ ከይሓበርና ኣይንሓልፍን። እዚ ኩሉ እናሃለወ ሰልፍና ምእንቲ ኣብ ልዕሊኡ ተወሰዱ ዘሎ ናይ ምድስካል ውሳነ ንምልዓል ብተደጋጋሚ ንመሪሕነት ኤ.ዲ.ኪ ጽሑፍ እንተኣቕረበ'ውን ኣወንታዊ መልሲ ከይረበ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።

 

ድሕሪ እዚ ምባልና ኣብዚ እዋን ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ ዝተኸሰተ ከምቲ ኩልና ንፈልጦ ናቱ ውጽኢት ነቲ ተቃወምቲ ሓይልታት ምብትታን ኮይኑ እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዕታት ኣትኩሩ ክቅጽለሉ ዕድል ሂቡዎ ይርከብ። ብኻልእ ሸነኽ ንህዝብ ብሓፈሻ ዘሰንበደ ተርኽቦ ምዃኑ ዘይካሓድ ሓቂ እዩ። ኣብዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ከይተሰናበድና ንብሎ  እንተሃልዩ እዚ ተፈጢሩ ንረኽቦ ኣብዚ እዋን ውጽኢት ጭቡጥ ሓቂ ኩነታት እቲአን ውድባት ትሕቲ  ኤ.ዲ.ኪ ዝጸንሓ እየን። ንዝተፈጠረ ጸገም ካኣ ብወገና ሓላፍነት ከምዘለና ብምእማን እዚ ጸገም መንቀሊኡ እንታይ ኔሩ ብዘየገድስ ነዚ ሓደገኛ ኩነታት ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ ምሃብ ተቆጢብና ብሓባር ተረባሪብና ንኽንፈትሖ ጻውዒት ነቕርብ። ንዝተኸሰተ ጸገም ከይገፍሕ ረብሓ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ግምት ብምእታው ኩለን ውድባት ርግእ ብዝበለ ኣገባብ ናይ ውልቀ ውድባዊ ረብሓ ገዲፍና  ንኣፈታትሑኡ ጽዑቕ ጻዕርታት ክገብራ ኣለወን ንብል። ነገር ግን ብወገና ዘለና ርእይቶ እዚ ጸገም ብዲሞክራሲያዊ ናይ ብዙሓት ርእይቶ ኣብ ግምት ብዘእቱ ኣገባብ ክፍታሕ ምተኻኣለ ኔሩ ብዝብል ትዕዝብትታትና ከምዝስዕብ ነቐምጥ፡

 

  1. ኣብ ዝሓለፈ ጊዜ ኣብ ልዕሊ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ዝተወሰደ ውሳነ መበገስኡ እዚ ሎሚ ንርእዮ ዘለና መንፈስ ብዝንጸባረቐ ኣገባብ እዩ ኔሩ። እዚ ኸኣ ሰልፍና ናይ ሓባር ድሌትን ሓድነት ደንበ ተቓውሞ ዘለዎ ረብሓ ኣብ ግምት ብዘይምእታው ከምዝተወሰደ የረጋግጽ። እዝ ኸኣ ኣብ ውሽጥ ኤ.ዲ.ኪ ብገለ ሸነኻት ኣብ ናይ ውልቅ ረብሓ ትኩረት ሂቡ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ኣካል ጋሕዲ  ኮይኑ።

 

  1. ሃገርና ዘሕልፎ ዘሎ ሕልኽልኽ ዝበለ ኩነታት ኤ.ዲ.ኪዳን ብኽልተ ርእሲ ክቀውም ነቲ ጥርኑፍ ዓቕምታት ተቃውሞ ሓይልታት ኤርትራ ዘምጸኦ ጽልዋ ርዱእ እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ዓሚቕ ውሽጣዊ ምስሕሓባት ክጥሕሎን ካብቲ ቀንዲ ዕማማቶም ነቲ ስርዓት ንምግጣም ኣንፈቱ ክቕይሮ ምዃኑ ስግኣትና ንገልጽ።

 

 

 

  1. ነቲ ዘለና ዓቢ ሓላፊነት ኣብ ግምት ብምእታው ከነረጋግጾ ንደሊ እንተሃልዩ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ብሕታዊ ኣማራጺ ክኸውን ዘለዎ መንጎ ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት ናይ ቀጻሊ ዘተ ተበግሶታት ክህልዎም እናተማሕጸንና ንምሕዝነት ሰንዓ ፎረም ድማ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ነቲ ጉዕዞ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ብቐጥታ ክጸልዎ ስለዝኽእል ብወገኖም ነዚ ንምፍታሕ ኩሉ ዝካኣሎም ጻዕርታት ንምግባር መጸዋዕታና ነቕርረብ። ክልቲኡ ሸነኻት ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ናይ ቃልሲ ተመኩሮና ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ብሓባር ዘጽደቕናዮ ቻርተር የስርሓና'ዩ ኢልና ካብ ዝተቐበልናዮ ብኡ መሰረት ነቲ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዝርከብ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምውዳቕ ኩሉ ዘለና ዓቕምታትና ኣወሃሂድና ክንሰርሕ ይግባእ ንብል።

 

  1. ምእንቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ኣብ ዘለዎ ንምሕጻር ናይ ዘተ መድረኽ ንምፍጣር ካብ ኩሎም ግዱሳትን ምሁራትን ኤርትራውያን ኣብዚ ጉዳይ ካብ ምጽሓፍ ክቑጠቡ ንሓትት። ምእንቲ'ዚ ፍልልይ ከይገፍሕን ከይዓሙቕን ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ናይ ሓባር ጻዕርታት የድልዮ ብምዃኑ መጠን ኣብዚ ጉዳይ ካብ ገለ ወገናት ጽሑፋት ተራእዮም እዮም። እዚ ጽሑፋት ንገለ ወገናት  ብፍላይ ድማ ንሰንዓ ፎረም ተንኪፉዎ እዩ። እዚ ኸኣ ንቓልስና ኣሉታዊ ኣሰራት ከምዝገድፍ ርዱእ ኮይኑ ምስቲ ሰንዓ ፎረም ንቓልስና ዘበርክቶ ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያ ክነጻጸር እንከሎ ፍትሓዊ ኮይኑ ኣይንርእዮን።

 

  1. ኣብ መወዳእታ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮና ብምብጋስ ሰልፍና ብመትከል ምስቲአን ሸውዓተ ውድባት ብሓባር ክሰርሕ ምዃኑ ንሕብር። ምኽንያቱ ሰልፍና ምስቲአን ሸውዓተ ውድባት ነቲ ስርዓት ንምውዳቕ ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ተመሳሳሊ እስትራተጂ ኣገባብ ቃልሲ ብምህላዉ እዩ። እዚ ኸምዚ እንከሎ ብኽልቲኡ ሸነኻት ዝጸደቐ ፖለቲካዊ ቻርተር ንኣምን ምዃንና ንገልጽ።

 

  1. ኣብዚ እዋን ንኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ከነረጋግጾ ንደሊ ብቑልጡፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰልፍና ተጌሩ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ውሳነ ክለዓል ንሓትት ምእንቲ ሰልፍና ኣብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን እቲ ዕዙዝ ተራኡ ንምጽዋት ዘኽእሎ ብምዃኑ መጠን እዩ።

 

 

ዓወት ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ!

ዓወት ንጉዕዞ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ!

ዓወት ንኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን!

 

ዶክተር መሓመድ ዑስማን ኣቡበከር

ኣቦመንበር ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ

16/04/2007


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com