|
||
|
|
||
|
ብሪጣንያ
አብ ከተማ ሊቨር ፑል ሚያዝያ 4 2007 ተኻይዱ እዚ ሰላማዊ ሰልፊ አብዚ እዋን ካብታ ዝፈትውዋን ዘፍቅርዋን ሃገሮም ተሰዲዶም አብ ዓባይ ብሪጣንያ ብዝርከቡ ስደተኛታት ዝተዳለወ እዩ ኒሩ። እቲ ሰላማዊ ሰልፊ መንግስቲ እንግሊዝ አብ ሃገሩ ንዝርከቡ ኤርትረውያን ስደተኛታት ጉዳዮም ብግቡእ ክርእየሎምን፡ ናይ ሰራሕን መንበሪ ፍቓድን ንኽውሃቦም ዝጠልብ ኒሩ።
አብዚ ሰልፊ አስታት 450 ኤርትራውያን ከምኡ ድማ እንግሊዛውያ ዝርከብዎ ሰላማዊ ሰልፊ ተጊሩ። ሰላማዊ ሰልፈኛታት ካብ ማንቸስተር፡ ሊቭረ ፑል፡ ሊድስ፡ ኒውካስትል፡ ኮቨንተሪ፡ በርኒንግሃም፡ ብላክቢሪ፡ ነቲንግሃም፡ ሰቶክ፡ ዝበሃል ቦታት ብአውቶቡሳት ተጋዓዒዞም ዝመጹ ኒሮም። ከምኡ ድማ ግዱሳት ሰባት ካብ ለንደንን ካልእ ቦታታትውን ተረኺቦም ኒሮም። ንምጉዓዝያን ካልእን ብሓፈሻ እስታት 5000 ፓውንድ (160000 ናቕፋ) ወጻኢታት ጊሮም። እዚ ሰልፈኛ ካብ ዊልያምስሰን ስኪር ተበጊሱ ናብ ኢሜግሪሸን ኦፊሰ አስታት 2 ኪ.ሜ. ዝኸውን ብእግሪ ጭርሖ እናስምዓ ተጋዒዙ። አብቲ ቦታ ድሕሪ ምብጻሕ ድማ ነቲ ዝምልከቶ ብዓል ስልጣን ናይ ጥርዓንን ዝትኣከበ ናይ ድጋፍ ፊርማን ብመንገዲ ወከልቶም አቕሪቦም። አብቲ መስርሕ ፖሊስ ነቲ መስርሕ ካብ ዝጅመር ስጋብ ዝውዳእ ድማ ብዓጀባ ሓለዋ አካይዶም።
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|