|
||
|
|
||
|
ውድድር ህግደፍ ምስ ሲንጋፖር ድዩ ወይስ ምስ ዳርፉር? ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ ኖርወይ 27/04/07
ሓቂ ንኸምስል ደርጊ ዝሰርሖ ራኣየ እናኾለለ ኣስመራ እንዳ ጨራሩ መሲላ ተበላሽያዩ ዝበለ ክንደይ ፈዳሕዳሕ ሰሚዕና እንታይከ ዘይተባህለ ተረአኻስ ዝሃነጽዎ ንኽትሪኦ ዘጸግም ዝተበጓጎለ
ኣበይዳኣበለ ሓርማዝ ዘይትጾሮ መብጻዓታት ብጸሓይ ሞጎጎ ክእጎድዩ ዝበልኩመን ነደታት ክቮኳ ዘየሎ የድሕንዩ ዘብል ከይነዳ ኣጻብዓት ሸጥኩም በሊዕኩመን ቁራቦ ዝተረፋ ኣእዋማት
ሲንጋፖር ክንገብራና ብተርጀጋ እናሽካዕለለ ዛህጋም ደረቐኛ ጎቢየ ክቀዳደም ምስ ማንቲለ ህዝቢ ሲንጋፖር ሰላም ስለ ዝረኸበዩ ዝማዕበለ እናተገርፈ ዝዕወት የለን እንትርፎ ዝተማዛበለ
ኣየነይቲ ሃገር ኣላ ኣብ ዓለም ካባና ንታሕቲ ቀደም ይሕሽ ምባል በጺሕናዮ በጁኡ መግዛእቲ ሃገር ጽቡቕ ኣላ እናበልኩም እተውርዩ ሓሰውቲ ሎምስጉድኩም ተቐሊዑ ህግደፋውያን መጣቓዕቲ
ኣብዘይ ዓቕሙ ምስ ዝማዕበላ ሃገራት ክወዳደር ብሓሶት ቁጠባና ላዕሊ ከይዱ ይብል ዘይሓፍር ማዓልታዊ ንህዝቢ ዘየርብሕ ሕግታት ክቐያይር ሃገር ንድሕሪት ጓሲሱዋ ከም ናይ ሱዳን ዳርፉር ንህዝቦም ዘጽንቱ ሃገሮም ዘዕንዉ እኖሆ የዋፍር
ዓይኒ ትመስክር ህዝቢ ባጽዕ ካብ መሬቱ ተባሪሩ ዝግበር ዘሎ ምስጢር ከይግለጽ ንህዝቢ ከይነግሩ ካብ ትውልዲ ዓዶም ለቒቖም ብዘይ ዋሕስ ንሓዋሩ ኣብ ፎቖዶ በረኻ ፋሕ ኢሎም ከም ደቂ ጨራሩ
ኣብ ነብሱ ዘይተኣማመን ጎደሎ ስርዓት ሽኩሽኳ ቄናን ብሕሹኽሹኽ ዝተሃንጸ ውድብ ናይ ሾላኳ ንጥፍኣት ህዝቢ ንኽትሓልም ጸሓይ ዝዓረበካ ሰረገላኻ ከም ቀደማ የላን ሎሚ ፍረኖኣ ተበቲኻ ምህዳም እንተተፈተነውን ኣይትረስዕ ከምዘይንለቀካ ኣብ ዝሃለኻ ሃሉ ከም ትመጽእ ከም ከልቢ ተወጢጥካ
ኤሪትራና ብጠቐር ሸሊሙዋ ብህልም ዘለ ጸልማት ዎዮ ዕላል ሰሓቕ ዋዛ ተተኪኡ ብሓዘን ብብኽያት ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|