|
||
|
|
||
|
ገሊኦም ይቐብሩ ገሊኦም ይሰኽሩ ገሊአን ይበኽያ ገሊአን ይለሃያ ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ ኖርወይ 04/04/07
ሓደሓደ ሕያዎት ክፉእ ዝረኣዩ ሬሳታት ክቐብሩ ህግደፋውያን ድማ ብርጭቆኦም ዓቲሮም ይሰኽሩ ዓዶም ምሓሾም ከሓቲ እናበሉ ይሕጭጩ ይከራኸሩ ጮዃኒ ስርዓት ኣሚኖም ክሳብ ዘራኻኽበሎም ይጃሃሩ
ኣዝማድካ ከተውጽእ ንዓኻ ሓላል ንኻልእ ሓራም ዘይትብሎ ድኣ ዓድኻዩ ጥዑም ተመለስ ኣይትሰልም ግርምባ ኣሕዋትካ እናጽሎቕካስ ንኻልእ ምቁዋም ቅሳነት ተሳኢኑምበር ንኽስደዱ መዓስ ደስምበሎም
ዘፍቅርዋ ዓዶም ንኽለቁ ብሰንክኹም ተገዲዶም ገጽ ጎይተትኩም ከይሪኡ ዝሃድሙ ዘለዉ ሃጽሎም ዑሱባት ህግደፍ ዓይኒ ሕፍረት ዘይብሎም ኖዋርም ኩሉ እናፈለጥኩም ከተሽካዕልሉ የሕዝን የስደምም
ንሂወቶም ናብ ምልክት ሕቶ ዝወፈዩ ንቕብጸት ምርሻንን ኣብ ውቅያኖስ ምጥላቕን ክልቲኡ ሞት ሬሳ ንጹሃት ከም ከልቢ እናተጐዘየ ከም ኣራዊት ነዚኦም ከሓቲዮም ካብ.ትብሉ ንዝሸገሮም ውጹዓት ኒሕ ዘይብልኩም ዜሮ ከውሒ ዝልብኹም ጨካናት
ዝንጉዓት ማሕበር ኣንስትዮ ህግደፍ ጉባኤ ወኻሩ ጭርሖ ማዕርነት ህግደፍ ንዓያሹዩ ዝውክል ንደዓሩ ማዕርነት እንተዝኣምኑ ህግደፍ በንስቶም ምጀመሩ ሓዲጎመን ትውጋሕ ለይቲ ኣብ ዋርሳይ እናጨፈሩ
ዘየንስቶም ክዕምጹን ክጓየዩ ከባላሽዉን ዝሓድሩ ሃገርሲ ይትረፍ ንሓዳሮምኳ ዘይካኣሉ ከማሓድሩ ኣይተሰቆረክንን ኣሎ ኣብ ልዕለኽን ከም ዝዕንድሩ ይጻወትልክን ኣለዉ ከም ህጻናት የብሉኽን እሽርሩ
ደሃይ ዓዲ ከየቃልባ ብዳንከራ ህግደፍ ተለኺፈን ኣድገ በቕሊ ሓሲብወን ተሰቒሉ ኣብ እንግድዐአን ርጉም ደፍተራ ዘዕበድብድ ማይ ጋኒን ነጺጉለን ህጡራት ኣፍራስ ተረኺበን ናብ ዝደለዮ ዝጠውየን
ዓበይቲ ወራዙት ሕያዎት ዝነበራ ጭከና ተማሂረን ናይ ጀጋኑ ብጾተን ስቓይ ሞት እናሰምዓ ዘይግድሰን ከይቀበራ ናብ ጓይላ ዘምርሓ ንሬሳ ንጎኒ ኣጸጊነን እዝጊ ይምሓረን ካብዚ ሓሊፍካ ዝበሃል ነገር የለን ዘለኣለም ዝኽሪ ንስዉኣትና
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|