Nharnet Articles/Opinions

     

        

ጕባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን 

ውሃቢ ቃል ሰክረታርያ ጕባኤ ኪዳን

ዕለት 16.02.2007

 

ካልኣይ መዓልቲ፡- ጸብጻብ ማእከላይ መሪሕነት ምስማዕን ምክታዕን ምጽዳቕን

 

ብዕለት 16.02.2007 ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ናብ ጕባኤ ዘቕረቦ ክልተ ዓመታዊ ጸብጻብ ተነቢቡ። ብድሕር’ዚ፡ ጕባኤኛታት ኣብ’ቲ ጸብጻብ ክበርሃሎም ዝደልይዎ ጕዳያት ኣመልኪቶም ሕቶታት ኣቕሪቦም። ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ድማ፡ ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልስን መብርህን ሂቦም።

 

ቀጺሎም፡ ጕባኤኛታታ ኣብ’ቲ ዝቐረበ ጸብጻብን ሓፈሻዊ ሃለዋት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ርእይቶኦምን ገምጋማቶምን ኣስፊሮም። እዚ ኣርእስቲ’ዚ፡ ዝኣክል ግዜ ወሲዱ፡ ጠቓሚ ሓሳባትን ርእይቶታትን ብምልውዋጥ ተዛዚሙ።

 

ኣብ መወዳእታ፡ ጕባኤ፡ ነቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ምስ ዝተገብረሉ ምምሕያሻት ብምሉእ ድምጺ ኣጽደቖ።


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com