Nharnet Articles/Opinions

     

        

ካልኣይ ጕባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

ውሃቢ ቃል ሰክረታርያ ጕባኤ

ዕለት 17.02.2007

 

ሳልሳይ መዓልቲ፡- ቻርተር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

 

ካልኣይ ጕባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ፡ ንቻርተር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝምልከት ዓሚቝ፡ ህዱኡን ግሉጽን ክትዓት ኣካይዱ። ጕባኤ ነቶም ኣብ ቻርተር ሰፊሮም ዘለዉ ዓንቀጻት ሓደ ብሓደ ብደቂቑ እናተመልከት ምምሕያሻት ዘድልዮም ዓንቀጻት እናመሓየሸን ይኸይድ ኣሎ።

 

እቶም ኣብ ዓንቀጽ ኣርባዕተን ሓሙሽተን ሰፊሮም ዘለዉ ንጕዳይ ብሄራትን ሸሪዓን ዝምልከቱ ዓንቀጻት ብፍላይ፡ እኹል ግዜ ተዋሂብዎምን ሰፊሕ ክትዓት ተኻይዱሎምን ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ነቲ ዝቐረበ ርእይቶታት እትጸሙቕን መፍትሒ ይኸውን’ዩ ዝበለቶ ናይ ሓሳብ ንድፊ ንክትዕ እተዳሉን 9 ኣባላት ዘለዉዋ ሽማግለ ቆይማ ኣላ። ውጽኢት ናይ ስርሓታ ድማ፡ ንዕለት 18.02.2007 ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ናብ ጕባኤ ከተቕርቦ ተመዚዛ ምህላዋ ይፍለጥ።


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com