Nharnet Articles/Opinions

     

        

ኣህጕራዊ ጸብጻብ 2007

ህዩማን ራይትስ ዎች

 

ኤርትራ

11.01.2007

 

ተረኽቦታት 2006፡-

 

 ስርዓት ኢሳያስ፡ ካብ 2001 ኣትሒዙ ናይ ፖለቲካ ተቐናቐንቱ ብምእሳርን፡ ንብሕታዊ ፕረስ ብምዕናውን ዝዀነ ንመንግስታዊ ፖሊሲ ይጻረር’ዩ ኢል ንዝጠርጠሮ ባእታ ብምሕያርን ቀጻልን ዘይሕለልን መጥቃዕቲ ኣንጻር ዲሞክራስያዊ ትካላት ከካይድ ይርከብ ኣሎ። ዋላ’ካ ሲቪላውያን ማሕበራት ዝበሃላ እንተዘየለዋ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣንጻር ሰዓብቲ ሃይማኖትን ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከምልጡ ዝፍትኑ ባእታታት ኣባላት ኣህጕራዊ ትካላትን ግን ክሳዕ 2006 ቀጺሉ።

 

ብ1997 ብሪፈረንደን ዝጸደቐ ቅዋም ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን። ድሒሪ’ቲ ብ1993 ዝተረጋገጸ ናጽነት ዝተኻየድ ሃገራዊ ምርጫ የለን። ህላወ ናይ ዝዀነ ይኹን ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ ፍቑድ ኣይኰነን። ናጻ ዝዀነ ናይ ዕዮ ማሕበራት ክህሉ ውን ኣይፍቀድን ኢዩ። ዘይመንግስታዊ ውድባት ብስሩዕ ኣገባብ ቀስ ብቐስ ከምዝፈርሳን ንብረተን ከምዝህገርን ተገይሩ ኢዩ። እተን ክሳዕ ሕጂ ዝሰርሓ ዘለዋ ኣህጕራውያን ማሕበራት ከኣ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ምክትታል ኢየን ዝርከባ። ኵሉ ናይ ሓበሬታ ምንጪታት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ’ዩ።

 

እቲ ናብ ናይ 1998-2000 ኣዕናዊ ውግእ ዘምርሐ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ጌና መዕለቢ ኣየረኸበን። መንግስቲ ኤርትራ፡ ነዚ ጕዳይ’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ንዝፍጽሞ ጨቋኒ ፖሊሲታት ንምሽፋን’ዩ ዝጥቀመሉ። ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ’ቲ ብኮሚሽን ዶብ ዝተዋህበ ብይን ኣብ ግብሪ ምውዓሉ፡ ብዛዕባ’ቲ ውግእ ንምብራዕ ምኽንያት ዝዀነት ባድመን ከባቢኣን ልዝብ ክካየድ ጠሊባ ኢያ። ኤርትራ ግን፡ ነቲ ብሚያዝያ 2002 ዝተዋህበ ብይን ኮሚሽን ዶብ ስለዝተቐበለት፡ እቲ ዶብ ብመላኡ ከይተሓንጸጸ ኣይላዘብን’የ ትብል ኣላ። እቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግእ ዳግም ከይባራዕ ዝብል ስግኣት ኣብ 2006 ነክዩ ኢዩ። ኤርትራ ግን፡ ንተጻረርቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዕጣቕ ደው ኣየበለትን። ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ 2006 ዕጥቅን ወተሃደራውያን መምህራንን ናብ’ቲ ንሞቓድሾ ዝተቛጻጸርን ንኢትዮጵያ ዝጻረርን እስላማዊ ኣብያተ ፍርዲ ናይ ሶማልያ ሊኢኻ ዝብል ናይ ኣመሪካን ሕቡራት ሃገራትን ጸብጻብ ኣሉታዊ መልሲ’ያ ትህበሉ።

 

ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ተቓወምትን ናጽነት ናይ ምዝራብን

 

ከድዓትን ሰለይትን ናይ ወጻኢ ሓይሊ መሳርሕን ብዝብል ምስምስ ብ2001 እተኣስሩ ኣባላት ዝገዝእ ዘሎ ሰልፍን ሰበ-ስልጣን መንግስትን ጋዜጠኛታትን ክሳዕ ሕጂ ሃለዋቶም ኣብ ዘይፍለጠሉ ኣብያተ ማእሰርቲ ኢዮም ተታሒዞም ዝርከቡ። ብ2006 ሓንቲ መርበብ ናይ ኢንተርነት 31 ዝዀኑ መራሕትን ጋዜጠኛታትን ንምእሳሮም ኰነ ተባሂሉ ኣብ ርሑቕ ቦታ ኣብ እተሃንጸ ሸላታት ተኣሲሮም ኣለዉ ዝብል ዝርዝር ግን ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ኣውጺኣ። ብመሰረት’ቲ ጸብጻብ 31 እሱራት ኣብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ሞይቶም ካብኦም ሓደ ነብሱ ባዕሉ ቀቲሉ ይበሃል።

 

ናጽነት ናይ ፕረስ ስለዘየለን፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ካብ ደገ ዝፍነው ረድዮታት ኰነ ተባሂሉ ብንጹር ንኸይስምዑ ብመንግስቲ ዝግበር ዕንቅፋታት፥ ኤርትራውያን ብዘይካ’ቲ ናይ መንግስቲ ዜና ማዕከናት ዘመሓላልፎ ሓበሬታታት ካብ ካልእ ምንጪታት ሓበሬታ ክረኽቡ ኣይኽእሉን ኢዮም። ካብ ውሽጢ ሃገር ናብ ደገ ሓበሬታት ከይወጽእ ውን መንግስቲ ኵሉ ዝከኣሎ ጻዕርታት ይገብር ኢዩ። ሃገራውያን ናይ ሰብኣዊ መሰል ተኸራኸርቲ ማሕበራት የለዋን። ኣህጕራውያን ናይ ሰብኣዊ መሰል ተጣበቕቲ ማሕበራት ውን ኣብ ኤርትራ ክነጥፋ ኣይፍቀደለንን ኢዩ።

 

ናጽነት ናይ ሃይማኖት

 

ብዘይካ ኦርቶዶክሳዊትን ካቶሊካዊትን ወንገላዊትን ኣብያተ ክርስትያናትን ኣብ ኤርትራ ዝጸንሐ እስልምናን ካልኦት ሃይማኖታት ብግንቦት 2005 ደው ከምዝብላ ተገይሩ ኢዩ። መንግስቲ፡ ሓደስቲ ኣብያተ ክርስትያናት ተቐባልነት ንምርካብ ጠለብ ከቕርባ ከምዝኽእል ክገልጽ’ኳ እንተጸንሐን፤ ብግብሪ ውን ንኽፍለጠለን ጠለብ ዘቕረባ ኣብያተ ክርስትያናት እንተነበራን፤ ክሳዕ 2006 ግን ዝተቐበለን ሓደስቲ ኣብያተ ክርስትያናት የለዋን። እንተደኣ ተመዝጊብና ኣባላትና ክሳደዱን ክሳጐጕን ኢዮም ካብ ዝብል ስግኣት ጠለብ ዘየቕረባ ወይ ዘይተመዝገባ ገለገለ ኣብያተ ክስርስትያን ውን ኣለዋ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ናይ ቃለ-ህይወት ቤተ-ክርስትያን ንብረት፡ ዋላ መዋእለ ህጻናትን ናይ ዘኽታማት መናበዪ ቦታታትን ከይተረፈ ብምሉኡ ከምዝወረሶ ይፍለጥ። ቃለ-ህይወት ካብ’ቶም ተመዝጊቦም ዝነበሩ ኣብያተ-ክርስትያናት ሓደ ኢዩ።

 

ኣብ 2006፡ መንግስቲ ንኣባላትን መራሕትን ናይ’ቶ ዘይተመዝገቡ ሃይማኖታዊ ጕጅለታት ኣሲሩን፥ ንመንበሪ ኣባይቶምን ዝጽልይሉ ዝምርዓውሉን ቦታታትን ሃጂሙን። በማእት ዝቝጸሩ ሰዓብቲ ናይ’ዘን ሃይማኖታዊ ጕጅለታት ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ ኣለዉ። ንሃይማኖቶም ወይ እምነቶም ከይከሓዱ፡ ካብ ማእሰርቲ ክወጹ ኣይክእሉን ኢዮም።

 

ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ሃይማኖት ጅሆቫ ዝፍጸም በደል ድማ ሕልፍ ዝበለ’ዩ። ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይንሳተፍን ኢና ስለዝበሉ ልዕሊ 10 ዓመት እተኣስሩ ኣለዉ። እቲ ሕጊ ግን፡ ካብ ሰለስተ ዓመታት ንላዕሊ ክእሰሩ የብሎምን’ዩ ዝብል። ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይንሳተፍን ኢና ናይ ዝብሉ ዜጋታት ዝውሃብ ካልእ መተካእታ ኣገልግሎት ኣብ ኤርትራ የለን። ንሰዓብቲ ሃይማኖት ጅሆቫ፡ ኣብ መንግስታዊ ስራሕ ክቝጸሩ ይኹን ከም ናይ ስራሕ ወይ ንግዲ ፍቓድ ዝኣመሰለ መንግስታዊ ኣገልግሎት ክግበረሎም ኣይፍቀድን ኢዩ። ሃይማኖታዊ ምስጓግ ኣብ ልዕሊ ንኣሽቱ ጕጅለታት ጥራሕ እተሓጽረ ኣይኰነን። ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን፡ መእሰሪ ምኽንያት ናይ ሰለስተ መራሕቲ ሃይማኖት ስለዝተቓወሙ ጥራሕ፡ ብ2006 ተኣሲሮም። እቲ ክሳዕ ዝሞቱ ተዋሂብዎም ዝነበረ ስልጣን ድማ ብመንግስቲ ከምዝሕደጉ ተገይሩ። ብ2005 ዓ.ም እቲ ምምሕዳራዊ ስልጣኖም ብኻልኦት ነቲ መንግስቲ ዝድግፉ መራሕቲ ሃይማኖት ተተኪኡ ምንባሩ ውን ዝፍለጥ ኢዩ።

 

ኣስገዳድ ዕስክርናን ግፋን ኢደ-ወነናዊ ማእሰርቲ ናይ ስድራ ቤታት

 

ካብ 18 ክሳብ 50 ዝዕድመኦም ኤርትራውያን ናይ ክልተ ዓመት ኣስገዳድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጽሙ ግድነት ኢዩ። ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተዋፈሩ ዜጋታት፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ወተሃደራዊ ዕማም፡ ኣብ ናይ ህዝባዊ ስርሓት ፕሮጀክትታት ውን ይሳተፉ ኢዮም። ከምኡ ውን፡ ኣብ ናይ ወተሃደራውያን መኰንናት ውልቃዊ ስርሓት ተወፊሮም ከምዘገልግሉ ውን ተደጋጋሚ ጸብጻባት’ዩ ዝበጽሓና። ካብ’ዚ ጽንኩርን መሪርን መነባብሮ’ዚ ንምምላጥ፡ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 5 ዓመታት  በሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ ኣገልግሎት ዝተዋፈሩ መንእሰያትን ናይ ካልኣይ ደረጃ ተመሃሮን ክሃድሙን ክሕብኡን ተራእዮም ኢዮም። ብመሰረት ጸብጻብ ናይ ስደተኛታት ትካላት፡ ኣብ 2006 ዓ.ም ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ 700 ዝዀኑ መንእሰያት ናብ ሱዳን፥ 400 ዝዀኑ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ክስደዱ ከምዝጸንሑ ተረጋጊጹ ኣሎ።

 

ካብ ክፍላ 2005 ኣትሒዙ መንግስቲ ኤርትራ ንወለዲ ናይ’ቶም ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘምለጡን ዝተሓብኡን መንእሰያት ክኣስር ጸኒሑ’ዩ። ኣዝማድ ናይ እሱራት ወለዲ፡ 3,500 ናይ ኣመሪካ ዶላር ዝመጣጠን ገንዘብ ከም መቕጻዕቲ ከፊሎም ጥራሕ’ዮም ካብ ማእሰርቲ ከውጽእዎም ዝኽእሉ። እዚ፡ ነታ ብመሰረት ጸብጻብ ዓለማዊ ባንክ ናይ ሓደ ዜጋ ዓመታዊ እቶት ካብ 220 ዶላር ዘይሓልፍ ሃገር ብዙሕ ኢዩ። ኣብ 2006 ድማ፡ እቲ ክኸፈል ዘለዎ መቕጻዕቲ ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ይንገር።

 

ኵነታት ማእሰርትን ዓዘባን ሕማቕ ኣተሓሕዛን፡-

 

ብሰንኪ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ምስጓጓትን ኣብ ልዕሊ ካብ ኣገልግሎት ዘምልጡ ዜጋታት ዝፍጸም ሃድንን በሽሓት ዝቝጸር ህዝቢ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ተዳጒኑ’ዩ ዝርከብ። መብዛሕትኦም እሱራት ብዘይ ክስብ ብዘይ ፍርድን ምስ ሰብ ክራኸብሉ ኣብ ዘይክእሉ ኣብያተ ማእሰርቲ ኢዮም ዝሕበሱ። እሱራትን ንዓዘባን ስቅያትን ከምዝቃልዑ ዘረጋግጽ ቀጻሊ ሓበሬታ ኣሎ። ብሰንኪ ብዝሒ እሱራት ኣብያተ-ማእሰርቲ ክሳዕ ዓንቀሩ ስለዝመልአ፡ ቅልል ዝበለ ጕዳይ ዘለዎም ከም ኣባላት ዘይተመዝገቡ ሃይማኖታዊ ጕጅለታት ዝኣመሰሉ፡ ኣብ ብቐትሪ ከም ፎርኖ ዝረስኑ ብለይቲ ድማ ብቝሪ ዘንቀጥቅጡ ኮንተይነራት ኢዮም ዝእሰሩ። ጥሜትን ጕድለት ሕክምናን፡ ናይ ኣስገዳድ ዕዮን ውን ተወሰክቲ ናይ ዓዘባን ስቅያትን መሳርሒ ኢዮም። ንዘይተወሰነ ግዜ፡ ኣብ ብሕታዊ ሸላታት ምእሳር ድማ፡ ኣካል ናይ’ቲ ስነ-ኣእሙራዊ ስቅያትን ማህሰይትን ንምውራድ ተባሂሉ ዝስርሓሉ ተግባር ኢዩ። ሽሕ’ኳ እሱራት ክፍትሑ እንከለዉ ብዛዕባ ኵነታት ማእሰርትን ኣብ ልዕሌኦም እተፈጸመ በደልን ከይዛረቡ ተሪር መጠንቀቕታ ይውሃቦም እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝፍጸም ግህሰታት ንደገ ይወጽእ ኢዩ።

 

ናይ ምንቅስቓስ ናጽነት፡-

 

ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ንኽወጹ ናይ ፍቓድ ወረቐት (መውጽኢ ቪዛ) የድልዮም። ዕድመኦም ንሃገራዊ ኣገልግሎት ዝበጽሑ ዜጋታት ሳሕቲ ግዜ ኢዮም ናይ መውጽኢ ቪዛ ዝውሃቦም። ኣብ 2006 ሰበ-ስልጣን መንግስትን ኣባላት ስፖርታዊ ጋንታታትን ኣብ ዝኸድወን ሃገራት ዑቝባ ሓቲቶም ክተርፉ ተራእዮም። ከምኡ ውን ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ዑቝባ ዝሓተቱ ሰበስልጣንን ኣባላት ናይ ስፖርት ጋንታታትን ነይሮም። ነዚ ደው ንምባል ናይ ወጻኢ ዝኸዱ ስፖርተኛታት ቅድሚ ምብጋሶም 7,000 ዶላር ትሕጃ ክኸፍሉ ከምዘለዎም ተገይሩ። ኣብ 2006 መንግስቲ ኤርትራን ንዅሎም ናይ ወጻኢ ዜጋታት ብዘይ ፍቓድ ካብ ኣስመራ ወጻኢ ከይንቀሳቐሱ ዝእግድ ሕግታት ገይሩሎም።

 

ቀንዲ ኣህጕራዊ ተዋሳእቲ፡-

 

ናይ ሕቡራት ሃገራት ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ’ቲ 25 ኪ.ሚ ዝንውሓቱ ጸጥታዊ ክሊ ሰላም ዝዕቅቡ ሓይልታቱ ኣዋፊሩ ኣሎ። እዚ ሓይሊ’ዝን እቲ ጸጥታዊ ክልን ብመሰረት ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ናይ ክልቲአን ሃገራት ኢዩ ቈይሙ። ኣብ 2005 መንግስቲ ኤርትራ፡ ብባይቶ ጸጥታ ንዝተገብረሉ ተቓውሞ ዕሽሽ ብምባል፡ ንናይ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ምንቅስቓሳት ደሪቱን ናይ’ቲ ዓቃቢ ሰላም ሀሊኮፕተራት ኣብ ሰማያት ኤርትራ ከይበራ ከልኪሉን። ኣብ 2006 መንግስቲ ኤርትራ ሓሓሊፉ ንኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክኣስር ተራእዩ። ገለ ድሕሪ ቍሩብ መዓልታት ክፍትሑ ከለዉ፡ ጌና ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ውን ኣለዉ። ኤርትራውያን ዜጋታት ናብ ኢትዮጵያ ከሳግሩ ተረኺቦም ዝተባህሉ ኣባላት ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ውን ካብ ኤርትራ ተባሪሮም ኢዮም። ብሰንኪ ናይ ኤርትራ ተጻብኦታትን ናይ ኢትዮጵያ ድርቅናን ብዝሒ ናይ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ናብ ሓደ ሲሶ ወይ ከኣ 2,300 ክጐድል ተገዲዱ።

ብሰንኪ’ቲ ዘስካሕክሕ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኤርትራ ውሑድ ሰብኣዊ ደገፋት ጥራሕ’ያ ትረክብ። ኣብ 2005-2006 መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ መግቢ ብስራሕ ዝብል ፖሊሲኣ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ንብዝሒ ናይ ተጸበይቲ ረዲኤት ካብ 1.3 ሚልዮን ብኢደ ወነና ናብ 70,000 ከምዝንኪ ገይራ። ኣብ ሓምለ 2006 ኮሚሽን ኣውሮጳዊ ሕብረት ብናይ ሕቡራት ሃገራት ትካላት ኣቢሉ ናብ ተጸበይቲ ክበጽሕ ዘበርከቶ ናይ 6 ሚልዮን ዩሮ ረዲኤት፡ ብዘይ ኣፍልጦኡ ክሽየጥ እንተደኣኰይኑ ከምዝቃወምን፤ መንግስቲ ኤርትራ 2.4 ሚልዮን ዩሮ ክኸፍል ክሓትት ምዃኑን ኣጠንቂቑ።

 

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ውን፡ ብ2001ን 2005ን እተኣስሩ ሰራሕተኛታት ኤምባሲኣ ስለዘይተፈትሑ፡ እቲ ትህቦ ዝነበረት ናይ ልምዓት ደገፋት ብከፊል ደው ከምዝብል ገይራ። ብመሰረት ጠለብ መንግስቲ ኤርትራን ናይ ዩ.አስ.አይድ (USAID) ንጥፈታት ኣብ ኤርትራ ብ2005 ደው ኢሉ። ከምኡ ውን፡ ኣመሪካ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታት ዝፍጸም ናይ ምስጓግ ተግባራት ብምቅዋም ኣብ 2005 ዝጀመረቶ ከፊላዊ ናይ ብረት እገዳ ውሳኔኣ ኣብ 2006 ውን ቀጺላቶ። ከም ተጻይ መልሲ ናይ’ቲ ንኣባላት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ከይንቀሳቐሱ ዝእግድ ውሳኔ መንግስቲ ኤርትራ፤ ኣመሪካ ውን፡ ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ ከይንቀሳቐሱ ዝእግድ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ኣውዒላ።

 

ኣብ 2006፡ መንግስቲ ኤርትራ ን6 ናይ ጣልያን ዘይመንግስታዊ ውድባት ኣባሪራን ንብረተን ወሪሳን። ንመርሲ ኮርፕን (Mercy Corp) ኮንሰርን ዎርልድዋይድን (Concern Worldwide) ኣኮርድን (ACCORD) እተባህላ ዘይመንግስታዊ ትካላት ውን ኣባሪራ። ስርሐን ክቕጽላ ዝተፈቕደለን፡ ክልተ ናይ ጣልያን ዝርከብአን ካልኦት ዘይመንግስታዊ ትካላት ግን ኣለዋ።

 

ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ 2006 ናብ ቻይና ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ናይ ቻይና ፕረሲደንት ንኤርትራ ቍጠባዊ ደገፍ ክገብር ምዃኑ ተመባጺዕሉ ነይሩ። ክሳዕ ሕጂ ግን ብተግባር ዝተራእየ ነገር የለን።

 

 


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com