መኣዝና ኣይንስሓት፡ ተራና ድማ ንጻወት

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

09.01.2007

 

ንኤርትራ ናብ ጐደና ጥፍኣት ብምምራሕ ዝሕተት መን’ዩ? ጐረባብቲ ሃገራት ድዮም ወይስ ተቓወምቲ ውድባት ወይስ ስርዓት ኢሳያስ? መልሲ ናይ’ዚ ሕቶ’ዚ ቀሊልን ብሩህን ክነሱ፡ ገለን ብፍላጥ ገለን ከኣ ሰኣን ፍላጥ፡ ነቲ ሓላፍነት ሓንሳብ ንጐረባብቲ ሃገራት፡ ሓንሳብ ድማ ንተቓወምቲ ከሰክሙ ዝፍትኑ ኣይተሳእኑን። ንኤርትራ ናብ ጐደና ጥፍኣት ብምምራሕ ዝሕተት፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ጕጅለ ጥራሕ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኰነን። ጐረባብቲ ሃገራት ይኹኑ ተቓወምቲ ውድባት ወይ ኣህጕራዊ ማሕበረሰብ በዚ ተሓተቲ ኣይኰኑን። ናይ ግዳም ሓይልታት፡ ንኤርትራ ካብ’ቲ ስርዓት ኢሳያስ ዝነቘታ ናይ ጥፍኣት ጕድና ንምድሓን ክተሓባበሩ ብዘይምኽኣሎም ጥራሕ ኢዮም ክሕተቱ ዝኽእሉ። ብጕዳይ ድሕነት ሃገር ብዝምልከት ከኣ’ሞ፡ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ከይተረፈ ውን ደረጃኡ ድኣ ይፈላለ እምበር ተሓታቲ ካብ ምዃን ከምልጥ ኣይክእልን ኢዩ።

 

ብረታዊ ተጋድሎና ዘበገሱ ጀጋኑና ይኹኑ፡ ድሒሮም ናብ ሰውራኦም እተጸንበሩ ተጋደልቲ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓንሳብን ንሓዋሩን ሓራ ኰይኖም ናብ ሰላማዊ መነባብሮኦም ክምለሱ ደኣ’ምበር ወተሃደራት ኰይኖም ክነብሩ ባህጊ ይኹን ሕልሚ ፈጺሙ ኣይነበሮምን። እዚ ግን ኣይኰነን። ብኣንጻሩ፡ ድሕሪ ናጽነት፡ መንእሰያትና ንዓሰርተታት ዓመታት ናብ መደበራት ታዕሊም ክጓረቱን፤ ኣብ’ቶም ኣንጻር የመንን ሱዳንን ኢትዮጵያን ሕጂ ድማ ኣንጻር ሶማልያ ዝተወልዑ ናይ ውግእ ግንባራት ክሃልቁን ብሓዊ ክልብለቡን ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ። እዚ መነባብሮ’ዚ መሪርዎም፡ እፎይ ኢሎም ዝነብርሉ ህይወት ንምንዳይ ንስደት ዘምርሑ መንእሰያት ድማ ፡ ኣብ ምደረበዳታት ሱዳንን ሊብያን ብጽምኢ ክረግፉን ድራር ዓሳታት ባሕርን ክዀኑን ኣብ ዓዲ ጓና ንዝተፈለየ ግፍዕታት ክጋለጹን ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ጠንቂ፡ ናይ’ዚ ጸገማት’ዚ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ደኣ’ምበር ካልእ ኣይኰነን።

 

ኣህጕራዊ ማሕበረሰብ፡ እንተላይ ጐረባብቲ ዘጠቓለለ፡ ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓላፍነት ክስከሙን፤ ነቲ ጠንቂ ናይ’ዚ ኵሉ ሽግራት ዝዀነ ስርዓት ኣብ ምእላይ ደገፎም ከበርክቱን ሓላፍነቶም ምዃኑ ግን ክዝንግዑ ኣይግባእን። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ኣህጕራዊ ማሕበረሰብ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንምቕያር ብኣካል ክሳተፍ ኣለዎ ማለት እኳ እንተዘይኰነ፤ ነቶም ነዚ ስርዓት’ዚ ንምቕያር ዝቃለሱ ዘለዉ ሃገራውያንን ዲሞክራስያውያንን ሓይልታት፡ ምሉእ ዝዀነ ሞራላውን ንዋታውን ፕሮፕጋንዳውን ደገፍ ክህብ ግን ሓላፍነቱ ምዃኑ ከምልጠሉ ዘይኽእል ሓቂ ኢዩ። ኤርትራውያን ዜጋታት ድማ፡ ከም ዋናታት ናይ’ቲ ጕዳይ መጠን፡ ስርዓት ናይ ምልዋጥ ሓላፍነት ናትና ምዃኑ ፈሊጥና፡ ብዘሎና ዓቕምን ክእለትን ኣብ’ቲ ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክንሳተፍን፤ ንህዝብና ካብ ኣትይዎ ዘሎ ዓዘቕቲ ከነውጽእን ከምዘሎና ሓደን ክልተን ዘይብሃለሉ ጕዳይ ምዃኑ ብሩህ ክኸውን ይግባእ።

 

እዚ እቲ ክለሳ-ሓሳባዊ ሓቅታት ኰይኑ፡ ብተግባር’ከ ከምኡ’ዶ ይስራሕ ኣሎ?

 

ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብ፡ እትረፍ’ዶ ንተቓወምቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ ምሉእ ደገፍ ምሃብ፤ ነቲ ስርዓት ዝፍጽሞ በደላትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ምቅላዕን፤ ንጕዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግቡእ ቆላሕታ ኣብ ምሃብን ካብኡ ትጽቢት ዝግበረሉ ተራ ይጻወት ከምዘየለ ብሩህ ከም ጽሓይ ቀትሪ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። እቲ ምኽንያት ብዙሕ ክኸውን ይኽእል። ገለ ካብኡ፡ ኤርትራ ኣካል ናይ ህልዊ ስትራተጂካዊ ረብሓታቶም ገይሮም ዘይምውሳድ፤ ወይ ድማ፡ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ብቑዓት መተካእታ ኣይኰኑን ካብ ዝብል መበገሲ ዝነቅል፤ ወይ ድማ ካልእ ባዕላዊ ገምጋማት ዝደረኾ ክኸውን ይኽእል።

 

ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ገለገለ ንህዝቢ ካብ ተቓወምቲ ውድባት እንተደኣ ኣርሒቖም ዝሕይሉ ኰይኑ ዝስምዖም ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ ውድባትን ውልቀሰባትን፡ “ህዝቢ ኤርትራ ንስርዓት ኢሳያስ ፈሊጥዎ’ዩ…፤ ብዛዕባ ተግባራት ስርዓት ኢሳያስ ጥራሕ ምዝራብ ትርጕም የብሉን” ካብ ዝብል ግጉይ መንቀሊ ተበጊሶም ብርዖም ኣንጻር ተቓወምቲ ውድባት ዘብልሑን፤ ህዝቢ ካብ ተቓወምቲ ውድባት ከርሕቑ ዝጽዕሩን ኣይተሳእኑን። እቲ ዘገርም ግን፡ በዚ መኣዝኑ ዝስሓተ ፖለቲካ’ዚ ዝርባሕ ስርዓት ኣስመራ እምበር ካልእ ከምዘይኰነ ክርድኡ ዘይምኽኣሎም ኢዩ።

 

እዚ ግን፡ ደምበ ተቓውሞ ድኽመት የብሉን ወይ ክንቀፍ የብሉን ንምባል ከምዘይኰነ ብሩህ ክኸውን ንደሊ። ደምበ ተቓውሞ፡ ንፍልልያቱ ብግቡእ ኣመሓዲሩ፡ ንህዝቢ ኣብ ጐድኑ ኣሰሊፉ፡ ናይ ኣህጕራዊ ማሕበረሰብ ደገፍ ረኺቡ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ኣመራርሓ ዘይምብርካቱ ኣሉ ዘይብሃለሉ ሕጽረት ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኰነን። እዚ ኵነታት’ዚ ክልወጥ እንተደኣ ተደልዩ ግን፡ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ለውጢ ንምምጻእ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ተራ ክጻወት ከምዘለዎ ውን፡ ካልእ ክዝለል ዘይከኣል ሓቂ’ዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ ህዝቢ ናይ ምድሓን ሓላፍነት ናይ ኵሉ ድኣ’ምበር፡ ናይ እከለን እከለን’ዩ ተባሂሉ ዝግደፍ ጕዳይ ኣይኰነን። ግዴኻ ከይተጻወትካ፡ ካልኦት ለውጢ ከምጽኡልካ ምጽባይ ካብ ጽቡቕ ትምኒት ምግላጽ ሓሊፉ ካልእ ዘበርክቶ ቍም-ነገር የብሉን።

 

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ነዚ ኵሉ ጕዳያት’ዚ ብዕምቈት ድሕሪ ምግምጋምን፥ “ኪዳን ናይ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዘለዎም ውድባት ልፍንቲ ደኣ’ምበር፤ ናይ ሓደ ፕሮግራም ዘለውም ውድባት መሕብኢ ክኸውን የብሉን” ካብ ዝብል መንቀሊ ብምብጋስን፥ ንቃልሲ ህዝብና ብብቕዓት ንምምራሕ ዝኽእል ድልዱል ህዝባዊ ደገፍ ዘለዎ ሓይሊ ንምፍጣር፡ ሓደ ወይ ተመሳሳሊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ውድባት ብሓባር ሰልፊ ክምስርቱ ኣብ 6ይ ሃገራዊ ጕባኤኡ ጻውዒት ምቕራቡ ዝዝከር ኢዩ። እዚ፡ ነቲ ፋሕ ብትን ኢሉ ዘሎ ዓቕምታት ጠርኒፉ ናብ ኣድማዒ ሓይሊ ንምቕያሩ ዝሓለነ ደኣ’ምበር፤ ከም’ቲ መጋበርያታት ናይ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ይኹን በቲ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ጸቢብ ረብሓታቶም ዝጐድሎም ሸነኻት ዝብልዎ፡  ኣብ ውሽጢ ኪዳን ካልእ ኪዳን ንምፍጣር ወይ ድማ ንኪዳን ንምትካእ ዝዓለመ ሓሳብ ኣይኰነን።  

 

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሰፊሕ ህዝባዊ ባይታ ዘለዎ ሰልፊ ናይ ምምስራት መደብ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ናይ ድህሰሳን ናይ ልዝብን ሽማግለታት ኣቚሙ ምስ ውድባትን ጕጅለታትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ውልቀ ዚጋታትን ሰፊሕ ርክባት ንምክያድ ተበግሶ ወሲዱ ይንቀሳቐስ ኣሎ። ክሳዕ ሕጂ ተገይሩ ዘሎ ርክባት ውን ዘተባብዕ ኣወንታዊ ውጽኢታት ዘለዎ ምዃኑ ከይሓበርና ክንሓልፍ ኣይንመርጽን። እዚ ዕማም’ዚ ክዕወት ግን፡ ናይ ኵሉ ተቓወምቲ ሓይልታትን ውልቀሰባትን ፈተውትን ደገፍን ምትብባዕን ከድልዮ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ንህዝብን ንተቓወምትን ዘርብሕ ቅዱስ ዕላማ ስለዝዀነ ከኣ፡ ብረብሓ ህዝቢ ዝግደሱን ተቓውሞኦም ክዕወትን ከድምዕን ዝደልዩን ሸነኻት ክድግፍዎ እንተዘይኰይኑ ክጻረርዎ ዝድርኽ ዝዀነ ይኹን ኣዕጋቢ ምኽንያት ክርከቦ ኣይከኣልን ኢዩ።

 

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝተለሞ ናይ ዓወት ስትራተጂ፡ ብዕሩን ኣትኵርኡን ሃሙን ተቓውሞኡን ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ ምቕናዕ ደኣ’ምበር፤ ኣንጻር ተቓወምቲ ዝዀነ ኣሓት ውድባትን ኣንጻር ጐረባብትን ወይ ኣንጻር ኣህጕራዊ ማሕበረሰብ ኣይኰነን። እዚ’ሞ እቲ ስርዓት ባዕሉ ተታሓሒዝዎ ዘሎ፡ ናይ ዕንወት ጐደና ኢዩ። ኣብ ዕንወት ናይ ሃገርና ክንሳተፍ ድማ ባህጊ ይኹን ረብሓ የብልናን። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ፡ ውድብና፡ ካብ ዝተፈላለዩ  ሸነኻት፡ ኣብ ልዕሊኡ ብዝስንዘሩ ዝተፈላለዩ መጥቃዕትታት መኣዝኑ ከየጥፍአን፤ ንቀዳምነታት ናይ ዕላማታቱ ከይደዋወሰን፤ ንዝተበገሰሉ ቅዱስ ዕላማ ንምዕዋት ተራኡ ዝጻወትን፤ ኣርሒቑ ንቕድሚት ዝጠመተ ፖሊሲ ዝኽተልን ዘሎ።


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com