|
||
|
ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ካብ ኤርትራ ከመሃራ ኣለወን
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ 21.01.2007
ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምስ ዓጥያ ዒሳውን መሓመድ ኣሚን ኣልመስሪን ዝገበሮ ቃለ መሓትት ኣብ ኣልኣህራም እተባህለ ፍሉጥ ናይ ግብጺ ጋዜጣ ብዕለት 16 ጥሪ 2007 ተሓቲሙ ተዘርጊሑ።
ብሰንኪ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ምስሕሓብ ንነዊሕ ግዜ ዝተደናጐየ፡ ብተቓወምትኻ ዝቐረበልካ ጠለባት ናይ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ምርጫታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝወሰድካዮ ስጕምቲ’ዶ ኣሎ? ንዝብል በቶም ጋዜጠኛታት ዝቐረበሉ ሕቶ፡ ኢሳያስ ከም’ዚ ዝስዕብ ክብል መለሰ።
ተቓውሞ ዝብሃል ነገር የለን። ኣብ ኤርትራ፡ ንዅሎም ኣብ ውሽጢ ይኹኑ ኣብ ደገ ዘለዉ ዜጋታት ዘሳትፍ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣሎና። እቲ ብገለ ውልቀሰባትን ጕጅለታትን ዝፍብረክ ጸገማት ምስ ፍሉጥ ኣጀንዳ ዘለዎም ናይ ግዳም ሓይልታት ዝተኣሳሰረ’ዩ። ምስ ዲሞክራስን ፖለቲካዊ ምዕባለ ናይ ኤርትራ ዝተኣሳሰሩ ኣይኰኑን። ብዛዕባ ዲሞክራስን ብዙሕነት ዝዝረብ ዘሎ ጕዳያት እንተደኣኰይኑ፡ ቡሽን ብለርን ካብ ተመኵሮና ክመሃሩ ኣለዎም። እንግሊዛውያን ንብለር እምቢ ኢሎሞ ኢዮም። ብለር ግን ንድምጺ ናይ ህዝቢ ተማእዚዙ ካብ ስልጣን ክወርድ ኣየደለየን። ከምኡ ውን፡ 67% ካብ ኣመሪካውያን ብመንግስቶም ዝፈጸሞም ስርሓት ሕጕሳት ኣይኰኑን። ስለ’ዚ፡ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ፕረሲደንት ቡሽ ካብ ስልጣን ወሪዱ ነቲ ጸገም ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ’ዩ ክፈትሖ ዝግባእ። ብዛዕባ ዲሞክራሲ ዝዛረብ ሰብ፡ ቅድም ቀዳድም ባዕሉ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ’ሞ፤ ድሕሪኡ ከኣ ንኻልኦት ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ክመክር’ዩ ዝግባእ። ንሕና ናይ ዲሞክራሲ ፕሮፈሰራት ኣየድልዩናን ኢዮም። ኵነታትና፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ኣብ ኣፍሪቃ ዋላ ውን ኣብ ኣውሮጳ ዘሎ ዲሞክራሲ ዝሓሸ ኢዩ ኢሉ።
ብርግጽ ዘስደምም መልሲ፡ ካብ ዘስደምምን ዘይሓንኽን መራሒ። ንስርዓት ኢሳያስ ዝቃወሙ ሓይልታት ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ምህላዎም ኵሉ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ክሽፍኖ ውን እንተፈነተ፡ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ከዕግብ ከምዘይክእል ርዱእ ኢዩ። ናይ ተቓወምቲ ውድባት ኣኼባታት፡ ናይ ረድዮ ፈነወን፡ ሰላማዊ ሰልፍታትን ንዝርእን ንዝሰምዕን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ዓለምን፡ ኣይሰማዕኩምን ኣየንበብኩምን ክትብሎም ፈጺሙ ዘይከኣል ኢዩ። ኤረ! እቶም ዝኣሰሮም ናይ ቀደም መራሕትን ጋዜጠኛታትን መራሕቲ ሃይማኖታትን በሽሓት ዝቝጸሩ ሰዓብቶምን እንታይ ስለዝበሉን እንታይ ስለዝገበሩን ድዩ ኣሲርዎም ዘሎ?
ኣስዕቡ ብዛዕባ ዲሞክራስን ብዙሕነትን ዝሃቦ መልሲ ከኣ ንሰማዒ ገረሞ ዘብል ኢዩ። ኤርትራ ካብ ኣፍሪቃ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ካብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝበልጽ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣለዋ ምባሉ፡ ሓሚሙ እንተዘይኰይኑ ብጥዕናኡ ኣሎ ምባል ዘይከኣል’ዩ። ብለርን ቡሽን ካብ ተመኵሮ ኤርትራ ክመሃሩ ምዕዳም ድማ፡ ብህዝቢ ዓለም ምሽክዕላል ካብ ምዃኑ ተሪፉ ካልእ ትርጕም ክውሃቦ ኣይክእልን።
ቡሽን ብለርን፡ ካብ ኢሳያስ ዝመሃርዎ ተመኵሮ ንዝዀነ ካብኦም ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ዘለዎ ዜጋ ምእሳርን ብዘይ ክስን ብዘይ ፍርድን ምስ ቤተ-ሰቡ ኣብ ዘይራኸበሉ ሕቡእ ቦታን ምእሳርን፤ ካብ ኢድ ወለዶም ዘይኰነስ፡ ካብ ኢድ መንግስቲ ናይ ዝሃደሙ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልሎት 50,000 ናቕፋ ክፈሉ ወይ ድማ ንዓመታት ብማእሰርቲ ምቕጻዕን ድዩ? ወይስ ነቲ ብወለዶታት እናማዕበልዎ ዝመጹ ቅዋም ኣብ ከብሒ ዓጽዮም፡ ንህዝቦም ብዘይ ቅዋም ተመሓደር ክብልዎ ድዩ? ወይስ፡ ነቶም ብናጽነት ዝንቀሳቐሱ ጋዜጠኛታትን ሰልፍታትን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ምድጓን ድዩ? ወይስ፡ ነቲ በጺሖሞ ዝለዉ ስልጣኔ ደምሲሶም ከምኡ ናብ ናይ በረኻ ኣተሓሳስባ ክምለሱ ድዩ ዝዕድሞም ዘሎ?
ቡሽን ብለርን ብህዝቦም ተጸሊኦም ስለዘለዉ፡ ስለምንታይ ካብ ስልጣኖም ዘይወርዱ ምባሉ፤ ንሱ ብህዝቢ ስለዝተፈተኹ ኢየ ኣብ ስልጣን ዘለኹ ዝብል መልእኽቲ ከመሓላልፍ ይፍትን ምህላዉ ብሩህ ኢዩ። ግን ከኣ፡ ቅድም ክብል “ኣነ ብህይወተይ ክሳዕ ዘለኹ፡ ካብ ስልጣን ከልግስ’የ ኢለ ሓሲበ ይኹን ሓሊመ ኣይፈልጥን” ምባሉ መግለጺ ናይ ዲሞክራስያውነት ድዩ ነይሩ!!!? ቡሽን ብለርን ብመሰረት ቅዋም ሃገራቶም ካብ ስልጣኖም ዝወርድሉ ግዜ ከምዝመጽእ ዘይፈልጥ ሰብ ዘሎ ኣይመስለናን። እቲ ምኣስ ከምዝወርድ ዘይፍለጥ ግን፡ ናይ’ቲ ብቅዋም ዘይኰነስ፡ ብኢደ ወነኑ ዝገዝእ ዘሎ ኢሳያስ ኢዩ። ዘበን ግርንቢጥ ማይ ንዓቐብ ከምዝበሃል፡ ኢሳያስ፡ ምኣስ ካብ ስልጣን ክስሕብ ምዃኑ ክንዲ ዝነግር፡ ካልኦት ካብ ስልጣኖም ዘይወረዱ ኢሉ ምኽሳሱ፡ ንዓለም ገረሞ ዘብል ኢዩ።
ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኤርትራ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ብምእሳር ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ቀዳማይ መስርዕ እትርከብ ሃገር ምዃና ዓለምና ብመላኡ ዝመስከሮ ሓቂ’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ረጊጹ፡ ብዛዕባ ኣብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ዲሞክራሲ ምህላዉን ዘይምህላዉን ክምህረና ኢሉ ምሕሳቡ፡ ኣዝዩ ዘገርም ጕዳይ’ዩ።
“ጽምብላሊዕ’ሲ መቀመጭኣ ዘይከደነት፡ መሬት ከደነት” ከምዝበሃል፡ ኢሳያስ፡ ንኣፍሪቃ ከይኣኽሎ፡ ካብኡ ሰጊሩ፡ ንኣውሮጳን ኣመሪካን ከቈናጽብ ምፍታኑ ዓለም ከምዝስሕቆ ርዱእ ኰይኑ፤ ንሕና ድማ፡ ኢሳያስ፡ ክንዲ’ታ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ተፈቒዳ ዘላ ዲሞክራሲ ንህዝቢ ኤርትራ እንተዘፍቅድ ክንደይ ኮን መመስገናዮን መመጐስናዮን ኣብ ርእሴና ምሰቐልናዮን ንብል። ስኣን እዚኣ ንእሽቶ መተንፈሲት መስኮት እኳ’ዩ ህዝብና ዝእሰር፡ ዝሰድድ፡ ዝጠሚ ዝመውት ዘሎ።
ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ኢሳያስ፡ ዋላ ነቶም ምስኡ ቃለ-መሓትት ዝገብሩ ዝነበሩ ግብጻውያንን ንሃገሮምን ካብ ናትኩም ዝበለጸ ዲሞክራሲ’ዩ ዘሎና ይብሎም ከምዝነበረ ዝዘንግዐ’ዩ ዝመስል። ብክቱር ትምክሕቲ ነዚ ክርዳእ ዘይከኣለ ስርዓት፡ ንህዝቡን ንጐረባብቱን ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ንምግንዛብ ድማ፡ ብዙሕ መብርሂ ዝሓትት ጕዳይ ኣይኰነን።
“ዝብኢስ፡ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ፡ ማእሲ ኣንጽፉለይ በለ” ከምዝብሃል፡ ኢሳያስ፡ ካብ ዝብኢ ብዝዓሸወ ኣገባብ፡ ኣብ ዝፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ፡ ኩታ ናይ ዲሞክራሲ ክኽደን ምፍታኑ፡ ንርእሱን ንሃገሩን ዘሕፍር መዳርግቲ ዘይብሉ ናይ ዓያሹ ስራሕ ኢዩ ሰሪሑ።
እዚ መግለጺ’ዚ፡ ነቶም ክሳዕ ዶብና ዝሕንጸጽ፡ ሰብኣዊ መሰል ክኽበር ይኹን ዲሞክራስያዊ ምርጫታት ክካየድ ኣይክእልን’ዩ እናበሉ፡ ነቲ ስርዓት ከመሳምስሉ ዝጸንሑ ሸነኻት ውን ንሓሶቶም ዘቃልዕ ኢዩ። ስለዝዀነ ድማ፡ ብውሽጦም መሕብኢ ስኢኖም፡ ኣብ ጽፍሮም ክኣትዉ ይፍትኑ ከምዘለዉ ይርድኣና ኢዩ። እቲ ዘይርድኣና ግን፡ ሕጂ’ኸ፡ ንኢሳያስ ንምሕጓስ፡ እንታይ ካልእ ምስምስ ኮን ከምጽኡ ይዀኑ ዝብል ኢዩ?
ኣብ መደምደምታ፡ ኢሳያስ ንምልኪ ከም ዲሞክራሲ፡ ንስቅያት ናይ ህዝብና ከም ምዕብልና ካብ ተረድኦን ካብ ገለጾን፥ እቶም ነዚ ስርዓት’ዚ ብጕልበት ድዩ፡ ብገንዘብ፡ ወይስ ብሓሳብ ክድግፉ ዝጸንሑ ዜጋታት ንመርገጻቶም ዳግመ ርእይቶ ክገብርሉን፥ ኣብ ጐድኒ ህዝቦም ደው ክብሉን ደጊምና ከነዘኻኽር ንፈቱ።
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|