|
መንእሰያት
ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኢሳያስ
ቤት ጽሕፈት
ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ
ባይቶ
22.01.2007
መንእሰይ፡ ብደራኺ ባህርያቱን ብድልውነቱ ንለውጥን ዝልል፤ ናይ ቀጻልነት ዋሕስነትን ናይ ምሕዳስ ረቛሒታት
ዝውንንን፤ ኣብ ኵሉ መዳያት ናይ ህይወት ኣፍራዪ ግደ ዝጻወትን ዲናሞ ናይ ሕብረተ-ሰብ ዝዀነ ግዙፍን ንጡፍን
ሓይሊ’ዩ። ስለዝዀነ ድማ፡ መንእሰያት፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ካልኦት ሕብረተ-ሰባት፡ ኣብ መዳይ
ህንጻን ምዕብልናን ምሕዳስን ዝጻወትዎ ፍሉይን ኣገዳስን ግደ ኣለዎም። እንተዀነ ግን፡ ንኣተሓሳስባን ዕግበትን ወዲ
ሰብ ዝውስን ዕድመ ጥራሕ’ዩ ዝብል ተረድኦ ምውናን ውን ቅኑዕ ኣይኰነን። ሕብረተ-ሰብ፡ ውርሻ፡ ትምህርቲ፡ ከባቢ
…ወዘተ ውን፡ ንኣተሓሳስባ ናይ ወዲ ሰብ ኣብ ምቕራጽ ዓቢ ተራ ከምዝጻወቱ ምግንዛብ የድሊ። ብሓፈሽኡ ግን፡
መንእሰያት ኣብ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ከም ሓድሽ ሓይልን ሓድሽ ደምን ኢዮም ዝቝጸሩ። መንእሰይ ብስድራ ቤቱን ከባቢኡን
ጥራሕ ኣይኰነን ዝጽሎ፡ እንታይ ደኣ፡ ዝያዳ ንምፍላጥ ኣብ ዘየቋርጽ ናይ ምምርማር ባሕሪ’ዩ ዝሕንብስ። ስለ’ዚ
ከኣ’ዮም መንእሰያት ማእከል ስሕበት ናይ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሃይማኖታውን ምንቅስቓሳት ዝዀኑ። ጸቢብ ኣተሓሳስባ
ዘለዎም ናይ ድሕረት ሓይልታት፡ ንመንእሰያት ብክለሳ-ሓሳቦም ብምጽላውን፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ብምእታውን፡ ንጸቢብ
ዕላማታቶም ንምርግጋጽ ከም መሳርሒ ክጥቀምሎም ይጽዕሩ። ብኣንጻሩ ከኣ፡ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓሳት፡ መንእሰያት
ብናጽነትን ብክሱትን ተመራማርን ኣእምሮን ክዓብዩን፤ ንጽቡቕን ሃናጽን ሓሳባት ብምቕባልን፤ ንዕጽው ኣተሓሳስባ
ብምንጻግን፥ ንጽቡቕ ካብ ሕማቕ ብምምማይን ፍትሕን ማዕርነትን ሕውነትን ዝሰፈኖ መጻኢ ንምህናጽ ንምብቅዖም ኢዮም
ዝቃለሱ። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ንጕዳይ ናይ መንእሰያት፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ናይ ንጥፈታቱን
ስነ-ጽሑፋቱን ፍሉይ ትዅረት ዝህቦ። ካብ’ዚ ብምብጋስ’ዩ፡ ብጻይ ወልደሱስ ዓማር፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ተሓኤ
ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣብ’ቲ ብዕለት 17.12.2006 ኣብ ፍራንክፈርት ንዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት መስዋእቲ ብጻይ ስዩም
ዑቝባሚካኤል ኣብ ዝተዳለወ በዓል፡ ነቶም ካብ ግሃነም እሳት ዝዀነ ስርዓት ሃዲሞም ኣብ ስደት ዝርከቡ ይኹን ነቲ
ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ መንእሰይን፡ “ነዚ ውድብ’ዚ ተረከብዎ፤ ናብ’ዚ ውድብ’ዚ ክትጽንበሩ ንደልየኩም ኣሎና፤
ጌጋታት እንተልይዎ ድማ ንክትእርምዎን ከተማዕብልዎን ጽዓሩ” ብምባል ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ክቓለሱ
ዝጸውዐ። እዚ ጻውዒት’ዚ፡ ናይ’ቶም መገዲ ዓወትን ኣሳልጦን ዝፈልጡን፥ ዓወትን ኣሳልጦን ዝደልዩን ሸነኻት ጻውዒት
ኢዩ። ከምኡ ውን፡ ነቶም መንእሰያት ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ደው ክብሉ ዝጠልብን ሃገራዊ ጻውዒት ኢዩ።
መዓልቲ
ሰማእታት፡ ኵሉ ግዜ፡ ጽንዓትናን ዘይዕጸፍ ድሌታትናን ድልውነትና ንሃገራዊ ቃልስን እነሐድሰላ ዕለት ኢያ። ስለዝዀነ
ድማ። ንጻውዒታትና ተቐቢሎም፡ ብሓባር ኰይና ኣብ መንገዲ ዓወት ንመርሽን፤ ህዝብና ብሰላም ዝነብረላ ርግእትን
ዲሞክራስያዊትን ሃገር ብምህናጽ ንትጽቢታት ናይ ህዝብና ጋህዲ ንግበርን ኢና ንብል ዘሎና።
መንእሰይ
ስትራተጂካዊ ጥሪት ናይ ሓንቲ ሃገር ወይ ከኣ ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ምዃኑ ተገንዚብና፡ ንሓይሊ መንእሰይ ብብቕትን
ብክእለትን ከነመሓድር ንጽዓር። መንእሰያትና ኣፍረዪትን ንጡፋትን መታን ክዀኑ፡ ካብ ዕሸል ዕድሚኦም ኣትሒዝና
ክንምልምሎምን ክንከታተሎምን ይግብኣና። ነዚ ሓላፍነት’ዚ ብግቡእ ንምስካም ድማ ህዝብን መንግስትን ሓቢሮም ክሰርሑ
ኣለዎም። ዝዀነ ይኹን ናይ ምብሓት ፈተነ ብሓደ ካብ’ዞም ክልተ ሸነኻት ግን፡ ንዅሉ ማለት ንመንግስትን ንህዝብን
ንመንእሰያትን ንሽማግለታትን ዝሃሲ ውጽኢት ጥራሕ’ዩ ክህልዎ። ብቑዕን ኣፍራዪን ሓይሊ መንእሰይ ንምውናን ድማ፡ ኵሉ
ዘድሊ ሕክምናውን ትምህርታውን ኣገልግሎትን ከነቕርበሎም ይግባእ። ኣብ ርእሲ’ዚ ከኣ፡ ሞራላዊ ክንክን ክንገብረሎም
ውን ግቡእና ኢዩ። ካብ ናይ ብልሽውናን ሓሽሽን ካልኦት ኣዕነውቲ እጽዋትን ወልፍታትን ከነርሕቖም ይግብኣና። ነዚ
ኣገዳሲ ስትራተጂ’ዚ ንምፍጻም ወለዲ ንደቆም ክከታተሉን፥ መንግስትን ኤርትራውያን ገበርቲ ሰናይን ድማ፡
ኣብያተ-ትምህርትን መዋእለ ህጻናትን ናይ ስፖርት ከበባት ንመንእሰያትን ክሃንጹን ይግባእ። ከምኡ ውን፡ ትሕተ ዕድመ
ዝዀን መንእሰያት ኣብ ውትህድርና ከይኣትው ዝኽልክል ሕግታትን ፖሊሲታትን ምትግባር ሓላፍነት መንግስቲ ምዃኑ ብሩህ
ክኸውን ይግባእ።
ስርዓት
ኢሳያስ ዝኽተሎ ፖሊሲታት እንተርኢና ግን፡ ንመንእሰያት ንዅሉ ዓይነት ጭቆናን ጃምላዊ ህልቂትን ስንክልናን ዝዳርግ
ኰይኑ ንረኽቦ። ብዛዕባ መጻኢ ዕድሎምን ኣብ ልዕሊኦም ብዛዕባ ዝፍጸም በደልን ከይሓስቡ ድማ፡ ኵሉ ናይ ዳንኬራን
ሳዕስዒትን መሳርሒታት’ዩ ዝቕርበሎም። ነዚ ጭቆና’ዚ ዝተጻረረ፡ ዕጫኡ ሞትን ማእሰርትን ዓዘባን ኢዩ። ከም ውጽኢቱ
ድማ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣደዳ ድኽነትን ድንቍርናን ኣደዳ ኵሉ ዓይነት ሕማምን ብፍላይ ከኣ ሕማም አይድስ
ኰይኖም ይርከቡ ኣለዉ። ብሰንክ’ዚ መዘና ዘይብሉ ጭቆና ከኣ፡ ነታ ዝፈትዋ ሃገርን ዝፈትውዎም ወለዶምን ራሕሪሖም
ንስደት ከምርሑ ይርኣዩ ኣለዉ።
ስደት
ንህዝብና ሓድሽ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን፡ ካብ ግፍዕታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንምምላጥ ዝግበር ዝነበረ ስደትን፤ ናይ
ሎሚ ስደትን ዝተፈላለየ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንከሎና ህጻናትን ሽማግለታትን ደቂ ኣንስትዮን ናብ ጐረባብቲ
ሃገራት ብፍላይ ድማ። ናብ ሱዳን ክስደዱ እንከለዉ፥ መንእሰያትን ተመሃሮን ግን ናብ ሰውራኦም ብምጽንባር ምእንቲ
ናጽነቶም’ዮም ዝቃለሱ ዝነበሩ። ናይ ሎሚ መንእሰያትን ተመሃሮን ግን ብኣንጻሩ፡ ሽማግለታትን ህጻናትን መበለታትን
ንድሕሪት ገዲፎም’ዮም ዝስደዱ ዘለዉ። ክሃድሙ እንከለዉ እንተተታሒዞም ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ናይ ሞት ስጕምቲ
ይኹን፡ ምድረ-በዳታትን ውቅያኖሳትን ክሰግሩ ከለዉ ዘጋጥሞም ሓደጋታት ከይገትኦም፡ ኣብ ነፍስወከፍ መዓልቲ ካብ
40-50 ዝዀኑ መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ይኣትዉ ኣለዉ።
ምስ’ቲ
ምዝያድ ናይ ዝሰደዱ መንእሰያት፡ ቍጽሪ ናብ ስደት ዘምርሓ ደቂ ኣንስትዮ ውን እናዛየደ’ዩ መጺኡ። ምኽንያቱ ድማ፡
ናይ ስራሕን ናይ ትምህርትን ዕድላት ስለዝተዓጽዎምን፥ መጻኢ ዕድሎም ሞትን ጥሜትን ድኽነትን ስለዝዀነን፤ ኣብ ናይ
ውሑዳት ጀነራላት ረብሓታት ከም ባሮት ንኸብዶም ተገዚኦም ክሰርሑ ዘገድድ ኵነታት ስለእተፈጥረን ኢዩ።
ሃገራዊ
ኣገልግሎት ኣብ ትሕቲ ዝብል ሽፋን፡ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ናብ መደበራት ታዕሊምን ናይ ውግእ ግንባራትን
ክትጓረትን፤ ካብ ትምህርትን ሕክምናን ሓዳርን ተሓሪማ ክተነብርን ተፈሪዱላ ኣሎ። ብሰንክ’ዚ ፖሊሲ’ዚ፡ ዕጭኣ ኣብ
ኣባይቲ ሰበ-ስልጣንን ጀነራላትን መኰንናትን መንግስቲ ምኽዳምን፡ ጀራዲኖም ምዅስኳስን፡ ቆልዑቶም ምዕባይን፤ ካብኡ
ሓሊፋ ውን ስጋዊ ድሌታቶም ንምርዋይ ዝጥቀሙላ ኣቕሓ’ያ ኰይና።
ነዚ
ንምቕያርን ጥዑይ ሕብረተ-ሰብ ንምህናጽን ናይ ኵሉ ዜጋ ቃልሲ ይሓትት። መንእሰያት ድማ፡ ንገዛእ ርእሶም ይኹን
ንደቆም ብሩህ መጻኢ ክሃንጹ እንተደኣ ደልዮም፡ ንቕሓቶምን ክእለቶምን ከማዕብሉን ይግብኦም። ከምኡ ውን፡ ናይ ጽባሕ
መራሕቲ ምዃኖምን፡ ናይ ምምራዝሕ ተርኦም ይቀራረብ ከምዘሎን ፈሊጦም፡ ንነብሶም ብስነ-ፍልጠት ከዕጥቑን ዓቕምታቶም
ክብ ከብሉን፤ ኣብ ኵሉ መዳያት ናይ ህይወት ተሳትፎኦም ክብ ንምባል ተበግሶ ክወስዱን ይግባእ።
ክቡር
ደሞም ኣፍሲሶም፡ ንናጽነት ናይ ኤርትራ ጋህዲ ዝገበሩ መንእሰያት ስለዝዀኑ፤ ሕጂ ውን፡ ንመሰል ዜጋታታ እተኽብርን
እትሕሉን ዲሞክራስያዊት ሃገር ምህናጽ ሓላፍነቶም ምዃኑ ክዝንግዑ ኣይግባእን።
|