|

ህዝባዊ ኣኼባ
ብኣቦ መንበር ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ
ኣብ ሉዘርን፡ ስዊዘርላንድ
ንሰንበት ዕለት 28 ጥሪ
2007፡ ኣቦ መንበር ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ: ተጋ/ ወልደሱስ ዓማር ዝመርሖ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሉዘርን፡
ሰሜናዊ ክፍሊ ስዊዘርላንድ፡ ክግበር ስለ ዝኾነ ንዂሎም ግዱሳት ደቂ ሃገር ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።
ኣብ ሰሜናዊ ካንቶናት
ስዊዘርላንድ፡ ጻዕቂ ሓደስቲ ስደተኛታትን ሓደስቲ ኣባላት ውድብን ስለ ዘሎዉ፡ እዚ ኣኼባ’ዚ ፍሉይ ኣገዳስነት
ኣሎዎ። ስለዝኾነ ከኣ ኲሎም እቶም ኣብዚ ቀረባ ዓመታትን ኣዋርሕን፡ ካብቲ ንመጻኢ ዕድል ሓዲሽ ወለዶ ኤርትራ
ዘጸልመተ ስርዓት ህግደፍ ሃዲሞም ኣብ ስደት ዝርከቡ መንእሰያት፡ እዚ ኣኼባ’ዚ ከየምልጦም ኣጥቢቕና ነዘኻኽር።
ክፉትን ኣኻልን ናይ ሕቶን ርእይቶን መድረኽ ክህሉ ኢዩ። ቀንዲ ኣርእስትታት ኣኼባ ፡-
1.
ህልዊ ኲነታት ህዝቢ ኤርትራን ጸገማት መንእሰይ ወለዶን፤
2.
ሌላ ምስ ደንበ ተቓውሞን መጻኢ ዕማማት ኲሎም ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከቡ ተቓወምቲ ስርዓት
ህግደፍ፤
3.
ንሓዲሽ ወለዶ ዝጽበዮ ዘሎ ተሪርን ከቢድን ግደ ኣብ ለውጥን፡ ህንጸትን ፍትሓዊት/ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ፤
4.
ብሩህ ራኢን ናይ ዓወት እስትራተጅን ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ።
ቦታ
ኣኼባ ፡
Spitalstrasse 91
6004 Luzern
(ካብ ባንሆፍ/Banhof
ኣውቶቡስ ቊ. 18 ወሲድኩም ኣብ 6ይ ፈርማታ ትወርዱ።)
ጊዜ
ኣኼባ ፡
ካብ ሰዓት 1
ድሕሪ ቀትሪ ክሳዕ ሰዓት 5 ድ. ቀ. ክቕጽል ኢዩ።
ብድሓን ምጹ፤
ሽማግለ ጨንፈር ስዊስ፡
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ።
|