ዕዉት ስሚናር ጨንፈር ተ.ሓ.ኤ. ሰ.ባ - ሎንዶን ዓ. ብሪጣንያ

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

29.01.2007

 

 

ብዙሓት ሓደስትን ገዳይምን አባላት ዝተረኽቡሉ ስሚናር አብ ዝተመደበሉ ስዓትን ቦታን ብዕለት 28-01-2007, ኣብ ለንደም ተኻይዱ::

ነቲ ሰሚናር ዕምቀትን ሚዛንን ካብ ዝሃብዎ ረቓሒታት ድማ ብጻይ ኣሰፋው በርሀ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለንን ሓላፊ ቤት ጽሕፍትስርርዓዊ ጉዳያት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ነቲ ኣኼባ ዝመርሖ ምንባሩ ኮይኑ፤ ተሳትፎ ዓበይቲ ካድራት እውን ኣወንታዊ ግዴኡ ነይሩዎ እዩ።

ብ/ይ ኣስፋው ነዞም ዝስዕቡ ኣርእስትታት ኣልዒሉ መብርሂ ብድሕሪ ምሃቡ ኣኼበኛ ብዝርዝር ተመያዩጡሎም።

1.                 ህሉዊ ኩነታት ህዝብናን ዘሕልፎ ዘሎ ምረትን፡

ዘሎ ወለዶ ተጠሊሙስ ዝመጽእ ወለዶ’ውን ክህሰ ምዃኑ አብሪሁ።

2.                 ምዕባሌታት ኣብ ተቓውሞ ደምበ ብሓፈሻ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ሰውራዊ ባይቶ ድማ ብፍላይ፡

ሀ. መደባትን ውሳኔታትን ጉባኤ ተ.ሐ.ኤ-ሰ.ባ.- (ዝተቐየረ/ዝተመሓየሸ)

            ፍሉይ አትኩሮ ኣብ ጉዳያት መንእሰይን ደቂ ኣንስትዮን

         ለ.  ተቓዉሞ ደምበን ተነቢሩሉ ዘሎ ተስፋታትን ዝቃራረብ ዘሎ 

             ጉባኤ ኪዳንን፡  

    3.    ኣባል ዉድብን ግዴኡን፡ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ክህልዎ ዘሎዎ ብቕዓትን፤

ግደ ናይ ህዝብና ኣብ ምቕራጽ መጻይ ዕድሉን ኣብ ምርግጋጽ መሰላቱን ንምዕዛዝ (empowerment of people) ብደረጃ ውብን ክንጻወቶ ዘሎና ተራ ምንጻርን፤

 

ብድሕሪ’ዚ ኣኼበኛ እዚ ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ብዝፈጥሮ መጻብቦ እንተ አልገሰ ክፍጠር ዝኽእል ኩነታት ክሳብ ክንደይ ከም ዘሰክፎ ብምግላጽ፥ ግደ ተ.ሓ.ኤ-ሰ.ባ ብፍላይ ተቓውሞ ደምበ ድማ ብሓፈሻ፡ ምሕያል ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ብትዅረት ተመያይጥሉ።

 

ንቀጻሊ ኣኼባ ተዓሚሙ ክመጽእ ዘለዎ ነጥብታት ብድሕሪ ምዝርዛር ድማ፡ ኣኼባ ብዝኽሪ ሰማእታት ተዛዚሙ።

 

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com