|
ልኡኽ ተሓኤ
ሰውራዊ ባይቶ
ምስ ማእከል
ሶይራ ንሰብኣዊ መሰላት ተራኺቡ
ቤት ጽሕፈት
ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ
ባይቶ
23.01.2007
ብጻይ
መሓመድ ኣደም ኣርትዓ፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዝመርሖ፤ ኣባላት
ሽማግለ ድህሰሳን ሓበሬታን ብጾት ብርሃነ ኪዳነን ሲራክ ዘመንፈስን ዓብደልቓድር ኣልዑቕድን ጸጋይ መዝገበን ዝርከብዎ
ልኡኽ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ምስ ማእከል ሶይራ ንሰብኣዊ መሰላት ተራኺቡ። ዕላማ ናይ’ቲ ብጽሖት፡ ብዛዕባ’ቲ
ተመሳሳሊ ፕሮግራምን ርእይቶን ዘለዎም ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ውልቀሰባትን ብሓባር ኰይኖም ክምስርትዎ
ዘለዎ ይ ሰፊሕ ህዝባዊ ባይታ ዘለዎ ሰልፊ ንምግላጽ’ዩ ነይሩ።
ብጻይ
መሓመድ ኣደም ኣርትዓ፡ በዚ ኣብ ሜዳ ኤርትራ መወዳደርቲ ዘይብሉ ኣገባብ ሰልፊ ንምምስራት ዝተደለየሉ ምኽንያታትን፥
በዚ ሰልፊ’ዚ ክረጋገጹ ትጽቢት ዝግበረሎም ሃገራውን ዲሞክራስያውን ዕላማታትን፥ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ዝተረጋገጹ
ኣሳልጦታትን ብዝርዝር ገሊጹ። እዚ ከኣ፡ ነቲ ማእከል ሶይራ ንሰብኣዊ መሰላት ንተግባራት ናይ’ቲ ጨቋኒ ስርዓት ኣብ
ምቅላዕን፥ ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምክልኻልን ዝጻወቶ ዘሎ ዓቢ ተራ ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ። ኣስዒቡ ብጻይ መሓመድ
ኣደም ኣርትዓ፡ በቲ ማእከል ዝተዋህቦ ዕድልን ንዝተገብረሎም ምውቕ ኣቀባብላን ኣመልኪቱ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።
ብኻልእ
ሸነኽ ከኣ፡ ኣባላት ሽማግለ ድህሰሳን ሓበሬታን ዝዀኑ ብጾት ብርሃነ ኪዳነን ሲራክ ዘመንፈስን፡ ኵሎም ውድባትን
ሲቪላዊ ማሕበራትን ውልቀሰባትን ዝሳተፍሉ ሓባራዊ ባይታ ንምፍጣር ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ብክሱት ልቢ ይሰርሕ
ከምዘሎን፤ ሽማግለ ድህሰሳን ሓበሬታን ምስ ኵሎም ኤርትራውያን ናይ ዜና ማዕከናትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ብምርኻብ ነቲ
ንምዕዋት ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ መደብ ዕዮ ዝዓለመ መደብ ምምስራት ሰልፊ ተብርህ ምህላዋን ኣረዲኦም።
ዳይረክተር ማእከል ሶይራ ንሰብኣዊ መሰላት፡ ብጻይ ያሲን መሓመድ ዓብደላ ብወገኑ፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ንውድቡ
ኣፍሪሱ፡ ምስ ካልኦት ሸነኻት ብምልዛብ ብሓድሽ ሰልፊ ንምትካእ ዝወሰዶ ውሳኔ ኣመጒሱ። እዚ ከኣ፡ ተሓኤ ሰውራዊ
ባይቶ ነቲ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ኤርትራ ብግቡእ ከምዝተገንዘቦ’ዩ ዘረጋግጽ ኢሉ።
ኣስዒቡ፡ ኵነታት ህዝብና ኣብ ውሽጢ ካብ ሕማቕ ንላዕሊ’ዩ ኰይኑ ዘሎ፤ ኤርትራዊ ዜጋ ድማ ንኣረሜናዊ ዝዀነ ናይ
ስቅያትን ዓዘባን ተግባራት ይቃላዕ ከምዘሎ ዘኪሩ። ሓው ያሲን ቀጺሉ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ነዚ ሃገርና
ተሓልፎ ዘላ ሓደገኛ መድረኽ ኣብ ግምት ብምእታው ቀዳምነታቱ ክሰርዕ ጸዊዑ። ከምኡ ውን፡ ሲቪላውያን ማሕበራት
ዝጻወትኦ ዘለዋ ግደ ድሕሪ ምምጓስ፡ ንጥፈታተንን ግዲአንን ብዝያዳ ክብ ንኸብላ ጸዊዑን፤ እቲ ልኡኽ ንዝገበሮ
ብጽሖት ድማ ኣመስጊኑን።
|