Nharnet Articles/Opinions

     

        

ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ 1,700 ለጠቕ ክብል ተወሲኑ

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

30.01.2007

 

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣስፊርዎ ካብ ዝጸንሐ 2,300 ዝኽወን ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ብ600 ክንክዮ ብምሉእ ድምጺ ሎሚ ዕለት 30.01.2007 ወሲኑ። በዚ እቲ ብዝሒ ናብ 1,700 ለጠቕ ክብል ምዃኑ፡ ተፈሊጡ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክጸንሓሉ ዘለዎ ግዜ ንተወሳኺ 6 ኣዋርሕ ኣናዊሕዎ ምህላዉ ውን ተሓቢሩ።

 

ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ስርሑ ክጅምር እንከሎ 3,300 ኣባላት ከምዝነበርዎን፤ ድሒሩ ግን፡ ብ1000 ነክዩ ናብ 2,300 ምውራዱ ዝዝከር ኢዩ።


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com