8 ወተሃደራት ኤርትራ ብፖሊስ ከንያ ይምርመሩ ኣለዉ

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

02.01.2007

 

ኣብ ጐድኒ እስላማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ኰይኖም ኣብ ሶማልያ ክዋግኡ ካብ ዝጸንሑ ኣባላት ምክልኻል ኤርትራ 8 ናብ ከንያ ክሰግሩ ከለዉ ብፖሊስ ከንያ ከምእተታሕዙን ኣብ ትሕቲ ምርመራ ከምዝርከቡን ኣብ ናይሮቢ ዝርከቡ እሙናት ምንጪታት ዜና ገሊጾም።

 

ከምኡ ውን፡ ሰራዊት እስላማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ብሰራዊት ኢትዮጵያን መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያን ተደፊኦም ካብ ዲኖሱር እትባህለ ቦታ ድሕሪ ምስሓቦም፡ ኣብ’ታ ብዶብ ኣልቦ ሓካይም እተባህለ ትካል ትመሓደር ዝነበረት ሆስፒታል ዲኖሱር፡ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ሶማልያ ክካየድ ዝቐነየ ውግእ ተወጊኦም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ከምዝጸንሑ ዘረጋግጽ ሕክምናዊ ሰነዳት ከምዝተረኽቡ ተገሊጹ።

 

ኤርትራ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ሶማልያ ወተሃደራት ኣይለኣኽኩን ዝብል ኣሉታ ክትህብ ምጽንሓን፡ ሕቡራት ሃገራት ግን፡ ክሳዕ 2,000 ዝዀኑ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ሶምልያ ከምዝርከቡን ክገልጽ ምጽናሑ ድማ ዝዝከር ኢዩ።

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com