ኣባላት ክፍሊ ባህሊ ሓላው ወሰን ኣብ ኣውስትራልያ ኢዶም ሂቦም

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

09.01.2007

 

ኣብ’ቲ ካብ 5-7 ጥሪ 2007 ኣብ ከተማ መልበርን፡ ኣውስትራልያ ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ እተዳለወ ፈስቲቫል ንምስታፍ፡ ካብ ኤርትራ እተላእከት ጕጅለ ባህሊ ሓላው ወሰን፡ ኣርባዕተ ሙዚቀኛታት ዑቝባ ከምዝሓተቱ ወኪል ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ካብ ኣውስትራልያ። መራሒ ናይ ጕጅለ ባህሊ፡ ሙኽታር ሳልሕ፡ ኣብ ተሓኤ ኣብ ሓይልታት መሪሕ ዝዓበየ ፍሉጥ ሙዚቀኛ ኢዩ። ሙኽታር ምስ ራብዓይ ርእሱ (ዓሪፍ ሓሰንን ከማልን ዓብዱልሓኪምን) ካብ ሓለዋ ናይ’ቶም ነታ ክፍሊ ባህሊ ክቆጻጸሩ ዝተላእኩ ሓለፍትን ሰለይትን ኣምሊጦም ናብ ሰበ-ስልጣን ኣውስትራልያ ኢዶም ምሃቦም ተረጋጊጹ ኣሎ። ብድሕር’ዚ፡ እቶም ሓለፍቲ ናይ’ታ ክፍለ ባህሊ፡ ነቶም ዝተረፉ ደረፍቲ፡ ማለት ንወዲ ትኹልን ሃለን መለስን ፋጣማ ኢብራሂምን ከይሃድምዎም ስለዝሰግኡ ብሃንደበት ናብ ስዲኒ እተባህለት ከተማ ከምዝወሰድዎም፡ ካብኡ ናብ ኤርትራ ክመልስዎም ምዃኖምን ተፈሊጡ ኣሎ።


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com