|
ከንያ፡ 30
ወጻእተኛታት ተዋጋእቲ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያ ኣረኪባ
ቤት ጽሕፈት
ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ
ባይቶ
21.01.2007
ከንያ፡ ኣብ ጐድኒ እስላማዊ
ኣብያተ-ፍርዲ ሶማልያ ኰይኖም ክዋግኡ ዝጸንሑ 30 ወጻእተኛታት፡ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያ ኣረኪባ። ኣብ
መንጐ’ዞም ካብ ዝተፈላለዩ ኵርንዓት ናይ ዓለም ዝመጹ ወጻእተኛታት ተዋጋእቲ እዚኣቶም ኤርትራውያንን ናይ ኦሮሞ
ተቓወምቲ ውድባት ኣባላትን ከምዝርከቡ ምንጪታትና ሓቢሮም። እቶም ወጻእተኛታት ተዋጋእቲ፡ ኣእዳዎም ተኣሲሩ ኣብ
ሞቓድሾ ካብ ነፋሪት ክወርዱ እንከለዉ ከምእተራእዩ ወኪል ቢቢሲ ኣብ’ታ ከተማ ኣረጋጊጹ።
|