ሰፊሕ ናይ መንእሰያት ኣኼባ

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

23.01.2007

 ብጻይ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን፥ ብጻይ ጸጋይ መዝገበ፡ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ፥ ብጻይ ግርማይ ክፍለ፡ ወኪል ቤት ጽሕፈት ስርዒታዊ ጕዳያት ኣብ ሱዳን፥ ብጻይ ሃነጸ ካሕሳይ፡ ኣቦ መንበር ሽማግለ ዞባ ካርቱም፥ ዝተሳተፍዎ ሰፊሕ ናይ መንእሰያት ኣኼባ ኣብ ካርቱም ተኻይዱ።

 

ብጻይ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ፡ ብዛዕባ’ዘን ኣብ ታሕቲ ሰፊረን ዝርከባ ኣጀንዳታት ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ።

 

  1. ኵነታት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ትሕቶ ስርዓት ኣስመራን፡ ካብ ፖለቲካ ዘርሕቖም ዘሎ ጠንቅታትን፤

  2. ግደ መንእሰያት ኣብ መስርሕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ፤

  3. ኣገዳስነት ምምስራት ናጻ ማሕበር መንእሰያት፤

 

ድሕር’ዚ ስፍሕ ዝበለ መግለጺ፡ መድረኽ ንሕቶን መብርህን ተኸፊቱ። እቶም ነቲ ኣኼባ ዝመርሑ ዝነበሩ ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ድማ፡ ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልሲ ሂቦም። ኣብ መወዳእታ፡ ነታ ሳልሰይቲ ኣጀንዳ ብዝምልከት ኣኼበኛታት ዓሚቚን ጠቓምን ክትዓት ኣካይዶም። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ነዚ ማሕበር’ዚ ንምምስራት ሓንቲ ግዝያዊት ሽማግለ ቆይማ። ዕማማታ ድማ፡ ከም’ዚ ዝስዕብ ክኸውን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

 

  1. ምስፋሕ ኣባልነት ናይ’ዚ ናጻ ማሕበር መንእሰያት፤

  2. ናብ መስራቲ ጕባኤ ንምብጻሕ ምድላዋት ምግባር፤

  3. ዕድመ ናይ ግዝያዊት ሽማግለ ክልተ ኣዋርሕ ክኸውን።

 

 

   


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com