|
||
|
|
||
|
እቲ ዝድለ፡ ንዕላማታትን ድሌታትን ናይ ህዝብና ምእዙዛት ምዃን’ዩ
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ 16.01.2007
ዘይቃዶ መርገጺታት:-
“ባዕላን መምጽኢት ደርፊ፡ ባዕላን መጥፍኢት ደርፊ” ከምዝበሃል፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ብሓደ ኢዱ ንዝጸሓፎ፥ በቲ ካልኣይ ኢዱ እናደምሰሶ ክኸይድ ከምዝጽንሐ ዘረጋግጹ ብዙሓት ኣሉ ዘይበሃለሎም ጭብጥታት ኣለዉ። ስርዓት ኢሳያስ፡ ክፈቱ እንከሎ ላዕሊ ዝሰቅል፡ ክጸልእ እንከሎ ድማ፡ ጽቡቕካ ከይተረፈ ዝድምስስ ፍትሒ ዘይፈልጥን ብፍትሒ ዘይስፈርን ስርዓት ምዃኑ ታሪኹ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ።
ስርዓት ኢሳያስ፡ ብዛዕባ ዲሞክራስን ፖለቲካዊ ብዙሕነትን ኣመልኪቱ፡ “ጕዳይ ዲሞክራሲ ከም’ዚ ሕጂ ፋሽን ቅድሚ ምዃኑን ቅድሚ ውድቀት ሶቭየት ሕብረትን ንሕና ኢና ተቐቢልናዮ ክብል ከምዘይጸንሐ፤ ድሕር ኢሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ “…ባኒ እምበር ዲሞክራሲ ኣይኰነን ዘድልዮ። ዲሞክራሲ፡ ንህዝብና ብዓሌት ሃይማኖት ክገዛዝዖ’ዩ፤ ….ኣነ ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ፡ ካብ ስልጣን ክእለ’የ ኢለ ሓሲበ ወይ ሓሊመ ኣይፈልጥን…” ክብል ተሰምዐ። ሰበስልጣን ስርዓት ኣስመራ፡ “ዶብና ከይተሓንጸጸ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ደው ክብል ማለት ዘይሕሰብ’ዩ ምባሎም ድማ ዘሰንብድ’ዩ።
ኣብ 1992፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ሱዳን፡ ሰላምን ምርግጋእን ሃገርና ንምዝራግ፡ ጥሩፍ ሃይማኖታዊ ኣይድዮሎጂን (ስነ-ሓሳብ) ጥሩፋት እስላማውያንን ትልእኽ ኣላ ኢሉ ምኽሳሱን፤ ኣስዒቡ፡ ብ1994 ብናቱ ተበግሶ ምስ ሱዳን ዝነበሮ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ከምዝበተኸን ውን ዝዝከር ኢዩ። ሕጂ ድማ፡ ምስ ሱዳን ዝዀነ ይኹን ፍልልይ ከምዘይነበሮን ከምዘይብሉን፤ እቲ ኣብ መንጐ ሱዳንን ኤርትራን ዝጸንሐ ፍልልይ ናይ ሓደ ስድራ ቤት ባእሲ’ዩ ክብል ይስማዕ ኣሎ። ከምኡ ውን፡ እቲ ንሰላምን ምርግጋእን ኤርትራ ዝዝርግ’ዩ እናበለ ክኸሶን ክጻረሮን ዝጸንሐ፡ ናይ ጥሩፍ እስላማዊ ኣይድዮሎጂ፤ ኣብ ሶማልያ ሰላምን ምርግጋእን ከምጽእ’ዩ እናበለ ክጠበቐሉን ክምጕተሉን ተራእዩ።
ኣብ ኤርትራውን ኢትዮጵያውን መዳይ ከኣ፡ “ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ናብ ትርጕም ዘይብሉ ብርኪ ክሰጋገር ኢዩ” ክብል ከምዘይጸንሐ፤ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት እተኻየደ ውግእን፡ ስዒቡ ዝመጸ ወጥርን “ብይን ኮሚሽን ዶባት ኤትራን ኢትዮጵያን ቀያድን ናይ መወዳእታን ስለዝዀነ፡ እዚ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ሰላማዊ ዘተ የለን ዝብል መርገጽ ከቃልሕ ተሰምዐ። ካብ ሓደ ጫፍ፡ ናብ’ቲ ካልእ ጨፍ ምንጣር መለለዪ ባህሪ ናይ’ቲ ስርዓት ኢዩ።
ዘይቃዶ ተግባራት
ኢሳያስ፡ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ካብ ኢትዮጵያ ንኸይግንጸል ዝጸዓረን ዘዕገበን ህዝባዊ ግንባር ኢዩ እናበለ ደጋጊሙ ክዛረብ ክንሰምዖ ጸኒሕና። እዚ ሓቀኛ እምነቱ እንተደኣኰይኑ፡ ስለምንታይ ደኣ’ሉ ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ናይ ምግንጻል ዕላማ ዘለዎ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ዝድግፍን ዘዋፍርን ዝሕብሕብን ዘሎ?
ኢሳያስ፡ ብዛዕባ ልዑላውነት ሃገር ምክልኻል ብዙሕን ሒደትን ክዛረብ ይስማዕ። ብግብሪ ውን፡ ልዑላውነት ኣብ ትሕቲ ዝብል ሽፋን ንመንእሰያት ኤርትራውያን ዓስኪሩ፡ ኣብ’ቲ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዘካየዶ ውግኣት ክጠብሶም ጸኒሑን ኣሎ። እዚ ጥራሕ ውን ኣይኰነን፡ ነቶም ተቐናቐንቱ ዝዀኑ ውድባትን ውልቀሰባትን ዋላ ውን ነቶም ክሳዕ ናጽነት ኤርትራ ምስኡ ኰይኖም ንህዝባዊ ግንባር ዝመርሑ ዝነበሩ ብጾቱ ከይተረፈ ብክሕደት ክኸስስን ክኣስርን ተራእዩ። ብኣንጻሩ ከኣ፡ ነቲ ዶባትና ቀይሕ ባሕሪ እምበር ባድመ ኣይኰነን፥ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ’ያ ኢሉ ዝኣምንን፤ በዚ እምነት’ዚ ህዝቢ ከነቃቕሕን ክውድብን ዝጸንሐ “ቅንጅት” ኣብ ኤርትራ ከዕቁብን ክምልምልን ኵሉ መዳያዊ ደገፋት ከበርክትን ይርእ። ናይ ኤርትራ መራኸቢ ብዙሓን፡ ንኤርትራውያን ዜጋታት ተሓሪሙ፡ ንቅንጅትን ኦነግን መሰልቶምን ግን ከምድላዮም ክሕንብስሉ’ዩ ተፈቒዱ። እዝስ ተጋራጫዊ’ዶ ኣይኰነን?
እዚ ዘረጋግጾ ነገር እንተድኣሃልዩ፡ እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝምርሓሉ ራእይ ይኹን ስትራተጂ፡ ወይ ድማ ዝቕየደሉ ክብሪ ይኹን ሞራል ከምዘይብሉ ኢዩ። እቲ ስርዓት ዝግልገለሉ መርሆ፡ “ናይ ጸላእየይ ጸላኢ፡ ፈታውየይ ኢዩ” ዝብል ኢዩ። ስለዝዀነ ድማ፡ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ኵሉ ነገር ታክቲክ ወይ ስልቲ ኢዩ። ክሳዕ ድላዩ ዝፈጸምካሉ ፈታዊኡ፡ ድሌቱ እንተዘይፈጺምካ ድማ ጸላኢኡ ኢኻ። ናይ ሓባር ረብሓ ዝብሃል ቃል ኣብ መዝገበ ቃላቱ ኣይርከብን ኢዩ። ስትራተጂኡ ሓንትን መተካእታ ዘይብላ ኢያ። ንሳ ከኣ፡ ዝገበርካ ጌርካ ኣብ ስልጣን ምንባር ጥራሕ ኢያ።
እታ ሓንቲ ስርዓት ኢሳያስ ከይተገለባበጠ፡ ብሓደ ቅኒትን ብሓደ ናይ ምቍንጻብ ቃልን ክቕጽላ ዝተራእየ መርገጽ፡ እታ ኣብ ልዕሊ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ዝነበረቶን ዘላቶን ተጻብኦ ጥራሕ ኢያ። እዚ ከኣ፡ ካብ’ቲ ንኣህጕራዊ ስምምዓትን ቻርተራትን ክምእዘዝ ወይ ብኡ ክቕየድ ዘይደሊ ዲክታቶርያዊ ባህርያቱ ዝነቅል ደኣ’ምበር፤ ካልእ ሚዛንን ፍትሓዊ ኣረኣእያን ዘንቀሎ ኣይኰነን። ኢሳያስ፡ ነዚ ብኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብ ቅቡል ዝዀነን ተፈላጥነት ዘለዎን ትካላት’ዚ፡ ከምዘየለ፡ ሓንቲ ክገብር ዘይኽእል ልሙስ ኣካል ገይሩ ክገልጾ ጸኒሑን ኣሎን። ሓሓሊፉ ግን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ እዚ ዘይገበረለይ፥ ሕቡራት ሃገራት ከም’ዚ ዘይበለለይ ኢሉ ከይሓፈረ ክኸስስ ድማ ይስማዕ ኢዩ። ብቻርተራትን ሰነዳትን ኣህጕራዊ ትካላት ክጽዓድ ዘይደሊ ኣካል፡ ካብ ሕግን ፍትሕን ዝሸፈተ መንግስቲ፡ ንኣህጕራዊ ማሕበራት ሓላፍነቶም ዘይተሰከሙ ኢሉ ክኸስስ ቅቡል ጥራሕ ኣይኰነን ዘይኰነስ፡ ዝዀነ ይኹን ሞራላዊ መሰል ውን የብሉን። እንተኸሰሰ ውን ሰማዒ ክረክብ’ዩ ማለት ዘበት ኢዩ።
ደንበ ተቓውሞ’ኸ፡ ካብ ዘይቃዶ መርገጻትን ተግባራትን ሓራ ድዩ?
ደምበ ተቓውሞ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ረብሓ እተመርኰሰ ጥዑይ ዝምድና ንምኽምስረት ሓደን ንጹርን መርገጽ ሒዙ ከይሰልከከየ ክቃለስ ጸኒሑ። ከምኡ ውን፡ ኣብ መንጐ ጐረባብቲ ሃገራት ንዝፍጠሩ ግርጭታት መፍትሒኦም ሰላማዊ ልዝብ ምዃኑ ክገልጽን፥ ንኢደ ወነናዊ ውግኣት ስርዓት ኤርትራን ብቐጻልነት ክዅንን’ዩ ተራእዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ደምበ ተቓውሞ፡ ንኣህጕራዊ ውዕላትን ሕግታትን ምእዙዝ ምዃኑ ንሓንቲ ህሞት ውን ትኹን የማን ጸጋም ከይበለ ንጹር መርገጽ ክገልጽ ጸኒሑን ኣሎን።
እንተዀነ ግን፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ፡ እዝን እትን ከይበልና፡ ነንሕድሕዶም ዘይቃደው መርገጽታትን ተግባራትን ክጋሃዱ ምጽናሖም ኣሉ ክበሃል ዝከኣል ኣይኰነን። ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ጕዳይ ሓድነት ብዝምልከት፡ ንሓድነት ክጠበቑ ጸኒሖም፡ ክሳዕ ሓይሎም ዝጽንቀቕን ጐረርኦም ዝነቅጽን ብርዖም ዝነጽፍን ንምፍንጫል ክጣበቁ፤ ጽንሕ ኢሎም ድማ፡ ሃዋርያት ናይ ሓድነት ክዀኑ ዝፍትኑ ውልቀሰባትን ውድባትን ተራእዮም ኢዮም። “ጸላኢ ጸላእየይ ፈታውየይ” ካብ ዝብል መንቀሊ፡ ምሕዝነታት ክፍጠሩን ክፈርሱን ውን ርኢናን ተዓዚብናን ኢና። ካብ’ዚ ተመኵሮታት’ዚ ተማሂርና ክንከውን እናተተስፎና፡ እቲ ዝድለ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ይኹን ተቓወምቲ ንዕላማታትን ድሌታትን ናይ ህዝብና ምእዙዛት ምዃን ጥራሕ ኢዩ።
ድሌትን ዕላማን ናይ ህዝብና ድማ፡ ናጽነትን ፍትሕን ዲሞክራስን ብልጽግናን ምርግጋጽን፤ ልዑላውነት ሕግን ህዝብን ምኽባርን ንሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ምቅላስን ኢዩ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ነዞም ዕላማታት እዚኣቶም ምእዙዝ ምዃኑ ከነረጋግጽ ንፈቱ። እቲ ምስ ካልኦት ተመሳሳሊ መደብ ዕዮታት ዘለዎም ውድባትን ሰልፍታትን ጕጅለታትን ውልቀሰባትን ሓቢርና ሰፊሕ ህዝባዊ ባይታ ዘለዎ ሰልፊ ንመስርት ዝብል ተበግሶና ድማ፡ ነዞም ዕላማታት እዚኣቶም ንምዕዋት ዘኽእል ኣገዳሲ መሳርሒ’ዩ ኢልና ስለዝኣመናሉን ዝዓገብናሉን ምዃኑ እናኣስመርና፤ ካልእ ዝሓሸ ኣማራጺታት እንተልዩ ድማ ብጋህዲ ይቕረብ’ሞ ንዛራረበሉ።
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|