|
ናይ መፋነዊ መግሊጺ
ብኣምባሳደር ስኮት አች. ደሊሲ
ኣምባሳደር አች. ደሊሲ
ኣስመራ፡ ኤርትራ 2 ሰነ 2007
ክቡራት
ኣዕሩኽን ብጾትን
ኣብ’ዛ
ካብ ኣስመራ ዝፋነወላ ዘለኹ ዕለት 2 ሰነ፡ ነቶም ዘይሃስስ ሓይልን ትብዓትን ተጻዋርነትን ዘለዎም ብዙሓት
ኤርትራውያን ኣዕሩኽን ብጾትን ዘሎኒ ኣድናቆት ከይገለጽኩ ክፍለዮም ኣይደልን። መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ናይ
ሰብኣዊ መሰላት፡ ሲቪላዊ ሓርነታት፡ ቍጠባዊ ናጽነታትን ዲሞክራስያዊ መትከላትን ቀጻሊ ወይ ደያቢ ግህሰታት፤ ህዝቢ
ኤርትራ፡ ናይ’ቲ ን30 ዓመታት ዘካየዶ ጅግንነታዊ ናይ ናጽነት ቃልሲ ፍረ ጻማኡ ክረክብ ምዃኑ እምነት መንግስቲ
ኣመሪካ ኢዩ። እቲ ኣብ መዋእል ተጋድሎ ዝተጠርየ ክብርታት፡ ኣብ ሓባራዊ ክብሪ ናይ ሰላምን ናጽነትን ብልጽግናን
ዝተሰረተ ፍርያም ዝምድና ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኤርትራን ክፍጠር ዝሕግዝ ባይታ ኢዩ።
ከምኡ
ውን፡ ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ተጠቒመ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ብኮሚሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተዋህበ ናይ መወዳእታን
ቀያድን ብይን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘለዎ ውዱእ መርገጽ ደጊመ ከረጋግጸልኩም እፈቱ። ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ
ጋዜጣታት ዝወጽእ መግለጽታትን ክስታትን ብዘየገድስ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ እቲ ብይን ብኽልቲኦም ወገናት
ክኽበርን፥ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ኣብ ግብሪ ክውዕልን፥ ብሰንኪ ምምልካት ናይ ዶባት ኣብ ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት
ክፍጠር ዝኽእል ሳዕቤናት ክልቲኦም መንግስታት ብሓላፍነታዊ ኣገባብ ክኣልይዎ ክፍትኑ ከምዘለዎም ኢዩ ዝኣምን።
ኣብ
መወዳእታ፡ ነቲ ለጋስን ጋሻ ተቐባልን ዝዀነ ህዝቢ ኤርትራን፥ ነቶም ደገፎም ዘይተፈለየኒ ዜጋታት ኣመሪካን፥ ነቶም
መሳርሕተይ ዝዀኑ ብተወፋይነቶምን ሓያል ጻዕርታቶምን ዘዅሩዕኒ ብጾተይ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ
ከመስግን ኣፍቅዱለይ።
ጽቡቕ
ትምኒተይ እናገለጽኩ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ንትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓቀኛ ናጽነትን ብልጽግናን ምድጋፍ
ክትቅጽሎ ምዃና ከረጋግጸልኩም እፈቱ።
ኣምባሳደር ስኮት አች. ደሊሲ
|