Nharnet Articles/Opinions
“ንስውኣትና ዝኽሪ”
ብኣፍዶ ብግብሪ !
ኣሓትናን ኣሕዋትናን ንምንታይ ተሰዊእኩም መሓዙትና ኣያታትና ንምንታይ ተሰዊእኩም ኣዴታትና ኣቦታትና ንምንታይ ተሰዊእኩም ኣደ-ዓባያትና ኣቦ-ሓጎታትና ንምንታይ ተሰዊእኩም ሓርነት፡ ፍትሒ፡ ሰላም፡ ከተንግሱ ኣብ ሃገርኩም ስውኣትና! እወ! ንስኻትኩምሲ ሓሊፈኩም ብጅግንነት ብድሕረኹም ግን ኣጋጢሙና ኣሎ ዓቢይ ጥልመት ብናታትኩም መስዋእትነት ተተኺሉ ኣሎ ምልክነት ስውኣትና! ፍትሕን ሕግን ዝበሃላ ጨሪሽና ነይረኣና ሰላምን ቅሳነትን እውን ደሃየን ጠፊአናና እታ ጥሜት እውን ከምኣ ኢላ ኣላ ተንገርግረና ጭርሖ-ሕግ ግደፍ ኮይኑ ኣሎ ቀለብና ካብ ውግእ ወረ ውግእ ጌና ነይተጋላገልና ውግእ ኣብ ሃገርና ከይኣኽለናስ ኣብ ሰግር ዶብና ስውኣትና! ክንሕብረኩም ብደሕረኹም ዘጋጠመና ጌለና ብሕቡእ ሕይወትና ጠፊእና ገሌና ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ብዘይ ፍርዲ በሊና ገሌና ምሉእ ሕይወትና ኣብ በረኻ ማሲና ገሌና ኣብ ስደት ኣሪግና ኣብ ስደት፡ንቕበር ኣሎና ገሌና ከኣ እንደገና ናብ ስደትና ነምርሕ ኣሎና ኣብታ ዝተሰዋእኩሙላ ሃገርና ሓርነት ስለ ዝሰኣና ስውኣትና! ኣብ 20 ሰነ ኩላትና ኢና ንዝክረኩም ሕጊ-ግደፍ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ይጥቀመልኩም ሓፋሽ ሕዝብና ከኣ ብልቢ ይበኽየልኩም ስውኣትና! ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝሓበርኩኹም ብግብሪ እኳ ኣይተሓለወን መብጽዓ መስዋእትኹም እታ ሓርነት እውን ጌና ኣይረኸብናያን ብድሕረኹም ሕዝብና ግን ከቶ ኣይክድቅስን ኢዩ ከይተሓለወ ሕድርኹም ንስውኣትና ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ውድቀት ንኩሎም ጠለምቲ ሕድሪ ብኣብራሃም ተኽለ ንዝኽሪ 20 ሰነ 2007 መዓልቲ ስውኣት
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com