Nharnet Articles/Opinions

     

ካብ ጉጅለ ባህሊ ኣል-ኣመል ዝወጸ ኣገዳሲ ኣዋጅ

ዕለት 30-5-2007.

ናብ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ!

 

ንሕና እዞም ኣብ ታሕቲ ክታምና ዘንበርና መንእስያት ኤርትራ፣ ወልቀ መላኺ ስርዓት ሻዕብያ ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ነቲ ብኣቦታትና ዝተበሰረ ዝተጋህደን ዓወታት ናጽነትን ኣብ ጎዳጉድ ዝቐበረ ስርዓት፥ ካብ ሃገርናን ካብ ምዉቕ ስድራናን ለቒቕና ክንወጽእ ተገዲድና።

 

እቲ ብኸቢድ መስዋእቲ ዝተረጋገጸ ናጽነት ኣካዳሚያዊ ዓቕምታታና ነማዕብለሉን ኣብ ንጥፈታት ሃገራዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ሃገራዊያን በዓላት ብስነ ጥበባዊን ቤት-ትምህርታዊ ስልጠናታት ምትእኽኻብ መንእስያትን እንሳተፈሉ መድረኻት ብሙሉእ ወንና ሃሰው ስው ክንብል ድሕሪ ምጽናሕ; ውልቀ-መላኺ ስርዓት ንኹሉ ሕልምታትናን ድልየታትና ቆጽዩ፣ ካብታ እንፈትዋ ሃገርና ለቒቕና ከምንወጽእ ገሩና። ኣብ ስደት ዘለናሉ እዋን ክልተ ግዜ ተራኺብና ኣብ ማሕበራዊ በዓላት ኣግጣሚታትን ከነርኢ ጀሚርና። ኮይኑ ግን ተስፋ ምቑራጽ ሞራላዊ ድኽመት ዓብሊሉ ሒዙና፣ እቲ ሕቶ ግን ናበይ ኢና ንጓዓዝ ዘለና ኢልና ድሕሪ ምስትንታን፣ ኣብ ትሕቲ ኩነታት እንዳሃለና ምስ ገለ ካድራት ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ኣብ ከሰላ ተራኺብና ጎሳጊሶምናን መሪሖምናን በቲ ዝተኻየደ ርክባትን ልዝብን ሞራልና ክብ ኣቢሎም ነብስና ክንውድብ ኣተባቢዕምናን ካብ ብውልቅና እንሰርሕ ባዕላና ንባዕልና ተሓጋጊዝና ከምንጸንዕ ገሮምና፣ እዚ ርክብ ድማ ነቲ መልሲ ረኺብናሉ ዘይነበርና ናበይ ኢና ናብ ተቓወምቲ ሰልፍታት ወይ ናብ ዲክታቶርያዊ ስርዓት? ዝብል ሕቶ መሊሱልና ረኺብናዮ። እሱ ድማ ንድልየት ህዝብና ዘግህድ ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል እዩ።

 

በዚ ምኽንያት ምስቲ ንነዊሕ ዝጠመተ ውድብ ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ከምዝተጸምንበርና ብወግዒ ነፍልጥ፤ ነብስናን ንብረትና ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ ከምዝኸውን ነረጋግጽ። ስነ-ጥበባዊ መልእኽትና ንህዝብናን ንምንቅስቓስ ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ ከነውዕሎ ኢና።

 

ክብርን ሞጎስን ንስውኣትና

ፍሽለት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት

 

ተኽለ ታደሰ ገብረስላሴ

ካልድ ማሕሙድ ዳውድ ኣደም

ዓብዱልከሪም ዓንተር

ሙስዓብ ዓሊ

ኢፍሬም ተሾመ  


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com