|
||
|
|
||
|
ኢትዮጵያ ንባድመ ናብ ኤርትራ ከተረክባ ተሰማሚዓ
ቤት ጽሕፈት ዜና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን 15.06.2007
ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ዝወሰደ ወጥርን ጽንኩር ናይ ዶብ ውግእን ኢትዮጵያ ንሓንቲ ካብ’ተን ከስሓሕባ ዝጸንሓ ከተማታት ንኤርትራ ከተረክባ ተሰማሚዓ
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፡ ነቲ ኮሚሽን ዶብ ሕቡራት ሃገራት፡ ባድመ ናብ ኤርትራ ክትርከብ ኣለዋ ክብል ቅድሚ 5 ዓመታት ዘሕለፎ ውሳኔታት ብዘይ ቅድመ-ኵነት ክትቅበሎ ድልውቲ ምዃና ኣረጋጊጻ።
እዚ፡ ጽቡቕ ወረ’ዩ ….እዚ ሓደ ካብ’ቶም ሓነቕቲ ሽግራት’ዩ ኰይኑ ጸኒሑ ነይሩ። እንተደኣ ተሰማሚዖም፡ እቲ መስርሕ ንቕድሚት ክስጕም ተስፋታት ኣሎ” ክብል ተሓጋጋዚ ቃል ውሃቢ ሕቡራት ሃገራት ሚስተር ኢቨስ ሶሮኮቢ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ገሊጹ።
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|