|
||
|
|
||
|
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
Eritrean National Salvation Front ሰይጣንሲ ከምስል የምሰልስል!! ካልኣይ ክፋል ቃለ-መሕትት ናይቲ ጨቋኒ ኢሳያስ ዓቕሊ ጽበታውን ጻዕረ ሞትን እንተዘይኮይኑ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ንኣህዛብ ጎረባብቲ ሃገራትን ቅንጣብ ትርጉም ከም ዘይብሉ፡ ኣቐዲምና ሓቢርና ምንባርና ዝዝከር’ዩ፡፡ ትሕዝቶ ናይዚ ቃለ-መሕትት’ዚ ከኣ፡ ነቲ ወያኔ ወያኔ ዝብል ኣጉልን ተደጋጋምን ሓረጋት ንጎኒ ገዲፍና ምስ እነዳምጾ፡ ብዘይዝኾነ ቃል-ኣጋንኖ ኩሉ’ቲ እከይ ተግባራትን ሸርሕታትን ግፍዕታትን መራሕቲ ህግደፍ ኣብ ውሽጡ ዝሓቖፈ ምዃኑ ምንም ዘጠራጥር ነገር የብሉን፡፡ እንባ-ገነናዊ ኢሳያስ ኣብዚ ቃለ-መሕትት’ዚ<< ኣብዛ ዓለም ሕማቕ ህዝቢ ዝበሃል የለን>> ክብል ተሰሚዑ ኣሎ፡፡ ብወገና’ውን ነዚ ኣበሃህላ’ዚ ሓቅነቱን ቅንዕነቱን ብድሕሪ ምርግጋጽ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ሕማቕ ህዝቢ ስለ ዘይኮነ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ወያኔ ወያኔ ብዝብል ጅሆ ክተሓዝን ክብህርርን ክታለልን ኢልካ ምሕሳብ ጉልባቡ ዝቐልዐ ፖሎቲካዊ ዕሽነት ጥራይ’ዩ፡፡ ከምኡ’ውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ሕማቕ ህዝቢ ክሳብ ዘይኮነ፡ ካብ ፖሊስታት ስርዓት ኢህወደግ ተጎዲኡ’ዶ ወይስ ተረቢሑ? ናይ ምግምጋም መሰላትን ብቕዓትን ከምዘለዎ ተዘንጊዑ፡ ካብቲ ኲናትን ህውከትን ኢሳያስ ብፍጹም ትምህርቲ ዝጽበ ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ፡፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብቲ ጸረ ሰላም ስርዓት ህግደፍ ሰናይ ሕውነታዊ ጉርብትና ረኺቡ’ዶ ወይስ ንሃልሃልታ ኲናት ክነድድ ተፈሪዱ? ኣዓርዩ ስለ ዝፈልጥ ኣብዚ ግዜ’ዚ ንጥበራን ሽሕጣንን ኢሳያስ ፍጹም ቆላሕታ ዝህቦ ኣይኮነን፡፡ ብርግጽ ከኣ ንሕና ይኹን ጸረ ህዝቢ ኢሳያስ ንስርዓት ኢህወደግ ሰርትፍኬት ወይ ድማ ብልጫ ናይ ምሃብን ምኽላእን መሰል ከምዘይብልና፡ ብኣግኡ ነስተውዕል ፖሎቲካዊ ውድብን ጽኑዕ መትከላዊ እምነትናን ኢዩ፡፡ ከምኡ’ውን ኣብዛ ዓለም’ዚኣ ካብ ስርዓት ህግደፍ ዝኸፍአን ቀይዲ በተኽን ስርዓታት ከምዘየሎ ብጥንቆላ ዘይኮነስ፡ ብተግባራዊ ምንቅስቓስ ንድህስሶ ጭቡጥ ተረኽቦታት’ዩ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ኣህዛብ ጎረባብቲ ሃገራትን ዝፈጸሞ ወይ ከኣ ዝፍጽሞ ዘሎ እከይ ግፍዕታትን ኣበሳታትን ኣብዚ እዋን’ዚ ነጋሪት ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን፡፡ ንህዝቢ ኤርትራ እሞ ከኣ ካብቶም ኩሎም ዝሓለፉ ባዕዳዊ መግዛእትታት ዝፈልዮ፡ ብድሕሪ ሃገራዊ ነጻነት ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኸውን መለለዪ መንነትን ተግባራትን የብሉን፡፡ ሕቶታት ህዝብና ድማ ብቀንዱ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ማዕርነትን ቁጠባዊ ግስጋሰን ኮይኑ፡ እዚ ከኣ ብመራሕቲ ህግደፍ ከምዝተጠልመ ዝተፈልጠ’ዩ፡፡ ስለዝኾነ ከኣ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ’ቲ ጸረ ህዝቢ ፖሊስታቱ ከረጋግጾም ዘይኸኣለ፡ ብጉልባብ ወያኔ ወያኔ ዝብሉ ጽውጽዋይ ክሽፈኑ ዝኽእሉ ተግባራት ኣይኮኑን፡፡ እዚ ኣበሃህላ’ዚ ከኣ መራሕቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ንዕቀት ክሳብ ክንደይ ደረቱ ከምዝሰገረ ዘርጋግጽ ሓቂ’ዩ፡፡ ዲክታቶር ኢሳያስ ነቲ ኩሉ ናቱ እከይ ተግባራትን ሸርሕታትን ንጎኒ ገዲፉ፡ ንፖሎቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ብዓቕሊ ጽበት ብዙሕ ሃጠው-ቀጠው ክብል ከም ዝተገደደ ዘይሰሓት’ዩ፡፡ ብወገና ናብቲ ንሱ ዝወድቆ ሕሱር ደረጃ ለጠቕ ኢልና ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ጎኒ ኢህወደግ ተሰለፍ ወይ ከኣ ኣንጻሩ ተዓጠቕ ክንብል ፖሎቲካዊ ሓላፍነትና ኣይኮነን፡፡ ይኹን ደኣምበር ኣብቶም ፍሩያት ንህዝብና ንምትላል ዝተበገሱ መደናገርቲ ጽንሰ-ሓሳባት ኢሳያስ ግን ተመርኲስና መልሲ ክንህብ ታሪኽ የገድደና’ዩ፡፡ እቲ እንባ ገነናዊ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ደም ክጎስዕ እናገበረ ከሎ፡ ሓላይ ወይ ተጣባቒ ህዝቢ ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ኦሮሞ፡ ዓፋርን ሶማልን---ወዘተ ኮይኑ ክቐርብ ዘይመስል ድራማ’ዩ፡፡ መራሕቲ ህግደፍ እቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝሰንዘርዎ ኲናት፡ ማእለያ ዘይብሉ ምንሻውን ምንእኣስን ድሮ ረሲዖም ከምዚ ዓይነት መደረ ክህቡ ብጣዕሚ ካብቲ ዘገርም ተኣምር’ዩ ፡፡ እቲ<<ንዓ ወሽ በሎ ካላሽን’ያ ትኣኽሎ>>ተባሂሉ ብኣድጊ ዝምሰል ዝነበረ ህዝቢ ኣምሓራ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብቶም ዝተወጽዑ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኮይኑ፡ ብጨለ መደረታት ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ክሕለየሉ ምስማዕና ከየገረመናስ ኣይተረፈን፡፡ እዚ ስልቲ’ዚ ቀደም ዝኣረገ ኮይኑ ከኣ ዓወት ይተሓፈሶ ኣይተሓፈሶ ብዘየገድስ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ እቶም ኲናት ከበግሱ ዓቕሚ ዝሰኣኑ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ብኣህዛብ ጎረባብቲ ሃገራት ክጻወትዎ ዝሓስቡ ጸወታ ቁማር ምዃኑ ብሃሰሰ ለባም ክርከብ ዝኽእል’ዩ፡፡
ይኹን ደኣምበር እቶም ኣብ ከባቢ ዶባት ዝቕመጡን ኲናት መን ከም ዝጀመሮ ኣጸቢቖም ዝፈልጡን ነቲ ቅጥዒ ዝሰኣነ ሓሶት ኢሳያስን ጸረ ህዝቢ ስርዓቱን ክኣምንዎ ኢልካ ምሕሳብ፡ ኣብ ባይታ ክሰርሕ ዘይኽእል ዓሻ ጉርሒ’ዩ፡፡ ከምኡ’ውን እቶም ኣብ ክንዲ ሰናይ ሕውነታዊ ጉርብትናን ሓባራዊ ቁጠባዊ ምዕባሌን ንሃልሃልታ ኲናት ስርዓት ህግደፍ ዝተፈረዱ ህዝቢ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንኢሳያስ ሃዋርያት ሰላምን ሓላይኦምን ምዃኑ ክኣምኑ ብጭራስ ዝኽእሉ ኣይኮኑን፡፡ እቶም ኣብ ትርጉም ዘይብሉ ኣስካሕካሒ ኲናት ሂወት ዕሸላት ደቆም ዝሰኣኑ፡ ጥበራን ሃተፍተፍን ኢሳያስ ላግጺ ምዃኑ ኣዓርዮም ይፈልጡ’ዮም፡፡ እቶም ካብ ምውቕ መረበቶም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣዕኑድን ኳናን ህድሞታቶም መስርሒ ድፋዓትን መሳወሪ እንጀራ ወተሃደራቶምን ክኸውን ዝተቐሰቡ፡ ብመደረ ኣሳያስ ብሓቂ ጸባ ዝሰትዩ ኣይኮኑን፡፡ እተን ብወተሃደራት ህግደፍ ዝተደፍራ ጎራዝትን ኣዴታትን በዚ መደረ’ዚ ልበን ክረሳረስ ኢልካ ምሕላም ቅንዕነት የብሉን፡፡ እቶም ስርዓት ህግደፍ መንግስትን ሰላማዊ ህዝብን ፈላልዩ ከምዘይፈልጥ፡ ልዕሊ ኩሉ ዝፈልጡ ተቐማጦ ከተማ ዛላንበሳ በዚ መታለሊ ቃለ መሕትት’ዚ ክደናገሩ ዝኽእሉ ኣይኮኑን፡፡ ኢሳያስ ኣብዚ ቃለ-መሕትት’ዚ ብዙሕ ነንሕድሕዱ ዝጋራጮ መልእኽትታት ከመሓላልፍ ከምዘምሰየ ከኣ ፍጹም ዘጠራጥር የብሉን፡፡ በቲ ሓደ ወገን ወያኔ ብመንግስቲ ኣሜርካ ብድኽመቱ ዝተሓጽየ ስርዓት’ዩ ክብል ከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣደናጊሩ ብስልቲ ይገዝእ ከም ዘሎ ከብርህ ፈቲኑ፡፡ ፈደራላዊ ይኹን ደሞክራስዊ ስርዓት ዝብል ፖሊስታት ስርዓት ወያኔ ንይምስል ዝተቐመጠ’ዩ ክብል ተሰሚዑ፡፡ ከምኡ’ውን መሰል ርእሰ-ውሳኔ ብሄራት ክሳብ ምግንጻል ዝብል ኣብ ቅዋም ኣስፊሩ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንምጉዝዛይ ዝተጠቅመሉ ረቂቕ ሜላ ምዃኑ ክገልጽ ተደሚጹ፡፡ ኢህወደግ ዝኽተሎ ዘሎ ስትራተጂ ቅኑዕ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ነቶም ዋናታቱን ህዝቢ ኢትዮጵያን ዝምልከት ጉዳይ ጥራይ’ዩ፡፡ ኢህወደግ ግን ብውሑዱ ነቲ ቅኑዕ እምነተይ’ዩ ዝብሎ ኣብ ቅዋም ኣስፊሩ ዝንቀሳቐስ ስርዓት ብምዃኑ፡ ካብ ስርዓት ህግደፍ ዝሓሸ ብልጫ ኣለዎ፡፡ ቃለ መሕትት ኢስያስ ሕመረት ትሕዝቶኡ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ፈደራላዊ ወይ ከኣ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምህናጽ ኣድላይነት የብሉን ዝብል ትርጉም ዝሓዘለ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡ እቲ ካብ ግዝኣተ-ሕጊ ፍጹም ከምቁሪ ኣሳሓይታ ዝፈርሕን ንቅዋም ብኢደ-ወነኑ ኣብ ከብሒ ደርብዩ ን16 ዓመት ብዓመጽ ዝገዝእን ዘሎ ኢሳያስ፡ ከምዚ ኢሉ ክዋራዘ ዘኽእል ሕልናውን ሞራላውን ብቕዓት የብሉን፡፡ ይኹን ደኣምበር ኢሳያስ ጉልባቡ ዝቐልዐ ክሳብ ዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራን ጎረባብቲ ኣህዛብን እንታይ’ኮን ይብሉኒ ብምባል ንነብሱ ዝሓትትን ሕፍረት ዝስምዖን ኣይኮነን፡፡
እቲ ኣምሰሉ ኢሳያስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ምርጫታት ንይምሰል ምዃኑ ከረድኣና ብዙሕ ዓንገረር ኢሉ፡፡ እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተገብረ ምርጫ’ውን ንመናውሒ ዕድመ ስልጣን ወያኔ ከም ዝተካየደን ውጽኢቱ ድማ ብዙሕ ጸገማት ከም ዝወለደን ገሊጹ፡፡ ከምኡ’ውን ወያኔ ዓሌታዊ ፖሊስታት ከም ዝኽተልን ብሓይሊ ጸጥታዊ መሓውራት ደው ዝበለን ስርዓት’ዩ ክብል ተደሚጹ፡፡ ብውጽኢት’ዚ ከኣ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ትግራይ ንስደት ይውሕዙ ምህላዎምን ወለዶም ከኣ ንማእለያ ዘይብሉ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ከም ዝተዳረጉን ከብርህ ፈቲኑ፡፡ እዚ መደረ’ዚ እቲ ናታስ ንሓማታ ምዃኑ ዘይሰሓት’ዩ፡፡ እቲ ን16 ዓመት ህዝባዊ ቡራኼ ዘይብሉ ብዓመጽ ዝገዝእ ዘሎ ኢሳያስ ከምዚ ኢሉ ክዛረብ ብቀዳምነት ንሕልንኡ ዝጠለመ ሲኦል’ዩ፡፡ ህግደፍ ዕድመ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ንምንውሕ ዓሌታዊ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናብቲ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ጎዛዛዪ ቤተ-ሰባዊ ፖሊስታት እናተኸተለ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ሰብ ሓዳር፡ ኣሕዋትን ቀረባ ኣዝማድን ፍልልይ ዝፈጥር ስርዓት ምዃኑ ንጹር ጉዳይ’ዩ፡፡ መራሕቲ ህግደፍ ድማ ካብቲ ልሉይ ጸረ ህዝቢ ባህርያቶም እናተበገሱ፡ ንኤርትራውያን ዜጋታት ሃገራውያንን ከደዓትን ብምባል እናጎዛዘዩ፡ ኣብ መርዓ፡ ሓዘንን ማሕበራዊ ጸገማትን ከይተሓዋወሱ ማእለያ ዘይብሉ ሸርሕታትን ተንኮላትን ክኣልሙ ዝሓድሩ ምዃኖም፡ ካብ ህዝብና ዝተሰወረ ክውንነት ኮይኑ ኣይፈልጥን’ዩ፡፡ ኩሉ ፖሊስታት ስርዓት ኢህወደግ ንይምሰል ዝተቐመጠ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተቓወምቲ ምህላዎም፡ ኣብ ዝተፈላለየ መጋባኣያታትን መድረኻት ፓርላማን ከኣ ነጻነቶም ተሓልዩ ድሌቶም ክምድሩ ንሰምዕ፡፡ ዝተፈላለያ ነጻ ጋዜጣታት ምህላወን’ውን ንዕዘብ፡፡ እዚ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቶም ብጥፍኣት ኣሽሓት ሂወት ዝሕተቱ ሰበ-ስልጣን ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ’ውን እንተኾነ፡ ብሕሉፍ ጽልእታት ዝተታሕዙ ዘይኮነስ፡ ብሕጋዊ ኣገባብ መሰሎም ተኸቢርሎም፡ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ክቐርቡን ባዕላቶም ወይ ከኣ ብጠበቓታቶም ክማጎቱን ነብሰ-ምክልኻል ክገብሩን ነስተውዕል፡፡ ኣብ ዓዲ ህግደፍ ግን ኩሉ ነገር ተገላብጦሽ ኮይኑ፡ ይትረፍ ነቲ ሓቀኛ ደሞክራስያዊ ምርጫታት ንጽገናዊ ለውጥታትን ንይምሰል ዝግበር ምርጫታትን ክሓስብ ዝኽእል ጥዑይ ስነ-ኣእምሮ ገና ኣይተፈጠረን ዘሎ፡፡ ስለ ዝኾነ ከኣ ዕድመ ጸቢብ ጉጅላዊ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ብጸጥታዊ መሓውራት ጥራይ ደው ዝበለ ባዕሉ ጉጅለ ኢሳያስን ስርዓቱን’ዩ፡፡ ካብ ተራ ጽልእታት እናተበገሰ ንጹሃት ዜጋታት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቶም ኣብ ጎኑ ኮይኖም ንነጻነት ዝተቓለሱ ብጾቱ ከይተረፈ፡ ከም ኣናጹ ናብ ሕቡእ ጎዳጉዲ ዝዓብጥን ሬሳታቶም ንስድራ ቤቶም ክወሃብ ዘይፈቕድን ኣዝዩ እቲ ምሕረት ዘይብሉ ጨካን ኤሰያስ ጥራይ’ዩ፡፡ ኢሳያስ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ካብ ዝተቐልቐሉ ብግዝኣተ-ሕጊ ዘይቕየድ፡ ጸረ ፍትሕን ጸረ ህዝብን መራሒ ምዃኑ፡ ሙሉእ ዓለም ዝፈለጦ ጭቡጥ ክውንነት’ዩ፡፡ ከምኡ’ውን ንዘይነጽፍ ትጽቢታት ህዝቢ ኤርትራን ሕድሪ ስውኣትን እናጠለመ ከሎ ሕፍረት ከይተሰመዖ <<ዓወት ንሓፋሽ!! ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና!!>>እናበለ ብሓሶት ዝምሕልን ዝጥሕልን መራሒ ምዃኑ፡ ዘይሰሓት’ዩ፡፡ ብሓቲ ኣተሓሳስባ ኢሳያስን ጨቋኒ ስርዓቱን ከኣ ህላወ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝኽሕድ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሬሳ ተቓወምቲ ውልቀ ስባት ኣብታ ዝተወለዱላን ዝተቓለሱላን ሃገሮም ከይኣቱን ብቤተ-ሰቦም ንቡር ሓዘን ከይግበረሎምን ዝክልኽል ምዃኑ ዝተፈለጠ’ዩ፡፡ ብውጽኢት እቲ ኩሉ ልሉይ ኣዕናዊ ፖሊስታቱን እከይ ተግባራቱን ከኣ ናብ ስደት እናወሓዙ ፍቆዶ በረኻታት ሳህራን ባሕርታትን ሂወቶም ዝዓርብ ዘሎ መንእሰያት ኤርትራ ደኣምበር፡ ካልኦት ዜጋታት ኣይኮኑን፡፡ እቶም ካብ 50’000 ክሳብ 100’000 ናቕፋ ወይ ከኣ ዕድሚኦም ብዘየገድስ ብጉልበቶም ክቕጽዑ ዝፍረዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ወለዲ ደኣምበር፡ ብፍጹም ትግራዎት ኣይኮኑን፡፡ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ሓቂ እዚ ክንሱ ግን፡ ኢሳያስን ዕስለ መራሕቲ ህግደፍን ናቶም እከይ ግፍዕታትን ጨካን ተግባራትን ብምኽሓድ፡ ብካልኦት ዝወራዘዩን ብሓሶት ዝተላዕጠጡን ምዃኖም ምስ ምንታይ’ኮን ይቑጸር ይኸውን ? ይቕጽል |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|